COLOMBIA-ELECTION-BOMBING-GUERRILLA

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ግዳያት ዓመጽ ደቡባዊ ምዕራብ ኮሎምብያ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ረቡዕ ድሕሪ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኮሎምብያ ዓመጽ ዝመልኦ መጥቃዕትታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ኵሉ ሰብ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጻ ክነጽጎ ተማሕጺኖም፣ ስለ እቶም ኣባኡ ዝርከቡ ብዙሓት ግዳያት ድማ ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቶም ቋንቋ እስጳንኛ ዝዛረቡ ነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታ፣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኮሎምብያ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ዘክሮም።

ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዞም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራዊ መደበራት እንተ ወሓደ 26 መጥቃዕትታት ብምፍጻሞም፣ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቲ ኣብ ኮሎምብያ ተኸሲቱ ዘሎ ዅነታት "ብሓዘንን ብጭንቀትን" ዘኪሮም።

"ከቢድ ክሳራ ሕይወት ደቂ ሰባት" ብምባል ድማ ሓዘኖም ገለጹ፣ ስለ እቶም ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ዓመጻ ዝተጐድኡ ወገናት ድማ ጸልዮም።

"ነቶም ግዳያትን ስድራቤቶምን ብጸሎት ቀረባኦም ምዃነይ እገልጸሎም ኣለኹ፣ ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ክነጽግዎን መገዲ ሰላም ብቘራጽነት ክመርጹን ድማ እምሕጸኖም ኣለኹ" ድማ በሉ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጻ

እዚ ዓመጻ እዚ ቀቅድሚ እቲ ኣብ ዕልት 31 ግንቦት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሃገረ ኮሎምብያ ኢዩ ተኸሲቱ ዘሎ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ነቲ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ 2016 ምስ መንግስቲ እታ ሃገር እተገብረ ስምምዕ ሰላም እተበታተነ ተቐናቓኒ ጉጅለ (FARC-EMC) ተሓታቲ ምኹኑ ኢዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

እቲ ጕጅለ ካብ ዕለት 24 ሚያዝያ ኣትሒዙ እንተ ወሓደ 26 መጥቃዕትታት ብምፍጻሙ፣ ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዝቐተለ እዩ ዝንገድ ዘሎ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መንጎ ከተማታት ካሊን ፖፓያንን ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ዘጋጠመ ቀታሊ ነታጒ ድማ ንህይወት ኣስታት 21 ሰባት ቀዚፉ ይርከብ ኣሎ።

ብመሰረት ተንተንቲ ፖለቲካ ዝሓብዎ መግለሲ፣ እዚ ተቐናቓኒ ጉጅለ (FARC-EMC) ነቲ ቀታሊ ክእለቱ ከንጸባርቕን ኣብ መወዳእታ ውርሒ ግንቦት ፕረዚደንት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ተኣማንነቱ ንምርግጋጽን ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ።

በቲ ኣብ 2016 እተገብረ ስምምዕ ሰላም ውዕል ምእታው ዝኣበየ ኢቫን ሞርዲስኮ ተባሂሉ ዚፍለጥ ኔስቶር ቬራ ድማ እዩ ዝምራሕ ዘሎ።

እቶም ተቐናቐንቲ ኣብ ኣውራጃታት ካውካን ቫለ ደል ካውካን ሓያል ህላወ ኣማዕቢሎም ንመገድታት ንግዲ ሓሽሽን ዘይሕጋዊ መዐደኒ ወርቅን ንምቍጽጻር ይቃለሱ ድማ ኣለዉ።

እታ ጕጅለ ኣብ መወዳእታ 2023 ምስ መንግስቲ ኮሎምብያ ናይ ሰላም ዝርርብ ጀሚራ እኳ እንተ ነበረት ሓደ ጕጅለ ግን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ኣትሒዙ ነቲ ዝርርብ ኣቋሪጹ ምስ መንግስቲ ዝገብሮ ዝነበረ ቓልሲ ዳግም ኣሐዲስዎ ይርከብ ኣሎ።

እዞም ተቐናቐንቲ ጉጅለ ንተቐማጦ እቲ ኸባቢ ንምፍርራህ ድሮናትን ቦምባታትን ማካይንን ተጠቒሞም ኣታዊ ንምእካብ ድማ ጭውያ ይፍጽሙን ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ሰባት ቀረጽ የኽፍሉን ኣለዉ።

29 Apr 2026, 16:12