ድለ

2026.04.14 Viaggio Apostolico in Algeria - Visita al sito archeologico di Ippona

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ነቲ ኣብ ኣናባ ኣልጀርያ ዚርከብ ጥንታዊ ከተማ ሂፖ በጺሖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ መንፈሳዊ ኣቡኦም ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝነብረሉ ዝነበረ ጥንታዊ ከተማ ንኽበጽሑ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ሃገረ ኣልጀርያ፣ ናብ ከተማ ኣናባ ናብ ጥንታዊ ከተማ ሂፖ ዑደት ኣካይዶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣሰር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምስዓብ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 14 ሚያዝያ፣ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብ ኣልጀርያ፣ ናብቲ ጥንታዊ ከተማ ሂፖ ዝርከበላ፣ ዘመናዊት ከተማ ኣናባ ኣብ ዝርከብ ስነ-ጥንታዊ ሥፍራ ምብጻሕ ኣካየዶም።

ጥንታዊ ሂፖ ወይ ሂፖ ሬጅየስ ሎሚ ኣናባ ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ፣ ሓንቲ ኣገዳሲት ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማን ቍጠባዊ ማእከልን ናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እያ ዝንበረት። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ካብ 396 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኽሳዕ ኣብ 430 ዓ.ም. ኣብ 75 ዕድሚኡ ዝሞተላ ዕለት፣ እዛ ኸተማ ብሸፋቱ ተኸቢባ ስለ ዝነበረት ኣብዛ ከተማ እዚኣ ጳጳስ ኰይኑ ዘገልገለላ ኢያ ዝንበረት።

ኣብዚ እዋን እዚ ከም ዑናታት መድረኽ ትያትር፡ ዕዳጋ፡ መሕጸቢ ሰውነት፡ ሓጽብታት ከምኡውን ምርኡይ ሞዛይክ ዝኣመሰለ ሓያሎ ፍርስራስ ጥንታዊ ከተማ ግዝኣት ሮሜ ተዓቂባ ትርከብ። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ክርስትያን ምእመናን እውን ገለ ነብርቲ ዝርከብዋ ኢያ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እቲ  ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ ዝነበረ ባዚሊካ ፓሲስ ተባሂሉ ዚጽዋዕን መካነ ጥምቀትን እውን ተዓቂቡ ይርከብ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ትሕቲ ደመና ዝሰረበ ሰማይ ብሓደ ተወካሊ ናይቲ ከባቢ፣ ኣብቲ ስነ-ጥንታዊ ዝኾነ ስፍራ ፍሉይ ተቕባል ተገብረሎ። ካብ ርሑቕ ድማ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ ርእሲ ሓደ ዅርባ ይርአ ነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ዘካየድዎ ምብጻሕ

ብድሕሪ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቍኑን ኣኽሊል ዕምባባታት ብምባር ኣብ መንጎ እቲ መንፈሳዊ ኣቡኦም ዝነብረሉ ዝነበረ ጥንታዊ ዑናታት ንሓጺር እዋን ጸሎተ ሕሊና ኣዕረጉ። ቀሲሎም ድማ ከም መዘከርታ እዚ ምብጽሖም ዝኸውን ሓደ ኦም ኣውሊዕ ተኸሉ፣ ኣባኡ ድማ እቶም ኣብ ኣናባ ዝርከቡ ናይ ተቅዋመ ሙዚቃ መዘምራን ኣብቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዛዕባ ሰላምን ሕውነትን ዝጸሓፎ ጽሑፋት ተመርኲሶም መዝሙራት ክዝምሩ ከለዉ ይስማዕ ንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ዝገበርዎ ምብጽሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ዝገበርዎ ምብጽሕ   (@Vatican Media)

ናብ ኣልጀርያ ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ መጀመራታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ኣልጀርያ ዝበጽሑ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እኳ እንተዀኑ፣  ብዕለት 13 ሚያዝያ ንሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ኣብ 2004ን 2013ን ከም "መንፈሳዊ ውሉድ ቅዱስ ኣጉስቲኖስ" መጠን ክልተ ሳዕ ናብ ኣናባ ከም ዝበጽሑ እውን ዘኪሮም ኢዮም።

"ነዚ ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይነ እንደገና ናብዚ ንኽምለስ ዘኽኣለኒ ምስጢራዊ መደብ ናይ መለኮታዊ ሓልዮት አመስግ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓልፈ ሰኑይ ንግሆ ካብ ከተማ ሮማ ናብ ኣልጀርስ ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ፣ ቅዱስ ኣጐስጢኒስ “ኣብቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝገብር ዝርርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድልድል ከም ዝዀነን” ከምኡ ውን “ኣብ ዓዱ ኣጽቢቝ ከም ዝፍቀርን” ኣጉልሑ

"ነቲ ምስ ህይወት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እተተሓሓዘ ቦታታት ናይ ምብጻሕ ኣጋጣሚ ምርካበይ፣ ኣብታ ሕጂ ኣናባ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ናይ ሂፖ ጳጳስ ዝነበረሉ ቦታ ምርካበይ፣ ንዓይ ብብሕተይ ብሓቂ ፍሉይ ቡራኬ እዩ" እውን በሉ።

"ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን እውን ሓደ ፍሉይ በረኸት ከም ምዃኑ እየ ዝኣምን፣ ከመይሲ ሰላምን ዕርቅን ንምህናጽ ወትሩ ድልድላት ከነናዲ ኣሎና" ክብሉ ድማ ዕላማ ናይቲ ዑደቶም ኣጉልሑ።

ዝስዕቡ ቈጸራታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ናብ ሓደ ብንኡሳት ኣሓት ድኻታት ዝመሓደር መናበዪ ኣረጋውያን ምብጻሕ ኣካየዱ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ምሥዋዕተ ቅዳሴ ቕድሚ ምዕራጐም ምስ ኣባላት ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ኣብ ገዳሞም ናይ ብሕቲ ርክብ ኣካይዶም።

ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ኣልጀርያ ከተማ ኣልጀርስ ተመልሱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ጥንታዊት ከታማ ሂፖ ዘካየድዎ ምብጻሕ
15 Apr 2026, 16:36