2026.04.21 Viaggio Apostolico in Guinea Equatoriale - Incontro con le Autorità, la Società Civile e il Corpo Diplomatico 2026.04.21 Viaggio Apostolico in Guinea Equatoriale - Incontro con le Autorità, la Società Civile e il Corpo Diplomatico  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንመራሕቲ ኢኳቶሪያል ጊኒ ብዛዕባ ፍትሕን ምዕባለን ክሓስቡ ጸዊዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንሰበ-ስልጣናትን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ኣባላት ዲፕሎማሲያዊ ኣካላትን ኣብ ማላቦ ኢኳቶሪያል ጊኒ ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም መደረ፣ ንተነጽሎ ክነጽግዎን፣ ሰብኣዊ ክብሪ ክድግፉን ከምኡውን ንምዕባለ ኣብ ክንዲ ስልጣንን መኽሰባትን፣ ናብ ሓባራዊ ረብሓ ክምርሕዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናብ ሃገረ ኢኳቶሪያል ጊኒ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ መደመርታ መደረኦም ንፖለቲካውያን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ኣአካላትን ኣብ ማላቦ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣካፊሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ሰበ ስልጣን ኤኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ሰበ ስልጣን ኤኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ካብ ርእሰ ብሔር ቴዎዶሮ ኦቢያንግ ንጉማ ምባሶጎ ሓጺር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምቕራቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዕኡን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1982 ዓ.ም.፣ ንርእሲ እታ ሃገር "ናይ ሓቂ ሓርነት ዘለዎ ማሕበራዊ ሃዋህው ንምምስራት ህያው ትምኒት ህዝቢ ዝራኸበሉ፣ ምሳልያዊ ማእከል ፍትሒ፡ ምኽባርን፡ ምትብባዕ መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሰብ" ብምባል ከም ከም ዝገለጽዎ ኣዘኻኸርዎም። " እዘን ቃላት እዚኣተን "እዋናውን ኰይነን" ነቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ሰባት ብድሆ ከም ዝኾናኦም እውን ገለጹ።

እምነት ምርግጋጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "ሓጐስን ተስፋን ሓዘንን ጭንቀትን ናይ ግዜና ህዝብታት... ሓጐስን ተስፋን ሓዘንን ጭንቀትን ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን እዮም።" ኣብዛ ሃገር ንምርካቦም ድማ "እምነትኩም ንምርግጋጽን ንህዝቢ እዛ ሃገር ቅልጡፍ ለውጢ ንምግባርን ንምጽንናዕን" ከም ዝዓለመ ኣመልከቱሎም።

ድሕሪኡ ብዛዕባ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዓል ሂፖ ብፍላይ ብምዝካር ከኣ ኣብ መንጎ "ከተማ ኣምላኽ"ን "ምድራዊት ከተማን" ዘሎ ፍልልይ ጠቒሶም ኣመልከቱ ኣስተንትነሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ነታ ቐዳማይቲ "ብዘይ ቅድመ ዅነት ፍቕሪ ኣምላኽ ዝመለለይኣ ኮይና"፣ እታ ካልአይቲ ከኣ "ብምኩሕ ፍቕሪ ርእሲ . . . ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ ህርፋን ስልጣንን ዓለማዊ ክብርን ኢያ እተመልክት" በሉ። ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ብዛዕባ እዚ ፍልልይ እዚ ብውልቃውን ብፖለቲካውን መዳይ ኪሓስቡሉ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ "ኣየነይቲ ኸተማ ኼገልግሉ ኸም ዝደልዩ" ድማ ሓተትዎም።

ሓዳስ ከተማ ሰላም

ኣስዒቦም ድማ ብዛዕባ እቲ ኢኳቶሪያል ጊኒ ሓድስ ርእሰ ኸተማ ሲዳድ ደ ላ ፓስ (ከተማ ሰላም) ንምህናጽ ዘውጽኣቶ ውጥን ብምጥቃስ፣ እቲ ስም ንባዕሉ ስነ-ምግባራዊ ኣስተንትኖ ኬለዓዕል ከም ዘለዎ ሓሳባቶም ኣካፈሉ። ፖለቲካዊ ህይወት “ብዘይፍትሓዊ ሃብትን ናይ ግዝኣት ሕልኽካን" ክምራሕ ከም ዘይብሉ ድማ ኣጕልሑ፣ ኣብ ክንዳኡስ ናብቲ ነባሪ ዝኾነ ነገር ዘተኰረ ክኸውን ከም ዝለዎ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ርእሰ-ምምሕዳር ሃገራትን መንግስታተን" ክኽብር ከሎ፣ "ስነ-ምግባራዊ መለክዒታትን ሓቀኛ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን" ከም ዘቕርብ ዝገልጽ ማሕበረ ሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ግደ ኣስመሩሉ። ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ሓድሽ ኣስተንትኖ ዜድልዮ ሓድሽ ብድሆታት ከም ዜጋጥሞ እውን ገለጹ።

