ር. ሊ. ጳ. ኣብ ባመንዳ፦ "ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ተኣዘዙ!"
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ኣብ ምዕራባዊት ከረማ ካመሩን ባሜንዳ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስከት ቃል ኣምላኽ፦ "ናይ ነፍሲ ወከፍ ወድ ሰብ ክብሪ ዝኽበረሉን መሰረታዊ መሰላቶም ውሕስነት ዝረኽቡሉን ሰላምን ዕርቅን ዝመልኦ መጻኢ" የድልዮም ኣሎ ክብሉ ነቲ ሕዝቢ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሓሙስ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሩን ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝዝረበሉ ከተማ ባሜንዳ ተጓዕዙ። ኣብቲ ኣብ ቅርዓት መዓርፎ ነፈርቲ እቲ ከተማ ኣብ እተኻየደ መደባት ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ሰባት ተረኺቦም ነብሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህዝቢ ካሜሩን ታሪኽ እታ ሃገር ንምሕዳስን ሰላምን ዕርቅን ዝሰፈነሉ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን ደገፎም እንክገልጹሎም፦ "ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኽበረሉን መሰረታዊ መሰላቶም ውሕስነት ዝረኽበሉን ሰላምን ዕርቅን ዝመልኦ መጻኢ ክህሉውን" ተስፋ ከም ዝገብሩ ገሊጾም።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "በቲ ነዛ ጽብቕቲ ሃገር ዜሳቕያ ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ብቐጻሊ ተስፋ ኸም ዝቘርጹ" እውን ኣመልኪቶም።
ሓይሊ በዓላትን ሕጉስ እምነትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እቶም ምእመናን ዘካየድዎ ዜሐጕስን ህያውን ዝኾነ መሥዋዕተ ቅዳሴን መደባት ጸሎትን ጠቒሶም ድማ ነኣድዎም፣ ነዚ ድማ ከም ምልክት "ንኣምላኽ ብትውክልቲ የእዳውኩም ከም ዝሃብኩምን፣ ዘይነቓነቕ ተስፋኹምን ነቲ መጸዋዕታኹምን. . . ንፍቕሪ ኣቦ ምቕባልኩም" ዘመልክት ኢዩ ክብሉ ገለጹሎም።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ " እዚ ኩሉ ኣብ ህይወት ዘሎ ኩነታት ንልባትና ዝሰብር ኢዩ" ክብሉ ኣፍልጦ ሂቦምሉ፣ ንተስፋን ሰላምን ፍትሕን መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ዘማህምን ድማ ደጊሞም ኣመልከቱ።
ንተስፋ ዜዳኽም ብዙሕ ዓይነታት ድኽነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ድኽነት እንተላይ ቅልውላው ምግብን ብልሽውናን ልዕሊ ዅሉ ድማ "ኣብ ምምሕዳር ሃብቲ ንምዕባለ ትካላትን መሰረተ ልምዓትን ዕንቅፋት ከም ዝኾኖ" ብምምልካት ጠቒሶም።
"ንስርዓተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝጸሉ ጸገማት፣ ከምኡውን ናብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ዝጸሉ ዘሎ ሰፊሕ ስደት" እውን ኣመልኪቶም ኣጕልሑ።
"ኣብ ርእሲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብጽልእን ዓመጽን ዝለዓዓል ውሽጣዊ ጸገማት እቶም ብስም መኽሰብ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ንምምዝማዝን ኣብ ምዕናውን ዝቕጽሉ ዘለዉ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝብገስ ዘሎ ጕድኣት እውን ኣሎ" ክብሉ ኣስመሩሉ።
እዚ እዋን እዚ ናይ ለውጢ ግዜ እዩ
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምእመናን ስጕምቲ ክወስዱ ተማሕጸንዎም፣ "እዚ ድማ ሎሚ ደኣ እምበር ጽባሕ ኣይኮናን፣ ሕጂ ደአ እምበር ንመጻኢ ኣይኰነን፣ ኣብ ሰላምን ዕርቅን እተመስረተ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ንበበይኑ ዝዓይነቱ ሃብቲ ሃገርን ኣህጉርን ብሓባር ብምክፋል፣ ንሓድነት መልሲ እንህበሉ እዋን ኣኺሉ እዩ" በሉ።
"እቲ ግዜ ሎሚ ኢዩ፣ እዋን ድማ ኣኺሉ እዩ ጽባሕ ኣይኰነን። ሓድነት ንምምላስ ድማ ንሓድነት ንህናጽ ኣድላዪ ኢዩ።
ኣምላኽ ወትሩ ሓድሽ እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ተስፋ ዝቘረጹ እኳ እንተ ዀኑ "ቃል ጐይታ ሓደስቲ ኣጋጣሚታት ይኸፍት፣ ለውጥን ሕውየትን ድማ የምጽእ"፣ ንኣመንቲ ድማ "ንጡፋት ወኪላት ለውጢ" ይገብሮም።" ኣምላኽ ወትሩ ሓድሽ እዩ፣ ኣምላኽ ንእከይ ብምጽራር ነቶም ንሰናይ ዝሓንጹ ሰባት ተባዓት ይገብሮም" ድማ በሉ።
ንሓዋርያት ብምዝካር ድማ ምስክርነቶም "ድምጺ ሕልናን፡ ትንቢትን፡ ኵነኔ ናይ እከይን" ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ኣብ ክንዲ ንዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ስልጣን፣ ንኣምላኽ ክንእዘዝ ኣሎና" በሉ፣ እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሰባት ድማ "ውሽጣዊ ናጽነቶም ከም ብሓድሽ ክረኽቡ. . . ሃነጽቲ ሰላምን ሕውነትን ኩኑ" ድማ በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ "ንሰብ ዘይኰነስ ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዝናዮ" ለውጢ ክግበር ከም ዝኽእል ደጊሞም ገለጹ፣ ንክርስቲያውናዊ እምነት ምስቲ "መብዛሕትኡ ግዜ ንፖለቲካዊ ወይ ቍጠባዊ ዕላማታት ዘገልግል ከም ምስጢራዊ ወይ ግኖስቲካዉ ባህርይ ዘለዎ እምነት ኣይትሓዋውስዎ ክብሉ ተላበዉ።
"ኣምላኽ ጥራይ እዩ ሓራ ዘውጽኣና፣ ቃሉ ጥራይ ድማ እዩ መገዲ ሓርነት ዝኸፍተልና፣ መንፈሱ ጥራይ ውን ኢዩ ሓደስቲ ሰባት ዝገብረና!"
