ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ልኡኽ ሰላም ኰይኖም ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሶም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሶም ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ 2023 ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ድሕሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ እንሆ ኣብ ሳልሳይ ዓመት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንውሕ ዝበለ ሓዋርያዊ ዑደት ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ዑደት እዚ ዝሓለፈ ሶኑይ ኣብ አልጀርያ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ድማ ናብ ካሜሩን፡ ኣንጎላን፡ ኢኳቶርያል ጊኒን ከምርሑ ኢዮም።
እዚ ን11 መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት፡ ፍሉይ ናይ ተልእኾ (missionary) ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ብጸገማትን ግጭታትን ኣብ ዝተሓላለኸት፡ ብኻልእ ወገን ድማ ናይ ሓጐስን ተስፋን ምንጪ ኣብ ዝኾነት ኣህጉር ምስ ዝርከቡ ህዝብታት ጽዑቕ ናይ ምርኻብ መደባት ዝሓዘ እዩ።
እዚ ምብጻሕ እዚ ዝካየደሉ ዘሎ ጊዜ "ኣስጋኢ ናይ ታሪኽ እዋን" ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይከኣልን፤ እዚ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዘሎ ፍጻሜታትን፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ድሕሪ ምፍሻሉ ዝሰዓበ፡ ናይ ግጭት ምስፍሕፋሕ ስግኣትን ኣብ ዘሃለወሉ እዋን ኢዩ።
ስለዚ ድማ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ አልጀርያ ኣብ ዝርከብ መካነ ሰማእታት (Maqam Echahid) ኰይኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ቃል፡ ሰላም ከም ማእከላይ ዛዕባን ኣገዳሲ ነጥቢን ከም ምዃኑ እንክገልጹ፦
"ኣብዚ ቦታ እዚ ኰይና፡ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ሰላም ከም ዝደሊ ንዘክር፤ እዚ ሰላም እዚ ግጭት ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ፡ መግለጺ ፍትሕን ክብርን ኢዩ። እዚ ብናይ ዕርቂ መንፈስ ናብ መጻኢ ንክንጥምት ዘኽእለና፡ ሰላም ክመጽእ ዝኽእል ብይቕሬታ ጥራይ ኢዩ። ሓቀይና ናይ ሓርነት ቃልሲ ብዓወት ዝዛዘም፡ ኣብ ልብና ሰላም ክሰፍን ከሎ ጥራይ ኢዩ።"
ይቕረ ንምባልን ሰለማዊ ልብን ንምርካብ ዚግበር ጻውዒት ዓሚቝ ክውንነት ዝመልኦ ኢዩ። እዚ ከኣ መሠረታዊ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመጻኢ ንምህናጽ ነቲ እንኮ መገዲ እውን ኢዩ ዜመልክት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ይቕረ ምባል ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ" ኢሎም። "ግና ኣብ መላእ ዓለም ግጭታት እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ቂም እና ወሰኽና ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና።"
ኣብ ቃዛን ሕጂ ድማ ኣብ ሊባኖስ፡ ብጃምላዊ ቕትለት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ወለዶታት ንዜስዓቦ ቂም፡ ብኸመይ ኢዩ ሓደ ሰብ ብዛዕብኡ ከይሓሰበ ክተርፍ ዝኽእል? ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኰነ፡ ብዛዕባ እቲ ብጽልእን ዓመጽን እተጐድአ ሓያሎ ዞባታት ከመይ ኢሉ ተመሳሳሊ ሕቶ ኪሓትት ዘይኽእል?
ብዙሓት መራሕቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንቕድሚት ዚስጕም መገዲ እንደገና ኣጽዋር ምስካም፡ ማለት ንመኽሰብ ነጋዶ ሞት ኣብ ምምጋብ ከም ዝዀነ ዚኣምኑ እኳ እንተ ኾኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "እቲ መጻኢ ንናይ ሰላም ሰባት ኢዩ" ከምኡውን "ፍትሒ ወትሩ ኣብ ልዕሊ ምጕዳል ፍትሒ ኪዕወት ኢዩ፣ ዓመጽ ከም ዓመጽ ብዝተፈላለየ መክልዕ ውን ይምጻእ፡ ናይ ዛዛሚ ቓል ፈጺሙ ኣይኪህልዎን ኢዩ” ክብሉ ገሊጾም።
ድምጺ ሰላም ናይዞም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ተወካሊ ናይቲ ዓመጻ ብዘይብሉ መገዲ ኣብ መስቀል ገዛእ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መገዲ ዝመረጸ ዝከላኸለሉ ዘይብሉ ወዲ ኣምላኽን፡ ካብዛ መሬት እዚኣ ምስ ኮነ ዝያዳ ይስማዕ፣ ኣብዚ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣባላታ ብጣዕሚ ውሑዳት ኢዮም፣ ምስክርነት እቶም ኣዝዮም ውሑዳት ዝኾኑ ክርስትያን ከኣ ኣብ ኣገልግሎትን፡ ኣብ ሓጐስን መከራን ናይ ኵሎም ደቂ ሰባት ኣብ ምስታፍ ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ ኣገዳሲ ኢዩ።
ኣሰናዳኢ፥ ኣንድርያ ቶርኒሊ
