ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ኣንጎላ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ኣብ ኣንጎላ   (@Vatican Media)

ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም ዝገልጽ ሓዋርያዊ ጉዕዞ

ናብ ኣፍሪቃ ናይ ምብጻሕ ባህጊ ብቐዳምነት ንልቢ እቲ ሚስዮናዊ ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተልጽ ኢዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ጕዕዞ ቀዳመይቲ መዓልትን፡ እተን ስዒበን ዝነበራ ክልተ መዓልትን እንተ ወሓደ ብኣረኣእያ መራኸቢ ብዙሓን፡ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ብሔር ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺታት ርእይቶ ብምሃብ ኢዩ ተዓብሊሉ። እዚ ከኣ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ባዕሎም ኣትሒቶም ክርእይዎ ዝደለይዎ ክርክር፡ ኣብ እዋን እቲ ጕዕዞ ዝተዛረብዎ ነፍሲ ወከፍ ቃል፡ በቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን፡ ዋይት ሃውስን ዘሎ ርክብ ክትርጐም ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቶም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰኑይ ዕለት 13 ሚያዝያ ንግሆ፡  ኣብታ ናብ ኣልጀርስ እትነቅል ነፋሪት ንጋዜጠይናታት ንፈለማ ጊዜ ሰላምታ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ዝተዛረብዎ ኣገዳሲ ርእይቶ  ዳርጋ ኣቓልቦ ኣይረኸበን። ቅዱስነቶም ኣፍሪቃ "ኣብ ጊዜ ብጵጵስናይ እታ ቀዳመይቲ ዝበጽሓላ ክፍሊ ዓለም ክትከውን እያ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ነይሩ" ኢሎም። ነዚ ከኣ "ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ መጀመርታ ጕዕዞይ ናብ ኣፍሪቃ ክኸይድ ከም ዝደሊ ተዛሪበ ነይረ" ብምባል ኣስሚሮምሉ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ምምራጾም ብኡንብኡ ንተሓጋገዝቶም ነዚ ፍሉይ ድሌት እዚ ገሊጾም ነይሮም። እዚ ትምኒት እዚ ግን ኣብቲ ጊዜ እቲ ብምኽንያት ሎጅስቲክስ ኪፍጸም ኣይከኣለን። ግን ከኣ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝተወልዱ ቐዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተልእኾኦም ብኸመይ ከም ዚርድእዎ ብዙሕ ኢዩ ዚገልጽ። ሓደ መሰረታዊ መዳይ ግን ኣሎ፡ ታሪኽ ሕይወት ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ክንርስዖ የብልና፦ ንሶም ሚስዮናዊ ወዲ ማኅበር ኢዮም፣ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ ዘመናት ኣብ ታሪኽ ጳጳስ ሳሕቲ ኢዩ ዚርከብ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፔሩ ከም ሚስዮናዊ ካህንን፡ ከም ቆመስን ኰይኖም ንብዙሕ ዓመታት ኣገልጊሎም። ጸኒሖም ከኣ ብሕቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ጳጳስ ኰይኖም ናብኡ ተመልሱ። ነዚ ጸዋዕታ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጕዕዞን፡ ነቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ እንርእዮ ዘለና ነገራትን ክንርድኦ እንኽእል። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሽኽ እናበሉ ነቲ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ዘሰንዮ ዘሎ መዛሙርን፡ ባህላዊዊ ሳዕስዒትን ይስዕብዎ ኣለዉ። ንሕጻናት ክረኽብዎምን ክሓቝፍዎምን ውን ገዛእ ርእሶም ወፍዮም ይርከቡ፣ ንነዊሕ እዋን ኣእዳዎም እናጨበጡ ንሰባት ሰላምታ እና ሃቡ ውን የሕልፍዎ ኣለዉ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ክዛረቡ እንከለዉ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሕዝብን ባህልታትን፡ ቅዱስ ወንጌል ናብ ሰላምን ለውጥን ዚመርሕ መለኮታዊ ሓይሊ ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ድማ ኣብ ባሜንዳ ካሜሩን ተራእዩ ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምህናጽ ሰላምን ንብሓባር ምንባርን ምእንቲ ኪድግፉ ኣብቲ ዜሕዝን ውግእ ሓድሕድ ዝመልኦ ኵነታት ከይዶም። ወይ ከኣ ኣብ ያውንደ  ንኣካዳምያዊ ዓለም ክዛረቡ ከለዉ "ናጻን ቅዱስ ድላይን ዘለዎን" ሕልና ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ድማ "እምነት ክርስትና ብሓሳብ ዝንበር ዘይኮነ ብግብሪ ዝንበር ሕይወት ምዃኑ ንኽርአ ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ንሕይወት ውልቀ-ሰባትን ሕብረተሰብን ክትልውጦ፡ ነቲ ኣብዚ ጊዜና ዘሎ ዜሕዝን ፍጻመታትን፡ ድኽነትን ኣብ ግምት ብምእታው ትንቢታዊ ለውጢ ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘዳለውዋ ናይ ወንጌል ሓስየት  እትብል ሓዋርያዊት ምዕዳን ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ካርዲናላት ከም መዛተዪት መደብ ገይሮም ምጥቃሶም ዘገርም ኣይኰነን። እታ ናይ ቅድሚኦም ዝነበሩ መሰረታዊት ሰነድ - ሎሚ መጀመርታ ዓመት ዝኽሪ ሞቶም ኣብ ዝኽበረሉ ጊዜ - ተልእኾ እንታይ ከም ዘጠቓልል ብንጹር ስለ እትገልጽ እንደገና ናብ ቤተ-ክርስትያን ትቀርብ ኣላ። እዚ ከኣ ከሪግማ ኣዋጅ መሰረታዊ ነገራት እምነት፣ ገጽ ናይታ ምስቶም ዝሳቐዩ ብኸመይ ከም እትቀራረብ እትፈልጥ፡ ኣብ ሕይወት ደቅሰብ እትሳተፍ ቤተ-ክርስትያን፣ ሕብረተ-ሰብ ናብ ዝያዳ ሰብኣውን ፍትሓውን ኣንፈት ንምቕያር ዝግበር ተወፋይነትን ዘጠቃልል ትሕዝቶ ስለ ዘለዋ ኢዩ። ከምቲ ኣብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘዳለውዋ ኣነ አፍቀርኩከ  እትብል ሓዋርያዊት ምዕዳን ከም እነንብቦ፡ ንድኻታት ዘሎና ፍቕሪ እቲ መሠረታዊ ክፍሊ ክርስትያናዊ ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ትምህረና። ምኽንያቱ "ምስ ትሑታትን ሓይሊ ዘይብሎምን ዘሎና ርክብ ምስቲ ጐይታ ታሪኽ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እንራኸበሉ መሰረታዊ መገዲ ኢዩ።"

