ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ ‘ንህዝቢ እግዚኣብሔር ብምሉእ ህይወትና ክነገልግል ዝተጸዋዕና ኢና!’

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰሙነ ሕማማት ሓሙስ ምሸት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቡራኬ ቅብኣተ መሮን፡ ካህናት ብምሉእ ህይወቶም ንህዝቢ እግዚኣብሔር ብምውፋይ ንጐይታ ከገልግሉ ዝተጸውዑ ምዃኖ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ብምዝኽካር፣ ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ጭካነ ኣብ ዝፍጸመሉ ዘሎ እዋን ንሕና’ውን ኣብ ጎኒ ውጹዓትን ኩሎም ዝተጸገሙን ክንምብርከኽ ኣሎና” እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ክፍኣት ዝበዝሓሉ ቦታታት፡ ኢየሱስ ብውዱእ መንገዲ ማለት - ንዘልኣለም፡ ከምኡ’ውን ብምሉእ ህላወኡ እዩ ዘፍቅር” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ሓሙስ  ምሸት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቡራኬ ቅብኣተ መሮን - ናይ መወዳእታ ድራር ዘእግዚኣነ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ኣእጋርና ክሓጽብ ይንብርከኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ሕጽበተ እግሪ ኣርድእቱ እንከስተንትኑ፡ “ጎይታ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንነፍሲ ወከፍና ተንበርኪኹ ኣእጋርና ሓጸበ። መለኮታዊ ህያቡ ድማ ይልውጠና” ጐይታ ማይን ጋብላን ዓለባን ሒዙ ዘርኣየና ተግባር፡ "ካብ ስነ ምግባራዊ ኣብነት ኣጸቢቑ ዝለዓለ፡ "ኣነባብራኡ እዩ ሕድሪ ዝሀባና” እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ምሕጻብ እግሪ ንግልጸት ኣምላኽ ዝሓቖፈ ምልክት ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ኢየሱስ ኣገልጋሊ ብምዃን፡ "ነቲ ብዙሕ ግዜ ንሕልናና ዝጠውይ ዓለማዊ መለክዒታት ብምግልባጥ ክብሪ ኣብ ገለጸልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሕዝበ እግዚኣብሔር ብሙሉእ ሕይወትና ከነገልግል ዝተጸዋዕና ኢና'

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ 2008 በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቡራኬ ቅብኣተ መሮን - ናይ መወዳእታ ድራር ዘእግዚእነ ኣብ ዘለገስዎ ስብከት ከምቲ ንተበግሶ ኢየሱስ እተቓወመ ጴጥሮስ ንሕና እውን ዕብየት ኣምላኽ ካብቲ ብዛዕባ ዕብየት ዘሎና ኣተሓሳስባ እተፈልየ ምዃኑ ደጋጊምና ኽንመሃር ከም ዘሎና ዘቕረብዎ ለበዋ ብምዝካር፡ በነዲክቶስ ከም ዝበልዎ፡ ወትሩ “ዘገልግለና” ኣምላኽ ክንደሊ፡ ወይ ብገለ መንገዲ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ብምድላይ ከም እንፍተን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ብሓቂ በቲ ናይ ታሑታት ዝኾነ ምልክት ምሕጻብ እግሪ ኣቢሉ ዘገልግለና ምዃኑ ክንርዳእ ስለ ዘይንኽእል እዩ - ቢሎም -  ብዛዕባ ምሕጻብ ኣእጋርን ምቕዋም ቅዱስ ቁርባንን ምስ ምፍታት እንጌራ እንከስተንትኑ፡ (ከምቲ ካህናት ብኹሉ ህላወኦም ክገብርዎ ዝተጸውዑ) ናይ ኢየሱስ ምልክት ኩሉ ገዛእ ርእሱ ከም ዝህብ ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሮም፡ "ኣብ ክህነት ዘለኹም ፍቑራት ኣሕዋት ብሙሉእ ህይወትና ንህዝቢ ኣምላኽ ከነገልግል ዝተጸዋዕና ኢና። "ብጳጳሳትን ካህናትን ከምቲ ትእዛዝ ጐይታ ካህናት ሓድሽ ኪዳን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኣምላኽ ምልክት ፍቕሩ ይበጽሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ጎይታ ቅድሚ ሰናይነትና እዩ

ናይ ጎይታ ፍቕሪ ቅድሚ ናይ ገዛእ ርእስና ሰናይነት ወይ ንጽሕና ከም ዝቐደመ ምዃኑ ብምዝኽካር።

"መጀመርታ የፍቅረና፡ በቲ ፍቕሪ ድማ ይቕረ ይብለናን ይመልሰናን . . . ፍቕሩ ምሕረቱ ናይ ምቕባልና ዓስቢ ኣይኮነን፤ ኣብ ክንድኡ የፍቅረና፡ ስለዚ ድማ የጽርየና፡ በዚ ድማ ንፍቕሩ ምላሽ ክንህብ የኽእለና" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ካህናት ነዚ ናይ ሓድሕድ ኣገልግሎት ካብ ኢየሱስ ክመሃሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ንሱ ድማ "ኣብ መንጎና ህያቡ ከነካፍል ደኣ እምበር ክንመልሰሉ ኣይሓተናን" ብምባል ብምዝኽካር፡ ክርስቶስ ከም ባርያኹም - ኣገልጋሊኹም ክሳብ ዘይተቐበልኩምኒ ብሓቂ ብኣይ ክትኣምኑ ወይ ከም ጎይታ ክትስዕቡኒ ኣይትክእሉን ኢኹም ዝበሎ ጠቒሶም፡ እዚ ድማ ካህናት ብጐይታ ንኸገልግሉ ዘድሊ ቅድመ ኵነት ምዃኑ ንካህናት ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተንበርኪኹ ዝመጽእ ሰብኣውነት

ኣምላኽ ከመይ ጌርና ክንዕብልል ዘይኮነስ ሓራ ብምውጻእ ህይወት ንኸነጥፍእ ዘይኰነስ ብኸመይ ከም እነወፍያ ኣብነት ሂቡና እዩ፡ ደቂ ሰብ ብብዙሕ ጭካነ ተምበርኪኾም ስለ ዘለዉ ንሕና እውን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ጐድኒ ጭቁናት ንምበርከኽ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ፍጹም ውህበት ዝኾነ ገዛእ ርእሱ ዝሃበ ጐይታ ኽንስዕብ ኢና። ስለዚ ጸሎተ ሓሙስ መፍዓቲ ልባዊ ምስጋናን ሓቀይና ሕውነትን ምዃኑ ኣትሪሮም ብምግላጽ፡ "ሎሚ ምሸት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቁምስናን ማሕበረሰብን ዝፍጸም ናይ ቅዱስ ቁርባን ስርዓተ ኣምልኾ ነቲ ጎይታ ዝገበሮ ተንበርኪኽና፡ ንኣገልግሎቱ ብምምሳል ብማዕረ ፍቕሪ መልሲ ንምሃብ ዘኽእል ሓይሊ እንልምነሉ እዋን ይኹን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀጻሊ ትውፊት

ትውፊት ክርስቶስ ብምቕጻል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ እዋን ቅዳሴ እግሪ ዓሰርተ ክልተ ካህናት ከም ዝሓጸቡን፡ ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ቅዱስ ቁርባን ሓፍ ኣቢሎም ብምሓዝ ድማ ናብቲ ንኽንበረሉ ዝተፈልየ - ቤተ ጸሎት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብጺሖም ብግሊ ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

03 Apr 2026, 17:03