2026.04.23 Viaggio Apostolico in Guinea Equatoriale - Santa Messa nello Stadio di Malabo 2026.04.23 Viaggio Apostolico in Guinea Equatoriale - Santa Messa nello Stadio di Malabo  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣፍሪቃ ንህይወተይን ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎኒ ተልእኾን ከተበልጽግ እያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኢኳቶሪያል ጊኒንን ንመላእ ኣፍሪቃን ንምስንባት ኣብ ናይ ስፖርት መዳ ማላቦ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መወዳታ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን፣ ኣፍሪቃ ንህይወቶምን ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘለዎም ተልእኾን ከም እትድግፎም ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ማላቦ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዘካፈልዎ ሓጺር ናይ ምፍናው መደረ ዛዚሞም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመና ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን እንከካፍልዎም፣ ነዚ ዑደት እዚ ንምክያድ ኣጋጣሚ ስለ ዝረኸቡ ድማ "ግዜኡ ኣኺሉ ኢዩ" ብምባል ምስጋናኦም ገለጹ።

ነቶም ሊቀ ጳጳሳትን፡ ንጳጳሳት፡ ካህናትን ንመላእ ማሕበረ ሰብ እታ ሃገርን ብምምስጋን ድማ፣ ወንጌል ን170 ዓመታት ኣብ ዝጸንሓሉ ሃገር "ህዝቢ ኣምላኽ" ክብሉ ብምጥቃስ ምስጋናኦም ገለጹሎም። "ክርስቶስ ብርሃን ኢኳቶሪያል ጊኒ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ኢኹም" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ንሲቪላውያን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ምውዳብን ምስልሳልን እቲ ምብጻሕ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ዘለዎም ልባዊ ምስጋና እውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕለፎ ግዜ ብምስትንታን፣ በቲ ኣብ ብምሉኡ እቲ ምብጻሕ ዘካየድዎ ርክባትን ምስክርነትን ተመክሮታትን እተቐርጸ "ማእለያ ዘይብሉ መዝገብ እምነትን ተስፋን ልግስናን" ሒዞም ከም ዝምልሱ ዘለዉ ድማ ኣመልከቱ።

"እዚ መዝገብ እዚ ዛንታታትን ገጻትን ምስክርነታትን ዜሐጕስን ሓዘንን ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንህይወተይን ኣገልግሎተይን ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ መጠን ኣጸቢቑ ኼበልጽገኒ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ኣፍሪቃ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ግደ ኣጕሊሖም፣ ኣህጉር ኣፍሪቃ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዘመናት ክርስትና ንቅድስናን ተልእኾ ወንጌላውነትን ምእመናን ኣበርክቶ ንምግባር ተጸዊዓ ከም ዘላ ድማ ገለጹ።

ኣብ መደምደምታ ንህዝቢ ኢኳቶሪያል ጊኒን መላእ ኣፍሪቃን ኣብ ኣማላድነት ቅድስቲ  ድንግል ማርያም ሕድሪ ብምውፋይ፣ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ንዝርከቡ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ሃገራትን ሓልዮት ከም ዘለዎም ብምርግጋስ መደረኦም ዛዘሙ።

24 Apr 2026, 11:55