ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርያ፡ 'ልቢ ኣምላኽ ብውግኣት፡ ዓመጽ፡ በደል፡ ሓሶት ይቖስል ኣሎ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀሪያ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ናብ ሃናባ - ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ጳጳስ ኮይኑ ኣብ ዘገልገለላ ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ድሕሪ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብቲ ብማሕበር ደናግል ንኡሳን ኣሓት ድኻታት ዝመሓደር መእለዪ ኣረጋውያን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ኣብኡ ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ ነቶም ዝለዩ ኣረጋውያን “ኣምላኽ ኣብዚ ህልው እዩ” ብምባል፡ “ፍቕርን ኣገልግሎትን ኣብ ዘለዎ ዘበለ፡ ኣምላኽ ኣብኡ ከም ዘሎ” ኣጒሊሖም፡ ሳላሕ ቡቸሜል ንዝሃቦ ቃል ምስክርነትን ሰላምታን ኣመስጊኖም፣ ኣብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ዘሎ ሃይማኖታዊ ፍልልያትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ከም ዘስመሩሉ ድማ ዘኪሮም፡ ሰባት ብሕውነት ብሓባር ክነብሩ ኣብ ዝጽዕሩሉ ቦታ ዘሎ ተስፋ እግዚኣብሔር ብርግጽ ዘለልዮ ምዃኑ ገሊጾም። “ልቢ ኣምላኽ ብውግእን ዓመጽን በደልን ሓሶትን ይቖስል፡ ልቡ ድማ ምስ ክፉኣትን ትዕቢተይናታትን ዕቡያትን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እግዚኣብሔር ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት መንግስቱ ዝሃንጹ ይነብር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ልቢ ኣምላኽ ምስ ንእሽቱን ትሑታትን እዩ ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ መዓልታዊ ኣገልግሎትኩምን ዕርክነትኩምን ሓባራዊ ናብራኹምን ክትገብርዎ እትጽዕሩ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ብፍቕርን ሰላምን መንግስቱ ይሃንጽ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቶም ካብ 2008 ክሳዕ 2021 ናይ ቍስንጥንያ - ሂፖ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖን ንዘገልገሉ ኢየሱሳዊ ካህን ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ፖውል ደስፋርገስ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ምስ ንኡሳን ኣሓት ድኻታት ደናግል ዝነብሩ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ እተን ኣሓትን ሰራሕተይታትን ኣብቲ መእለዪ ኣረጋውያን ብጥንቃቐን ኣቓልቦአን መዓልታዊ ተኣምራት ከም ዝፍጽማን፡ ዕለታዊ ብዘቕርብኦ ሰላምታ ንሰባት ዘቀራርብ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ስለ ምስክርነቶም ኣመስጊኖም፣ ምስቶም ኣረጋውያን ነበርቲ ብሓባር ብምንባር ንዝህብዎ ምስክርነት ድማ ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ኣቦና ኢየሱስ “ኣቦ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነቲ ዓብይ ምስጢር ካብ ፈላጣትን ካብ ለባማትን ሓቢኡ ንሕጻናት ድማ ገለጸሎም” (ሉቓ. 10፡፡21) ዝበሎ ቃል ጠቒሶም፡ ነተን ኣሓትን ነቶም ኣብኡ ዝእለዩ ነበርትን ንዝነብርዎ ምስክርነት ብምምስጋን ብኣልብኒያዊ ስነ ጥበበያ ጆሲፍ ድሮቦንኪኩ ዝተሳእለ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ቅንስላዊ ቅብኢ ትንሳኤ ክርስቶስ ነቲ ምእለዪ ኣረጋውያን ቀጸ በረኸት ኣቕሪቦም፡ እቲ ምስሊ ዝተንሰአ ክርስቶስ "ብህላወ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ንገዛእ ርእስኻ ክትበርህ ብምፍቃድ ከምኡውን ልቢ ሰብ ምጽንናዕን ተስፋን ኣብ ዝጽበየሉ ቦታ ብምጽናዕን ኣገልግሎትን ነጸብራቕ ምሕረቱ ክትስከም ይዕድም” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
