ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣንጎላ፡ ሓቢርና ይቕረ ክንብልን ክንጽልን እንኮሎና ኢየሱስ ምሳና ኣሎ!”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሳውሪሞ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ኣረጋውያን ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ ጽፈት ሓደ ህዝቢ በቲ ንድኹማት ዝህቦ ክንክን ዝዕቀን ምዃኑ የጒልሑ።

ስሞዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 13 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ሳውሪሞ ኣብ ዝርከብ ብመንግስቲ ኣንጎላ ኣብ ዝመሓደር መእለዪ ኣረጋውያን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ መእእለዪ 26 ደቂ ተባዕትዮ፡ 36 ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣረጋውያን ከም ዝርከቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣረጋውያን ነበርትን ኣለይቶምን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ “እቲ ብእምነት ዝተመልአ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ” ዘሕደረሎም ሓጎስ ብምግላጽ፡ ኣብቲ መእለዪ ዝረኽብዎ ክንክን ክንዮ ብሓቂ ኣብ ስድራቤታዊ ሃዋህው ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ተስፋ ኣካፊሎም፡ ኢየሱስ ናብ ቤት ኣዕሩኽቱ ምብጻሕ ይፈቱ ከም ዝነበረን ምስ ሓማት ጴጥሮስ ገለ ግዜ የሕልፍ ከም ዝነበረን ብዙሕ ግዜ ድማ ናብ ቤት ማርያምን ማርታን ኣልኣዛርን ኣብ ቅፍርናሆም እውን ከም ዝበጽሐ ዘኪሮም፡ ኣብዚ መሐብሐቢ ቤት እውን ኢየሱስ ምስቶም ኣረጋውያን ከም ዘሎን ብፍላይ ድሕሪ ንእሽቶ በደል ንሓድሕዶም ይቕረ ክበሃሃሉን ዕርቂ ክደልዩን እንክለዉ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ኢየሱስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩን ክትተሓጋገዙን ኣብ እትፍትነሉ ዘበለ ዅሉ ኣብ ማእከልኩም ይነብር። ኩላትኩም፡ ወይ’ውን ገለ ካባኻትኩም ከይተረፈ፡ ብገርሀይናን ብትሕትናን መንፈስ ብሓባር ክትጽልዩ ከለኹም፡ ንሱ ኣብ ማእከልኩም ኣሎ - ቢሎም ከምዚ ዓይነት መእለዪ ኣረጋውያን ዝኣመሰሉ ተበግሶታት መንግስቲ ኣንጎላ ድማ ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

"ሓልዮት ናይቶም ዝደኸሙ ሰባት፡ ንስሙር ማሕበራዊ ህይወት ሓደ ህዝቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ምልክት'ዩ። ኣረጋውያን ሓገዝ ዘድልዮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ልቦና ናይ ሓደ ህዝቢ ስለ ዝዕቅቡ፡ ምስማዕ ከም ዘድልዮም ኣይንረስዕ ምስ በሉ ቅዱስነቶም መደረኦም ምእንቲ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ተቐማጦ ብምጽላይ ንኹሎም ንዕቑባ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምቕራብ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተክርስትያን ምስ ሳውሪሞ መዕበዪ ኣረጋውያን ዘለዋ ጥቡቕ ርክብ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣመሓዳሪት ናይቲ መእለዪ ኣረጋውያን ጆርጂና ምዋንዱምባ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስቶም ኣብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ዝነብሩ ብሉጽ ርክብ ትሕሉ፡ ነቲ መሳለጥያ ንምድጋፍ ኣብ መንፈሳውን ቍጠባውን ሓገዝ ኣበርክቶ ከም እትገብሩ ኣረጋጊጻ፡ ሓላፍነት ክስምዖምን ኣባል ስድራ ቤት ኮይኑ ክስምዖም መታን ዝተፈላለዩ መደባት ዕዮን ምንቅስቓስን እውን ከም ዝገብሩ ኣመልኪታ ገሊኦም ካቶሊካውያን እውን እንተዘይኮኑ ኩሉ ኣብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሳተፉን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ገዛ ብሓባር ቅዳሴ ይሳተፉ እዮም፣ ኣባይቲ ስድራ ብስም ኣጉል እምነት ንኣረጋውያን ወለዶም ምሕዳግ ከቋርጹ፡ እቲ ምስ እርጋን ወይ ምስ ዕድመ ምድፋሕ ዝተሓሓዝ "ዕሽነት ዝመልኦ ልምዲ ጥንቆላ" ክስገር ዘለዋ ተስፋ ትገልጽ።

21 Apr 2026, 15:58