ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ንፓትርያርክ ከለዳውያን ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ሂቦም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ፓትርያርክ ከለዳውያን ናይ ከተማ በቕዳድ ጶሊስ ሳልሳይ ኖና፡ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ "ብሓጐስ ዝመልአ ልቢ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት እህበኩም ኣለኹ" ኪብሉ ከም ዝጸሓፉሎም፡ ትማሊ ዕለት 28 ሚያዝያ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ማሕተምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቶም ብፁዕ ፓትርያርክ ብዕለት 12 ሚያዝያ 2026 በቲ ኣብ ሮማ ዝተጋብአ ሲኖዶስ ጳጳሳት ርእሰ ምሕድርቲ ዝኾነት ቤተ-ክርስትያኖም ብቀኖናዊ መገዲ ተመሪጾም።
ብፁዕ ፓትርያርክ ኖና ኣቐድም ኣቢሎም ብመሰረት ሕገ ቆኖና ናይ ምሥራቅ ኣብያተ ክርስትያን ቀኖና 76 § 2 ናይ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ንክወሃቦም መልእኽቲ ጽሒሮም ነይሮም። እቲ ዝተዋህቦም ሓድነት፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጸሓፍዎ ከኣ፡ "ንሓድነት ቤተ-ክርስትያንን፡ ንሕንጸት ኣካል ክርስቶስን ኣብ ሓባራዊ ኣገልግሎት ምስ ሓዋርያዊ መንበረ ጴጥሮስ ናይ ምሉእ ሕብረት መግለጺን ማእሰር ሓድነትን" ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ከም ኣቦን መራሕን ናይዛ ርእሰ ምሕድርትን ፍቱውትን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን፡ ከምቲ ብሕድሪ ዝተዋህበኩም መዝነት፡ ንሕዝቢ እግዚአብሔር ከም ልቢ ክርስቶስ ብምምራሕ፡ ብእምነትን ተስፋን ፍቅርን ጸኒዖም ንክነብሩ ምእንቲ ክትጓስይዎም፡ ልባዊ ጸሎት ከልዕል ሕጉስ ኢየ" ክብሉ ጽሒፎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "እታ ብጥንታዊ ሓዋርያዊ ትውፊት ሃብታም ዝኾነትን፡ ብብሩህ ምስክርነት ብዙሓት ሰማእታትን፡ መስከርትን እትፍለጥ ካለድያዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ወጻእን ሓድነታ ኣደልዲላ ፈርያም ስብከተ ወንጌል ከተካይድ፡ መንፈስ ቅዱስ ንተልእኾ እቶም ብፁዕ ፓትርያርክን ንቤተክርስትያን ክመርሕ ብጸሎት ከም ዘሰንይዎም ገሊጾም።
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንጳጳሳትን፡ ካህናትን፡ ማኅበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን፡ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነትን፡ ንምእመናን ናይታ ቤተ-ክርስትያን ሰላምታ ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ምርጫ "ብሥርዓት ከለዳውያን ቅዱስ ቶማስ ምስቲ ዝተንሥአ ጐይታ ዝተራኸብሉ መዓልቲ ከም ዝተፈጸመ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ሕያው ትውፊት ናይታ ቤተ ክርስትያን ዝመጸ ምዃኑ ብምዝካር፡ “ቅዱስ ቶማስ ኣብቲ ብሩህ ኣቝሳል ናይ ኢየሱስ፡ ነቲ መሓሪ ዝኾነ ግልጸት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘለለየ” ገሊጾም። እዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ፈተናታት ዝገጥሞም ንዘሎ፡ ብዙሓት ከለዳውያን ምእመናን፡ ትብዓትን ጽንዓትን ዚሓትት ምልክት እምነት ምዃኑን፡ ንኣገልግሎት ፓትርያርክ ኖና፡ እግዚአብሔር ከስንዮ ምዃኑ ተስፋ ምግባር ማለት ኢዩ።
