ድለ

2026.04.17 ር.ሊ.ጳ.  ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤት ሕክምና ቅዱስ ጳውሎስ ዑደት ኣካይዶም 2026.04.17 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤት ሕክምና ቅዱስ ጳውሎስ ዑደት ኣካይዶም  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤት ሕክምና ቅዱስ ጳውሎስ ዑደት ኣካይዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዶዋላ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤት ሕክምና ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ብሕቲ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ሕሙማትን ኣባይቲ ስድራ ሕሙማንትን ሰራሕተይናታትን ከም ተራኸቡን ብሓባር ከም ዝጸለዩን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ቤት ሕክምና ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንሓጺር እዋን ናይ ጽሞና ጸሎት ፈጺሞም፡ ምስ ሰራሕተይናታትን ገለ ሕሙማትን ኣብ መረባ ሓጺር ሰላምታ ተለዋዊጦም።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ምብጻሕ ነቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ንዝርከቡ ኩሎም ብፍላይ ንህሙማን ምልክት ምጽንናዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋኦም ብምግላጽ ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡን ንፈተውቶምን ቡራኬ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መሐከሚ ክፍልታቶም ንዝርከቡ ሕሙማት ብፍላይ ድማ ንህጻናትን ኣረጋውያንን እውን በጺሖም ከም ዝባረኹን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

18 Apr 2026, 17:22