ር. ሊ. ጳ.፦ ምእመናን ንቤተ-ክርስትያን ንዅሉ ሰብ ክትበጽሖን ሰላም ንምድንፋዕን ይሕግዝዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ምእመናን ኣብ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን፡ ወንጌል ኣብ ምምስካርን ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ ኣጕልሑ፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ “ብርሃን ኣሕዛብ” እተሰምየ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምስትንታን ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኣካፈሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካፈልዎ፣ ምእመናን ብኣበርክቶን ኣገልግሎትን ምስክርነትን ንዅሎም ኣሕዛብ እትበጽሖምን ወንጌል እተስፍሕን ቤተ-ክርስትያን ንምህናጽ ኣድላዪ ግደ ከም ዘለዎም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተምህሮኦም፣ "እቲ ሰፊሕ ዓውዲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምእመናን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ ናብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅድስ ኣቦና ዘካፍልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል፦

 

ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ከምቲ ኣብ ጉባኤያዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” Lumen gentium (LG) ዝተገልጸ ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን እንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ንቐጽል። ሎሚ ነቲ ብዛዕባ ምእመናን ዝገልጽ ራብዓይ ምዕራፍ ናይዚ ሰነድ እዚ ክንርኢ ኢና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ "ብሓጺሩ ምእመናን፣ ነቲ ዝበዝሐ ክፍሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዘቝሙ እዮም። እቶም ውሑዳት – መዓርገ ክህነት ዘለዎም ኣገልገልቲ – ድማ ኣገልገልቶም ኢዮም" (ሓዋርያዊ ምዕዳን “ስብኩ ወንጌለ” Evangelii gaudium, 102)።

ንባህርያትን ተልእኾን ምእመናን፣ ንዘመናት ዘኣክል ኣካል ናይቲ ቤተ ክህነት ወይ ሰብ ውፉይ ሕይወት ተባሂሉ ዝፍለጥ ክፍሊ ቤተክርስቲያን ከም ዘይኮኑ ክግለጽ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እዚ ክፍሊ ናይዚ ሰነድ እዚ፣ ብኣወንታዊ መንገዲ ክገልጾም ይጽዕር። ስለዚ ብዛዕባ ዕቤት ክርስትና ዝገልጽ፣ ሓደ ኣዝዩ ባህ ዘብል ጥቕሲ ከዘክረክሙ እደሊ - "ስለዚ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ሓደ እዩ፦ ‘ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት' (ኤፌ 4 5)፣ ብክርስቶስ ዳግመ ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም፣ ሓደ ሓባራዊ ክብሪ ከም ዝካፈሉ ኣባላት መጠን፣ ሓደ ዓይነት ናይ ውሉድነት ጸጋን፡ ሓደ ዓይነት ናይ ፍጽምና ጸዋዕታን ዘለዎም፤ ብሕብረት ድማ ሓደ ድሕነት፡ ሓደ ተስፋ፡ ሓደ ዘይተኸፋፈለ ፍቐሪ ኣለዎም" (LG 32) ።

ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ምክፍፋል ናይ ኣገልግሎትን ኵነት ህይወትን፣ እዚ ዋዕላ ከም ዝገለጾ፣ ማዕርነት ኵሎም እቶም እተጠምቁ የረጋግጽ። እዚ ዶግማዊ ቅዋም እዚ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብቲ ብዛዕባ ሕዝቢ ኣማላኽ ዝገልጽ ምዕራፍ ንዘረጋገጾ፣ ማለት ነቲ ኵነታት ናይ መሲሓዊ ህዝቢ፣ ከም ክብርን ናጽነትን ደቂ ኣምላኽ ምዃኑ ክንርስዖ ኣይደልየናን እዩ (LG  9)።

ብባህሪኡ እዚ ውህበት እዚ ዓቢይ ከም ምዃኑ መጠን፣ እቲ ተጸምዶኡ ውን ዓቢይ ከም ምዃኑ ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት እዚ ጉባኤ ምስ እዚ ክብሪ እዚ ብምዝማድ፣ ንተልእኾ ምእመናን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዓለምን የጕልሕ። እዚ ተልእኾ እዚ ግን ኣብ ምንታይ እዩ እተመስረተ? እዚ ጉባኤ እዚ ብዛዕባ ምእመናን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ "ነዛ ምእመናን እትብል ቃል፣ ንዅሎም ኣመንቲ ከም እተመልክት ኢያ እትረድኣና. . . [ንሳቶም] ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ዝዀኑ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ዝቈሙ ኢዮም፣ ንሳቶም እውን በብመገዶም ኣብ ናይ ክርስቶስ ክህነነታውን ትንቢታውን ንጉሳውን ተልእኾ ተኻፈልቲ እዮም፣ ብግዲኦም ድማ ኣብቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ዘሎ ተልእኾ መላእእ ሕዝበ ክርስትያን ይፍጽሙ" (LG 31)።

