ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሙክሲማ መካነ ንግደት፡ ፍቕሪ እምበር ውግእ ኣይኮነን ክዕወት ዘለዎ! ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሙክሲማ መካነ ንግደት፡ ፍቕሪ እምበር ውግእ ኣይኮነን ክዕወት ዘለዎ! 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሙክሲማ መካነ ንግደት፡ ፍቕሪ እምበር ውግእ ኣይኮነን ክዕወት ዘለዎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ኣብ ታሪኻዊ ማርያማዊ መካነ ንግደት ማማ ሙክሲማ ምስ ነጋድያን ኣብ ዝገበርዎ ናይ መቝጸርያ ጸሎት፡ መንእሰያት ካብ ማርያማዊ ውፉይነት ንፍትሒ፡ ምትሕግጋዝን ሰላምን ሕብረተሰብ ተወፋይነት ክመሃሩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ኣብ ኣንጎላ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ቦታታት ንግደት እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ማርያማዊ መካነ ንግደት ማማ ሙክሲሙ ምስ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎት መቑጸርያ ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስጋና ንህሞት ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣብቲ "ናይ ማርያማዊ ናይ ጸሎት ህሞት" እንክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ መደብ ምስታ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ከሳተፉ ዕድል ብምርካቦም ዝስምዖም ሓጎስ ገሊጾም፡

ጸሎት መቑጸርያ ኣብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሰረተ ቀሊልን ተበጻሕን መልክዕ ጸሎት ምዃኑ እንከስተንትኑ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምጥቃስ፡ "ብርሃን ናይ መጀመርያ ክርስትና ዓቂቡ ንኣመንቲ ኣብ ዓለም ክርስቶስ ክእውጁ ዝድርኽ ጸሎት እንክብሉ ገሊጾም፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሓያል ናይ እምነት ስምዒት ኣጉሊሖም፡ "ህያውን ውዕዉዕን" እንክብሉ ገሊጾም፡ ብተወሳኺ እቲ መካነ ንግደት ኣብ እዋን ሓጎስን ጸገምን ወለዶታት ክጽልዩሉ ዝመጹሉ ቦታ ምዃኑ ዘለዎ ታሪኽ ኣፍልጦ ሂቦም፡ እዚ ማርያማዊ መካነ ንግደት ንኹሉ ሰብ ይቕበልን ይሰምዕን ምእንቲ ኩሉ ዝጽለየሉን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብነት ማርያም ምስዓብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትንሳኤ ነቶም ዝኣምኑ ናብ ናይ መወዳእታ ዕድሎም ከም ዝመርሖምን ከምኡውን ኣብዚ እዋን እዚ ተልእኾኦም ክፍጽሙ ከም ዝጽውዖም ኣጕሊሖም፡ ነቶም ምእመናን ንማርያም ከም ኣርኣያ ገይሮም ክርእይዎ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ወዳ ዘጋጠመ ፍጻመታት ናይ ምስትንታንን ኣኽቢርካ ናይ ምርኣይን ክእለታ - ቢሎም - ከምዚ ክገብሩ እንከለዉ ክርስትያን ኣብ "ኵላዊ" ፍቕሪ ኪዓብዩን ንኻልኦት ኣቓልቦ ኺገብሩን ከም ዚዕደሙ ገሊጾም፡ ጸሎት ብፍላይ ከኣ ነቶም እተሸገሩ ኣብ ምክንኻን ጭቡጥ ስጕምቲ ክመርሕ ከም ዘለዎ ኣስተብሂሎም፡ ከም መግቢ ክንክን ጥዕና ትምህርቲ ከምኡውን ንኣረጋውያን ጽቡቕ መነባብሮ ዝኣመሰለ ቐንዲ መዳያት ጠቒሶም፡ እዚ ድማ ኣገዳሲ መግለጺ ክርስትያናዊ ልግሲ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ "ሓንቲ ኣደ ንዅሎም ደቃ ትፈቱ እያ፡” እዚ ኣብነት እዚ ነቶም ምእመናን ንኻልኦት ብፍላይ ከኣ ምእንቲ እቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዘለዎም ተወፋይነት ክመርሖ ኣለዎ እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምልክት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ነጋድያን ምእንጋድ ዝዓለመ ሓድሽን ዝዓበየን መካነ ንግደት ንኽከውን ዝግበር ዘሎ ናይ ምስፋሕ ዕዮ እውን ጠቒሶም፡ እዚ ውጥን እዚ ድማ ምልክት ተስፋን ብፍላይ ንመንእሰያት ዝያዳ ፍትሓውን ሰላማውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝሕግዝ ዕድመን እንክብሉ ገሊጾም፡ ነቶም መንእሰያት ብቐጥታ ኣብ ዘስምዖም መደረ፡ ክብርታት ወንጌል ንውልቃዊ ህይወትን ሰፊሕ ማሕበራዊ ቅርጻታትን ክቐርጽ ዝኽእል፡ ካብ ውግእን በደልን ድኽነትን ብልሽውናን ነጻ ዝኾነት ዓለም ክሓንጹ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ፍቕሪ እዩ ክዕወት ዘለዎ እምበር ውግእ ኣይኮነን" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መወዳእታ ምእመናን ገዛእ ርእሶም ንማርያም ከወክፉን በረኸት እግዚኣብሔር ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ክነብርዎን ብምዕዳም ንኻልኦት ተስፋን ምትሕግጋዝን ዘምጽኡ"ልኡኻት ሕይወት" ኮይኖም ካብቲ መካነ ንግደት ክወጹ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 Apr 2026, 16:04