ር. ሊ. ጳ. ንሰበ-ስልጣን ኣንጎላ፦ ንራእያት መንእሰያት ወይ ሕልምታት ኣረጋውያን ኣይትዓምጹ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ርእሰ ብሔረ ኣብ ከተማ ሉዋንዳ ዝርከብ፣ ምስ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን ተወከልቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ኣካላትን ተራኺቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንርእሰ ብሔር ሃገረ ኣንጐላ ዦዋ ሎረንሶን፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ዕዱማትን ረኺቦም እንክዛረብዎም፣ ስለቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ምስጋናኦም ብምግላጽ፣ "ኣብዛ ብኣምላኽ እተፈቕረት ምድሪ ንኣሰራት ኣምላኽ ከም ምልክት ሃሰስ ንምባል ከም ነጋዲ ኰይነ ምስ ሕዝብኹም ክራኸብ ናባኻትኩም መጺአ ኣለኹ" ብምባል ኣጕልሑ።
ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣውራጃ ቤንጌላ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ንምዝካር ግዜ ብምውሳድ ድማ "ምእንቲ እቶም ግዳያት ዝተጸለየ ጸሎት፣" ከምኡውን "ምስቶም መጽለሊ ዝሰኣኑ ስድራቤታት ጥብቕ ርክብ ከም ዘለዎም" ገለጹ። ብተወሳኺውን ኣንጎላውያን "ነቶም እተጐድኡ ንምድጋፍ ዓብዪ ናይ ምትሕግጋዝን ደገን ሓድነት" ከም ዘለዎም ብምጥቃስ፣ ነቲ እተገብረ ሃገራዊ ምላሽ ጠቒሶም።
ተጻዋርነት ኣንጎላውያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም፣ "ህዝብኹም ኪሽየጥ ወይ ኪስረቕ ዘይክእል መዝገብ ኣለዎም" ብምባል፣ ስጋዊ ዘይኰነስ ሰብኣዊ ሃብቲ እታ ሃገር ኢዩ ክብሉ ንዝገለጽዎ ሓቂ እውን ደጊሞም ኣጕልሑ። ገለ ኻብዚ ድማ ኣብ ተመክሮ እተመስረተ ተጻዋርነት ምዃኑ ገለጹ። "ነዚ ድማ ካብ ውሽጦም እቲ ዝኸፍአ ሕማቕ ኵነታት እውን ከይተረፈ ከጥፍኦ ዘይከኣለ ሓጐስ ኢዩ" በሉ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቝጠባዊ ምዝመዛ ኣብታ ሃገረ ከም ዘሎ እውን ኣጠንቀቑ። "መብዛሕትኡ ግዜ ዞባታትኩም ገለ ነገር ንምሃብ ወይ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንምውሳድ ዘለዎ ኩነት ሕጂውን ተጠማቲ ኢዩ" ብምባል፣ "እዚ ንክውንነትን ንህይወት ናብ ሸቐጥ ዝቕይሮ ሰንሰለት ረብሓታት" ክፈርስ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ናይ ሓጎስን ተስፋን ኣፍሪቃ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ተዛሪቦም። ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዓለም "ማዕከን ሓጐስን ተስፋን ኢያ" ክብሉ ብምግላጽ፣ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ወለዶታታ ጠቒሶም። "መንእሰያርን ድኻታትን ገና ይሓልሙን ተስፋ ይገብሩን ኣለዉ፣ ነቲ ድሮ ዘሎ ነገር ኣይቅበልዎን እዮም" ድማ በሉ። እዚ ድማ ካብ ፖለቲካዊ ውጥናት ንላዕሊ ዓሚቝ ሓይሊ ለውጢ ከም ዘምጽእ እውን ኣመልክቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ብዛዕባ እቲ ናብ "ስቓይን ሞትን ማሕበራውን ኣከባብያውን ሓደጋታት" ዘመርሕ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ናይ ምዕዳን ቍጠባዊ መርኣያ ዘሕደሮ ጽልዋ እውን ኣመልኪቶም ተዛረቡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት "ኣድልዎ ዝገብርን ዘግልልን ግን ከኣ ንገዛእ ርእሱ ከም እንኮ ተኽእሎ ምዕባሌ ኮይኑ ብምቕራብ ዝግለጽ መርኣያ" ከም ዘስፋሕፍሕ እውን ኣጠንቀቑ።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምጥቃስ ከአ ብዛዕባ "ንግዳዊ፡ ኣምልኾ ርእስን፡ ፍቕረ ንዋይን ዘምጽኦ ስልጣኔ" ነቐፌታ ከም ዘለዎ እኳ እንተ ዘከሩ፣ "ምሉእ ብምሉእ ዘይሕጋዊ" ብምዃኑ ንገዛእ ርእሱ ከም መጻኢ ገይሩ ዘቕርብ ኢዩ ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ። ብኣንጻሩ ግን "እዚ ወለዶ እዚ ካልእ ነገር ኢዩ ዝጽበ ዘሎ" በሉ።
