ር. ሊ. ጳ. ልዮን፣ ንኢኳቶሪያል ጊኒን ንኣህጉር ኣፍሪቃን ተሰናቢቶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 23 ሚያዝያ ተሰናቢቶም፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተው ሓደ መዓልትታት ብድሙቕ መንፈስ ተቐቢላ ዘኣንገደቶም ኣህጉር ኣፍሪቃ ተሰናቢቶም ብሰላም ናብ መንበሮም ተምሊሶም ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልክዕ ከባቢ ሰዓት 2 ድሕሪ ቐትሪ ካብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ምስ ነቐሉ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማላቦ፣ ናብታ ናብ ሮማ እትወስዶ ነፋሪት ቅድሚ ምእታዎም ንሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ምስጋናን ሰላምታን ብምቕራብ ተፋነውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዕለት 13 ሚያዝያ ኣትሒዞም ኣብ ወጻኢ ሃገር ንሳልሳይ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላ ከምኡውን ኢኳቶሪያል ጊኒ ጉስነታውን ናይ ስብከተ ወንጌልን ዑደት ኣካይዶም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ሃገራት ድማ ከም ልኡኽ ሰላም መጠን፣ ብዛዕባ ታሪኽን ህሉውን ኩነታን መጻእን እተን ሃገራት ኣስተንቲኖም፣ ንዜጋታት ዘተባብዕ ቃላት ምጽንናዕን ምትባዕን እውን ኣካፊሎም፣ ንመራሕቲ እተን ሃረራት ኣብ ዘካፈልዎ መደረታት ድማ ፍትሒ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ኣብ ከባቢ ሰዓት 7 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ ሮማ ተመሊሶም፣ ኣብቲ ናብ ከተማ ሮማ ዝገበርዎ ጕዕዞ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘካእየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ነቶም ምስ ቅዱስነቶም ዝተጓዕዞ ጋዜጠይናታት ሓጺር መግለጺ ኣካፈልዎም።