እቲ ናብ ሰላም ዝያዳ ዝደፍእን፡  ናብ ዘተ ምምላስን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽባርን ዘተኰረ - ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ዝተዋህበ ግብረ መልሲ - ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሰማማዕ ኢዩ። ንባህርይ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያን፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ከም ሓደ ፖለቲከኛ ዘይኰነስ፡ ከም ጓሳ ኰይኖም ንዚዓዩ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ እንደገና ንምግላጽ ይሕግዝ። እንተዀነ ግን ጓሳ ምዃን - ናብ መንፈሳዊ ወይ ረቂቕ ኵነት ጥራይ ኣድህቦ ምግባር ኣኮነን። ብዛዕባ ሰላምን፡ ፍትሕን፡ ዘተን፡ ርክባትን፡ ዝያዳ ፍትሓዊ ሕብረተ-ሰብ ምህናጽን፣ ምስቶም ስደት ዝወርዶም ወይ ኣድልዎ ዝወርዶም ምቅራብን፣ ምስቶም ንጹሃት ግዳያት ኲናት ምሕባርን፡ ከምኡውን ኣብዚ ዘደንቕ ታሪኻዊ ህሞት ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ ምሕላይ ባህርያዊ ኢዩ።

 

ብኣንድርያ ቶርኒሊ

22 Apr 2026, 12:09