ህይወት ኣብ ርክባት ጥራይ እያ እትዕምብብ
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጥመን ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ብድሆታት ክዛረቡ ከለዉ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ርክባት ኣመልኪቶም እውን ኣጕልሑ። "ህይወት ኣብ ርክባት ጥራይ እያ እትዕምብብ። ኣብ ፈለማ ወትሩ ርክብ ኢዩ ዘሎ" ብምባል ዘይምስምማዕ ናብ ግጭት ክሰግር ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ድማ፣ ነቲ ንግጭት ብሃናጺ መገዲ ምእላዩ ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ፣ ግጭት ኪህሉ ከም ዝኽእል ዝገብር ሰለስተ መልስታት ዘርዚሮም። "እቲ ዝበለጸ መገዲ ... ንግጭት ንምቕባልን ንምፍታሕ ከምኡውን ኣብ ሓድሽ መስርሕ ርክባት ምቕያር ማለት እዩ። "ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም" ድማ በሉ።
ንሓባራዊ ተብሓ ቀዳምነት ሃብዎ
ኣርዒቦም ቅዱስነቶም፣ ነቶም ኣብ ኣንጎላ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ብቐጥታ ተዛረብዎም፣ "ንዘይምስምማዕ ፍርሕዎ፣ ራእያት መንእሰያት ወይ ሕልምታት ኣረጋውያን ኣይትዓምጹ" በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ንሓባራዊ ረብሓ ቅድሚ ግላዊ ረብሓታት ስርዕዎ፣ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ግደ ድማ ምስቲ ሓባራዊ ዝኾነ ኣይተደናግርዎ" ክብሉ ተማሕጸንዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስፍሓት ተስፋን ሓጐስን ኣመልኪቶም እውን ተዛረቡ። እዚ ውልቃዊ ስምዒታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንሕብረተሰብ ዝቐርጽ ሓይሊ ምዃኑ እውን ገለጹ። ኣብ ርእሲ እዚ’ውን "ካብ ስልጣን ንምሕዳግን ንምዝላቕን ኣብ ዝግበር ፈተናታት ዝጻረር ሓያልን ሰፊሕን ሓይሊ" ኢዩ በሉ።
ኣብ ምክፍፋልን ተስፋ ቝርጸትን ካብ እተመርኰሰ ፖለቲካዊ ውትናት እውን ኣጠንቀቑ። ከም ብሓድሽ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ድማ፣ "እቲ ዝኸፍኣ መገዲ መግዛእቲ ... ተስፋ ቍርጸትን ቀጻሊ ዘይምትእምማን ምዝራእ ኢዩ" በሉ። እዞም ኣርጀርንቲናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ዝኣመሰለ ኪደት ናብ "ምክፍፋል" ከም ዝመርሕን፣ ማሕበራዊ ሓድነት ከም ዘዳኽምን ኣጕልሑ ክብሉ እውን መስከሩ።
ኣብ ክንዳኡስ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ "ሓቀይና ሓጐስ" ከም ምንጪ ምሕዳስ ገይሮም ብምግላጽ ኣተባብዕዎም። ምስ ክርስቲያናዊ እምነት ኣተሓሒዝዎ ከአ "ፍረ መንፈስ . . . ግና ፍቕሪ ሓጐስ ሰላም ኢዩ" በሉ። ማሕበራዊ ህይወት ኣብ ክብርን ሓባራዊ ተፈላጥነትን እተመስረተ ርክባት ከም ዝምርኮስ እውን ኣጕልሑ፣ "ብዘይ ሓጐስ ተሓድሶ የልቦን፣ ብዘይ ምርኻብ ድማ ፖለቲካ የለን፤ ብዘይ እቲ ኻልኣይ ድማ ፍትሒ የልቦን" ክብሉ ኣረጋገጹሎም።
መጻኢ ኣንጎላ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መደርኦም፣ ኣብ መጻኢ ኣንጎላ ምትእምማን ከም ዘለዎም ብምግላጽ፣ ንዅሉ ኽፋላት ሕብረተሰብ ዘጠቓልል ሓባራዊ ቈራጽነት ንምዕባለ እዛ ሃገር ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም መገላግልቲ ናይዚ መስርሕ መጠን፣ ዘለዋ ግደ ድማ ደጊሞም ኣረጋገጹ፣ "ፍትሓዊ ቅጺ ናይ ሓባራዊ ናብራ ኣብ ምቕራጽ" ከም እትጽዕር ድማ ገለጹ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቅድሚ ምክፋሎም፣ ብዛዕባ እቲ "ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፣ ንሱ መኣዝን ኰነ" ዝብል መዝሙር ዳዊት ብምዝካር፣ "ኣምላኽ ንሃገረ ኣንጎላ ይባርኽ!" ብምባል መደርኦም ዛዘሙ።