ስለዚ ቅዱስ ሕዝቢ ኣምላኽ ቅርጺ ዘይብሉ ሓፋሽ ኣይኰነን፣ እኳ ደአ ኣካል ክርስቶስ ኢዮም፣ ወይ ከአ ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከም ዝበሎ፣ Christus totus (ምልኣተ ክርስቶስ) ኢዮም፣ ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ዓይነት ተሳትፎ ክህነት ክርስቶስ ዘሎ፣ ፍረ ዘለዎ ርክብ ማለት ሓባራዊ ክህነት ምእመናንን ናይ ኣገልግሎት ክህነትን ብባህርያዊ መገዲ ዝቘመ ማሕበረሰብ እዩ (LG, 10 ርአ)። ምእመናን ብጥምቀት ኣብ ክህነት ክርስቶስ ይሳተፉ። እወ "ናይቲ ልዑልን ዘለኣለማውን ካህን ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ፣ ምስክርነቱን ኣገልግሎቱን ብምእመናን ኣቢሉ እውን ክቕጽል ስለ ዚደሊ በዚ መንፈስ እዚ (ንተራ ምእመናን) ህያው ይገብሮም፣ ናብ ኵሉ ሰናይን ፍጹምን ግብሪ ድማ ክብ የብሎ" (LG 34)።

ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ኢና፣ ነቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ክርስቲያን ምእመናን” Christifideles laici (30 ታሕሳስ 1988) ክንዝክር ዘይንኽእል? ኣብኡ ድማ "እቲ ጉባኤ ሃብታም ዓንቀጸ-እምነትን መንፈሳውን ጕስነታውን ውርሻኡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ፣ ብዛዕባ ባህርያትን ክብርን፡ መንፈሳውነትን ተልእኾን፡ ሓላፍነትን ምእመናን ጽሒፉልና ይርከብ። እቶም ኣበው እዚ ጉባኤ ድማ ንጻውዒት ክርስቶስ ደጊሞም ብምቅላሕ ንዅሎም ምእመናን ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ግራት ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዓዩ ጸዊዖም እዮም" (ቁ. 2) ክብሉ መስከሩ። በዚ ኸምዚ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ቅዱስነቶም፣ ነዚ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምእመናንን ነቲ እዚ ጉባኤ ፍሉይ ሰንድ ዘወፈየሉ፣ ከም ብሓድሽ ኣቘምዎ፣ ነዚ ድማ ጸኒሕና ኽንዛረበሉ ኢና።[1]

እቲ ሰፊሕ ዓውዲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምእመናን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ፣ ናብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ እዩ። እወ ቤተክርስትያን ኣብቲ ደቃ ንወንጌል ኣብ ዝእዙሉን ዚምስክሩሉን ዘበለ ኵሉ ቦታታት፣ ኣብ ስራሕ ኣብ ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ርክባትን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ብምርጫኦም ጽባቐ ክርስትያናዊ ህይወት የርእዩ፣ እዚ ድማ ሕጂ ኣብዚ ዀነ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንዝግለጽ ፍትሕን ሰላምን ትንቢት እዩ። ዓለም "ብመንፈስ ክርስቶስ ክትውሓጥ፣ ዕላማኣ ድማ ብፍትሕን ብፍቕርን ብሰላምን ብውጽኢታዊ መገዲ ምእንቲ ክትፍጽሞ" ኢዩ (LG 36)። እዚ ድማ ብኣበርክቶን ኣገልግሎትን ምስክርነትን ምእመናን ጥራይ ክኸውን ዝኽእል!

እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ክንኮና ዝዓደሙና "ናብ ወጻኢ እትኸይድ" ቤተ-ክርስትያን ንምዃን ዝቐረበ ጻውዒት እዩ፣ ኣብ ታሪኽ እተመስረተት ወትሩ ንተልእኾ ክፍቲ ዝዀነት ቤተ-ክርስትያን ኵላትና ልኡኻት ደቀ መዛሙርቲ፡ ሓዋርያት ወንጌል፡ መሰኻኽር መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጸወርቲ ሓጐስ ክርስቶስ ክንከውን እተጸዋዕናላ ቤተ-ክርስትያን ኢያ!

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ከነኽብሮ እንዳሎ ዘለና በዓለ ትንሳኤ፣ ከም ማርያም መግደላዊት፣ ከም ጴጥሮስን ዮሓንስን መሰኻኽር እቲ ዝተንስአ ኽንከውን ዘሎና ጸጋ ይተሓደስ።

 

[1] ዝ.ከ. ካልኣይ ዋዕላ ኢኩመኒካል ቫቲካን ኣዋጅ Apostolicam actuositatem (18 ሕዳር 1965)።

01 Apr 2026, 17:05