ምግልጋል ዘይፍትሓዊ ተግባር እዩ

ቀጺሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ዘመናዊ ዓለምለኻዊ ጕዳያት ብምጥቃስ፣ "ምግላል ሓድሽ ገጽ ማሕበራዊ ምጕዳል ፍትሒ እዩ" ብምባል ድማ ኣጠንቀቑ። ኣብ መንጎ ውሑዳንን ብዙሓንን ዘሎ ጋግ እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣመልከቱሎም፣ "ሕጽረት መሬትን ምግብን ኣባይትን ምዕሩይ ስራሕን ምስ ሓደስቲ ተክኖሎጂታት እንተላይ ናይ ኢድ ተሌፎናትን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ብሓባር ክዉን ኮይኑ ምህላው" ድማ ጠቐሱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ሰበ ስልጣን ኤኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ሰበ ስልጣን ኤኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም፣ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ምትሕብባርን ኣድማሳዊ ዕላማን እተመስረተ "ንሓፈሻዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዕንቅፋታት ዝኸውን ዘበሉ ኩሉ ከፍርሱ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ተክኖሎጅያውን ቍጠባውን ምዕባለታት ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዘሕድሮ ጽልዋ ብምትሕስሳብ፣ ግምታዊ ሓሳባት ድማ "ንምክንኻን ተፈጥሮን፣ መሰላት ናይቲ ኸባቢ ማሕበረሰብን፣ ክብሪ ስራሕን ከምኡውን ሕዝባዊ ክንክን ንጥዕናን ንምዕቃብ" ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ ኣጠንቀቑ።

ኣይፋል ንቀታሊ ዝኾነ ቍጠባ

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፣ ነቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሞት ዝሓለፉ ዳግም ብምቅላሕ፣ "ነቲ ናይ ምግላልን ዘይማዕርነትን ቍጠባ 'ኣይፋል' ክንብል ኣሎና ዝብልዎ ሓሳባት ዘከሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቝጠባ ድማ ቀታሊ" ኢዩ ብምባል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዕብ ኣቢሎም ዕጥቃዊ ግጭታት ምስ ምዝመዛ ነዳድን ማዕድንን፣ "ኣህጉራዊ ሕጊ ወይ ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት ኣብ ግምት ከየእተወ" ጋሕዲ ኮይኑ ምህላዉ እውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም፣ ንተክኖሎጂያዊ ምዕባለታት ኣብ ወተሃደራዊ ዕላማታት ብዘይግቡእ ከይጥቀሙሉ ኣጠንቀቑ፣ "መጻኢ ደቂ ሰብ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ኣብ ምውሳድ ኣንፈት ከይቀየረ ብዜሕዝን መገዲ ኣብ ሓደጋ ኼእትወና ይኽእል እዩ" ብምባል እውን ኣተሓሳሰቡ። ንኣህጉራውያን ትካላት ድማ ኣኽብሮት ክህሉ ተማሕጸኑ፣ ስም ኣምላኽ ድማ "ኣብ ምርጫታትን ተግባራት ሞትን ከም መመኽነይታ ንምሃብ ፈጺሙ ክጥቀስ የብሉን" ብምባል ኣጠንቀቑ።

ንናጽነት ሓላፍነት ዚስምዖ ሕልና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ መደርኦም፣ ናብ መንእሰያትን መጻኢ እታ ሃገርን ብምምላስ ንኢኳቶሪያል ጊኒ "ናጻን ሓላፍነት ዝስምዖን ሕልና" ክትምስርት እትኽእል፣ "መንእሰይ ሃገር" ክብሉ  ገሊጾማ። መራሕቲ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኰረ "ኣንጻር ህሉው ፖለቲካ" ክድግፉ ድማ ኣተባብዖም፣ ኣብ መወዳእታ ድማ "ትብዓት ሓድሽ ራእያትን፡ ንመንእሰያት ቦታን ምትእምማንን ዝህብ ትምህርታዊ ውዕላትን" ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ኤኳቶሪያል ጊኒ ሓቢሮም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ እታ ሃግር ከታሞም ኣንቢሮም።

22 Apr 2026, 12:40