ር. ሊ. ጳ. ኣብ መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ቼርኖቢል ንኑክልየሳዊ ጸዓት ንሰላማዊ ረብሓ ከውዕሉ ጸዊዖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕረግዎ ጽሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ፣ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ኑክልየሳዊ ጸዓት ብሓላፍነት ኪጥቀሙሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ቅዱስነቶም እዚ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ኣብ መበል 40 ዓመት ኑክልየሳዊ ዕንወት ቸርኖቢል እዩ ዝንበረ፣ እዚ ድማ "ንሕልና ደቂ ሰባት ዘነቓቕሕ እዩ" በሉ።
"ነቶም ግዳያትን ንዅሎም እቶም ብሳዕቤናቱ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባትን ናብ ምሕረት ኣምላኽ ብሕድሪ ነወፍዮም ኣሎና" በሉ።
ዕለት 26 ሚያዝያ 1986 ኣብ ዩክረይን ካብ ኪየቭ ብሸነኽ ሰሜን 90 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ከባቢ፣ ብሶቭየት ሕብረት ዝመሓደር መመንጨዊ ኑክልየሳዊ ጸዓት ኤለክትሪክ ቸርኖቢል ተባሂሉ ዝፍለጥ ብምፍንጃሩ፣ ብኡንብኡ ኣስታት 31 ሰባት ከም ዝሞቱ፣ ኣብ ዚቕጽል ሒደት ዓመታት ከኣ ኣስታት 15,000 ሰባት ብሳዕቤናቱ ናይቲ ጸርጊ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ዝፍለጥ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓያል ተክኖሎጂ ምጥቃም ሓደገኛ ምዃኑ እውን ኣጠንቂቖም።
ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ጸዓት ምጥቃም፣ ምስትውዓልን ሓላፍነት ዝስምዖን ውሳነ ክግበር ከም ዝድሊ ድማ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።
"ኣብ ኵሉ ደረጃታት ውሳነ ናይ ምግባር ምስትውዓልን፣ ሓላፍነትን ብምውሳድን፣ ኵሉ ሳዕ ክዕወት ተስፋ እገብር፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጠቓቕማ ኣቶሚካዊ ጸዓት ንህይወትን ሰላምን ከገልግል ይኽእል ኢዩ" በሉ።
