ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣንጎላ ሓዋርያዊ ዑደት ንኸካይዱ ካብ ካሜሩን ተበጊሶም
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካልኣይ እግሪ ንሳልሳይ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መራሔ መንግስቲ ጆሴፍ ዲዮን ንጉተ ብዝገበሩሎም ወግዓዊ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ካብ ካሜሩን ናብ ኣንጎላ ከም ዝነቐሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 18 ሚይዝያ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ካብ ካሜሩን ከም እተፋነዉን፡ ኣብ ዝተኻየደ ስነ - ስርዓት ስንብታ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ካሜሩን ጆሴፍ ዲዮን ንጉተ ከም እተረኸቡን፥ ናይ ሃገረ ካመሩንን ሃገረ ቫቲካን ሃገራዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ክቡር ዘበዐይና ንኽብሮም ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ሰላምታ ስነ ስርዓት ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ትካላውን ዓቕለሲያውን ሰበስልጣን ሰላምታ ኣቕሪቦም ጉዕዞኦም ናብ ኣንጎላ ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣንጎላ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክሳብ ሰሉስ ዕለት 21 ሚያዝያ ኣብ ኣንጎላ ክጸንሑ ከም ዝኾኑን። ድሕሪኡ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ክዛዝሙ እዮም። መርሕ ቃል ናይቲ ጉዕዞ ድማ 'ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነጋዲ ተስፋን ዕርቅን ሰላምን ንኣንጎላ ይባርኹ” ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
20 Apr 2026, 09:30
