ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣቦ መንበር ባይቶ ኤውሮጳን ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘትዮም
ዕለት 29 ሚያዝያ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ኣንቶንዮ ኮስታ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤወሮጳን ብስልኪ ኣብ እተኻየደ ርክብ፦ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ኣብ ግዝኣት ፍልስጥኤም ከምኡውን ብዛዕባ ዅነታት ክርስትያን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ቆላሕታ ብምሃብ ምይይጥ ምክያዱን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ዝገበዎ ሓዋርያዊ ዑደት ሓሳባት ንሓሳን ከም እተለዋወጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ሊባኖስን ዘተኰረ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ጕዕዞ ገለ ሓሳባት ዝሓዙ ኣርእስታት ዕለት 29 ሚያዝያ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታን እተገብረ ናይ ስልኪ ርክብ ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ "ኣብቲ ልባዊ ዘተ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ኣብ ግዝኣት ፍልስጥኤም ከምኡውን ብዛዕባ ዅነታት ክርስትያን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣትኵሮ ብምግባር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት” ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።
30 Apr 2026, 16:40
