2026.04.27 ር.ሊ.ጳ.ልዮን  መበል 14 ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ሳራ ሙላልይ 2026.04.27 ር.ሊ.ጳ.ልዮን መበል 14 ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ሳራ ሙላልይ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣንግሊካውያንን ካቶሊካውያንን ፍልልያት ንምስጋር ዘካይድዎ ዕዮ ክቕጽል ኣለዎም ኢሎም

ምስ ሓድሽ ናይ ውህደት ኣንክሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ንመጀመርታ ግዜ ዝተራኸቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያንን ብሓባር ክርስቶስ ንዓለም ክእውጁ፣ ዝኾነ ይኹን ፍልልያትን ብድሆታትን ብምስጋር ከም ዝሰሑ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰኑይ ዕለት 27 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊት ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ሳራ ሙላሊ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣስዒቦም እውን ኣብቲ ኣብ ሃዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ኡርባኖ ሻምናይ ቤተ ጸሎት ብሓባር ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ እዋን በዓል ትንሳኤ ክቕበልወን ነቲ ቅድሚ 60 ዓመት ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ውህደት ኣግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ራምሲን እተገብረ ታሪኻዊ ርክብ ዘዘኻኽር ብምዃኑ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፡ ብተወሳኺ ኣብ ሮማ ዝርከብ ማእከል ኣንግሊካን ንዘቕርቦ ኣገልግሎት ኣድኒቖም፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ወኪል ኮይኖም ንዘገልግሉ ጳጳስ ኣንቶኒ ቦል ሰላምታ ኣቕሪቦም። ኣብ ፋሲካ ክርስቶስ ዝሃቦ ንኹሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዕድመ ዝኾነ ሰላምታ ከም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

"ሰላም ናይቲ ዝተንስአ ጎይታ 'ዘይተዓጥቀ' ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ጠቒሰ እየ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ንዓመጽን ምጥቃዕን ኩሉ ግዜ ብዘይ ዕጥቂ ምላሽ ስለ ዝህብ፡ ንዓና’ውን ከምኡ ክንገብር ይዕድመና” ቢሎም፡

ኣብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ምፍልላይ ንሰላም ክርስቶስ ናብ ዓለም ብኣድማዒ መንገዲ ናይ ምቕራብ ዓቕምና ከም ዘዳኽሞ ኣጒሊሖም፡ “ዓለም ንእነቕርቦ ስብከተ ወንጌል ኣብ ልባ ኽትሕዞ እንተ ዀይና፡ ንኣዋጅ ወንጌል ዝዕንቅፍ ዝዀነ ይኹን መሰናኽላት ንምእላይ ኣብ ጸሎትናን ጻዕርናን ጽኑዓት ክንከውን ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ቅዱሰንቶም ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያንን “ምሉእ ሕብረት ብእምነትን ብቕዱሳት ምስጢራት ሕይወትን” ንምምላስ ዝተገብረ ናይ ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ጻዕርታት ቲዮሎጊያዊ ዘተ ዘኪሮም፡ እዚ ኤቁመናዊ ጕዕዞ እዚ እተሓላለኸ እኳ እንተ ዀነ ኣብ እተፈላለየ ታሪኻዊ ምክፍፋል ዝመልኦ ጕዳያት ፍረ ከም ዘፍረየ ብምግላጽ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ተመሳሳሊ ሕቶታት" የጋጥሞ ኸም ዘሎ ገሊጾም፡ “እንተኾነ ግን እዚ ቀጻሊ ብድሆታት እዚ ኩሉ ዝከኣል ዕድል ተጠቒምና ብሓባር ንክርስቶስ ንዓለም ከይንእውጅ ክዓግተና ክንፈቅድ የብልናን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 ንናይ ውህደት ኣንልጊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ብሰንኪ ምፍልላይና ኣብ ዓለም ክርስቶስ ንኽፈለጥ ናይ ሓባር ጸዋዕታና እንተዘይፈጺምና ዕንቀፋት ምኾነ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን ተወኪሶም፡ “ብወገነይ፡ ፍልልያትና ክሳብ ክንደይ ዘይፍትሑ ዝመስሉ ይኹኑ ብዘየገድስ፡ ንምስጋር ብሓባር ምስራሕ እንተዘይቀጺልና ዕንቅፋት ምኾነ - ቢሎም - ቅዱሰንቶም መደረኦም ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ንናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ቀዳማዊት ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ሙላሊ ንዝገበርኦ ምብጻሕ ኣመስጊኖም ኣንግሊካውያንን ካቶሊካውያንን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ብምሕዝነትን ዘተን ብሓባር ክጓዓዙ እጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርሲትያን ቀዳማዊት ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ሙላልይ
28 Apr 2026, 15:46