ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ምስ ኣባላት ተሳተፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ምስ ኣባላት ተሳተፍቲ  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ናብ መራሕቲ ምምሕዳር ከተማ ኢሊኖይስ፦ ስልጣን ኣብ ኣገልግሎት ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዝገበርዎ ርክባት መራሕቲ ሕዝቢ ንሓባራዊ ረብሓ ንምግልጋልን፡ ሰብኣዊ ክብሪ ንምሕላውን፡ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዝነብሩ ሰባት ንምክንኻንን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 30 መጋቢት ንሰሙነ ሕማማት ምኽንያት ብምግባር ካብ ማሕበር ከተማ ኢሊኖይስ ንዝመጹ ልኡኻት ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ልኡኻት ብምቕባል ሰሙነ ሕማማት “ንሕማማትን፡ ሞትን፡ ትንሣኤን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንዝክረሉ ጊዜ ኰይኑ፡ እቲ ኣዝዩ ጽንኩርን በዳህን ኵነታት እውን እንተዀነ ብሓይሊ ፍቕሪ ኪልወጥ ይከኣል ኢዩ” ክብሉ ኣዘኻኺሮም።  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ግደ መራሕቲ ሕዝቢ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ስልጣን ከም ኣገልግሎት ክውሰድ ከም ዘለዎ ኣብሪሆም። ነቲ "ከገልግል እምበር ኬገልግሉኒ ኣይመጻእኩን" ንዝብል ቃል ክርስቶስ ከም ኣርኣያ ብምውሳድ፡ እቶም ኣብ ምምሕዳር ዘለዉ ሰባት ነዚ ቃል እዚ ከም መሪሕ ዕላማ ክወስድዎ ከም ዝግባእ ገሊጾም።

ማሕበር ከተማ ኢሊኖይስ ኣብ መላእ ክፍለ ሃገር ኢሊኖይስ ንኣስታት 1,300 ምምሕዳራት ይውክል። ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ስፕሪንግፊልድ ርእሰ ከተማ እታ ክፍለ ሃገር ዝተደኰነ ኰይኑ፡ ብደረጃ ክፍለ ሃገርን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ንኵለን ከተማታት ዘማእክል ኰይኑ የገልግል። ኣመሓደርቲ ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ከኣ ካብ መላእ እታ ክፍለ ሃገር ብዝመጹ ከንቲባታት ዝቘመ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፡ "ከም ናይ ምምሕዳር ግደ ዘለዎም ሰባት ምዃንኩም መጠን፡ ነቲ ውህበት ኣገልግሎት ክትፈልጥዎን፡ ኣብነት ክትኰኑን፡ ንድሌታት ድኹማት ሰባትን፡ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ንዝነብሩን፡ ንሓፈሻዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምሕጋዝ ኣቓልቦ ክገብሩን ዝተጸዋዕኩም ኢኹም” ብምባል መዝነቶም ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ነቲ ከንቲባ ፍሎረንስ ነበር ዝነበረ ጆርጅዮ ላ ፒራ ብምጥቃስ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንጸገማት ንምፍታሕ ጭቡጥ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ግዴታ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም። "ከንቲባታት ነቲ ኣብ መንጎ ዜጋታቶም ዘሎ ስቓይን ጸገማትን ብዝተኻእሎም መጠን፡ ብፍቕርን ብመሰረት ሕግን፡ ኪንክዩን ኬፍኵሱን ዝተጸውዑ ኢዮም።

ብቑዕ ምሕደራ ዝበሃል ብዛዕባ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝርዳእ ምስ ዝኸውን ኢዩ፣ ስለዚ "ፈለማ ባህጊ ደቂ ሰባትን ብድሆታቶምን ክትፈጡ ክትጽዕሩ ኣለኩም።" ኣብ ርእሲ እዚውን "ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣፍልጦ ክወሃቦን፡ ክኽበርን ኣለዎን። ምምሕዳራት ስሞም ዘይተፈልጠ ኣካላት ዘይኰነስ "ገጽን ታሪኽን" ዘለዎም ማሕበረሰባት ምዃኖም ኣብሪሆም።

ኣብዚ መዳይ እዚ "ንድኻታትን፡ ንስደተኛታትን፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ንኡሳንን ብቐጻሊ ንክትሰምዑን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ምድንፋዕ ከኣ ከሰንይዎምን ይግባእ ብምባል ድማ ነቶም መራሕቲ ሓደራ ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ መደምደምታ ፡ ነቶም ኣብ ሕዝባዊ ኣገልግሎታት ንዝሰርሑ በቲ መዓልታዊ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም። "እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ፡ ንሳቶም ውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ንሓላፍነቶም "ብሓጐስን ብፍቕርን ብቕንኣትን" ኪፍጽሙ ኣተባቢዖም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቶም ልኡኻት፡ ኣብ ኢሊኖይስ ዝበዝሐ ሕዝቢ ዝርከባ ከተማ ቺካጎ ንስደተኛታት ዘገልግል ናይ ዝነበረ፡ ኣማላድነት ቅዱስ ፍራንሲስ ዣቪየ ካብሪኒ ኣይፈለኹም ብምባል ቃሎም ዛዚሞም።

01 Apr 2026, 15:35