ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ፦ “ክርስቶስ ኣብ መንጎ እምነትን ኣመክንዮን ስኒት የርኢ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣእምሮኣዊ ጻዕርታት ከም ሃይማኖታዊ ምዝላቕ ኰይኑ ክርኣ የብሉን፣ እምነት ኣብ ኣመክንዮኣዊ ዝኾነ ነገራት ዝጀመረሉ ባይታ እዩ ዚመስል። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ መንጎ ሓቅን ኣመክንዮን ሓርነትን ዘሎ ዓሚቝ ስኒት ኣብኡ ኢዩ ዝግለጽ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ዕለት 21 ሚያዝያ 2026 ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሊዮን 14 ካምፓስ ምስ ዓለምለኻዊ ባህሊ ኣብ ማላቦ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ገሊጾም።
ብስም ቅዱስነቶም ሓድሽ ካምፓስ ኣብ ሃገራዊ መንበረ ጥበብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ከም እተኸፍተ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ነቲ ለውሃት ዝመልኦ ተግባር ዘለዎም ምስጋና ድማ ገሊጾም፣ እንተዀነ ግን "ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ነቲ ዅላትና ንኻልኦት ከነመሓላልፎ እንደሊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስለ ዜንጸባርቕ፣ ካብቲ ዚኽበር ሰብ ንላዕሊ እዩ" በሉ።
ምረቓ ናይዚ ካምፓስ ምምሕዳራዊ ተግባር ጥራይ ዘይኰነስ፣ "ኣብ ደቂ ሰብ ናይ ምትእምማን ተግባር ነዚ ሓድሽ ወለዶ ንምምስራት ከምኡውን ነቲ ንሓቂ ናይ ምድላይን ፍልጠት ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ምህናጽን ዕማም ንምቕጻል ጻዕሪ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ" ክብሉ እውን ኣስመሩሉ።
ስለዚ ንተስፋን ምርካብን ዕቤትን ዝኸውን ቦታ ከም እተኸፍተ ኣጕልሕ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምስሊ ሓደ ኦም ተጠቒሙ ንህዝቢ ኢኳቶሪያል ጊኒ ሲባ ሃገራዊ ኦም ዓብዪ ምሳልያዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ብምዝካር እዩ።
ዓሚቝን ሱር ብዝሰደደን መንገዲ ንሓቂ ብጽንዓት ምድላይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም፣ ኣስዒቦም ኦም ዓሚቝ ሱር ከም ዝሰድድ ብትዕግስትን ብርታዐን ቀስ ኢሉ ናብ ላዕሊ ከም ዝበቍልን፣ ንገዛእ ርእሱ ዘይከውን ፍረ ከም ዘፍርን ዘኪሮም።
ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ "ሓደ መንበረ ጥበብ ኣብ ርዝነት መጽናዕትን ኣብ ህያው ተዘክሮ ህዝብን ከምኡውን ብጽንዓት ንሓቂ ኣብ ምድላይን ሱር ዝሰደደ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል ሓሳባቶም ኣቕረቡ።
ብተወሳኺውን ምስ ታሪኽ ደቂ ሰባት ብምምሳል፣ ኣብ ገሊኡ ቅዱስ መጽሓፋዊ ምሳሌታት ኣእዋም ኪንበብ ከም ዚኽእል እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ክርስትያናዊ ትውፊት ንሓደ ኻልእ ኦም ማለት ንመስቀል ከም ዘስተንትንን ማልት ከም ምኽሓድ ሰብኣዊ ኣስተውዕሎት ዘይኰነስ ከም ምልክት ድሕነቱ ገይሩ ኸም ዚሓስቦ እውን ኣጕልሑ።
"ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ካብ ሓቅን ሰናይን እተፈልየ ፍልጠት ንምድላይ ዝቐርበላ ፈተና እኳ እንተ ረኸበና፣ ኣብ መስቀል እተገልጸ ሓቂ እንተ ደአ ረኺብና፣ ንሱ ንፍቓዱ ኻብ ምግዳድ ወጻኢ ብፍቕሪ ገዛእ ርእሱ ዘወፊ፣ ናብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈጠርናሉ ኽብሪ ድማ ልዕል የብለና" ክብሉ ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቐጺሎም፣ ኣብ መስቀል ደቂ ሰባት "ፍልጠት ንምርካብ ካብ ዘለዎም ባህጊ ክፍወሱ ኺፈቕዱሎም ጻውዒት ቀሪቦም፣ ሓቂ ከም ሓደ ምህዞ፡ ወይ ዋንጫ ወይ ውን ከም ሓደ ዘይታለል ወይ ከም እተዓመጸ ዘይኰነስ፣ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ብትሕትና ከም ዝድለ ከምኡውን ብሓላፍነት ከም ዘገልግል እንደገና ንምፍላጥ ኢዩ" ክብሉ እውን ኣተሓሳሰቡ።
ክርስቶስ ከም ሓደ 'እምነት ካብቲ ኣመክንዮ ዘብቃአሉ ነጥቢ ዝጅምር ይመስል፣ ኣብ ቅድሚ ኣእምሮኣዊ ጻዕርታት ድማ ሃይማኖታዊ ምዝላቕ' ኣይኰነን
በዚ ምኽንያት እዚ ብክርስትያናዊ ኣረኣእያ ኺርአ ከሎ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣእምሮኣዊ ጻዕርታት ከም ሃይማኖታዊ መምለጢ ኰይኑ ኣይርአን እዩ፣ እምነት ካብቲ ኣመክንዮ ዘብቅዓሉ ከም ዝጅምር እዩ ዝመስል።
ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ መንጎ ሓቅን ኣመክንዮን ሓርነትን ዘሎ ዓሚቝ ስኒት ኣብኡ ኸም ዚግለጽ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ቅዱስ ኣቦና፣ ሓቂ ንገዛእ ርእሳ ንደቂ ሰብ ከም እትቕድም ከም እትብድሆምን ካብ ገዛእ ርእሶም ክወጹ ኸም እትጽውዖምን ገለጹ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ሓቂ ብምትእምማን ክድለ ዝኽእል ክብሉ ኣመልከቱ።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "እምነት ኣብዚ ምንዳይ እዚ ኣብ ክንዲ እትዕጾ፣ ንገዛእ ርእሳ ኻብ ገዛእ ርእሳ ትዓቢ እያ፣ ዋላ እውን ምሉእ ብምሉእ ክትቅበሎ እኳ እንተ ዘይከኣለት፣ ኣእምሮ ናብ ዚጽዕረሉ ምልኣት ኢያ እትኽፈት" በሉ።
በዚ መገዲ እዚ ኦም መስቀል፣ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ፍቕሪ ማለት ንፍልጠት ከም ዝመልሶን፣ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ ንሓቂ ኽፉት ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑን፣ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምስጢር ምርዳእን ከም ዚምህረና ኢዩ ዘመልክት።
"ስለዚ ሓቂ ምድላይ ብሓቂ ሰብኣዊ እዩ፣ ትሑት ረዚን ከምኡውን ነቲ ኣቐዲሙ ዝጽውዓናን ዝሓልፈናን ሓቂ ኽፉታ ኢና" በሉ።
ብሓቂ ብዕምቈት እተቐርጸ
ብተወሳኺውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ፣ ፍረ ዝፈሪ ኦም እኹል ከም ዘይኰነ ገሊጾም፣ ከመይሲ ባህርይ እውን ኣገዳሲ እዩ።
በዚ ስምዒት እዚ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዘመናት ዝጸንሐ፣ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘለዋ ተጸምዶ "ልባዊ ድሌት" ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ "ሓደስቲ ወለዶታት ብሓደ መገዲ ምእንቲ ክህነጹ ኢዩ" ክብሉ ኣረጋገጹሎም።
"ወለዶታት ሰብኡትን ኣንስትን፣ ኣብዚ ቦታ እዚ ብሓቂ ዓሚቝ ህንጸት እንተ ኣልይዎምን፣ ንህላወኦም ናብ ህያብ ካልኦት ክቕይርዎ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖምን፣ ሰባት ኣብ ብሉጽ ነገራት እዛ ሃገር እዚኣ ሱር ዝሰደደ ብጥበብ ልዕል ዝበለን፣ ንኢኳቶሪያል ጊኒ ክብሪ ዝህብን፣ ንብሙልኦም ደቂ ሰባ ዘበልጽግን ብዙሕ ፍረታት ዘለዎ ንጹር ምልክቲ ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።
