2025.12.02 ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ኣንጎላ እናዓበየት ትኸይድ፡ ኵላዊ መሰላት ንምድንፋዕ ክትሕግዝ ትኽእል 2025.12.02 ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ኣንጎላ እናዓበየት ትኸይድ፡ ኵላዊ መሰላት ንምድንፋዕ ክትሕግዝ ትኽእል  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ኣንጎላ እናዓበየት ትኸይድ፡ ኵላዊ መሰላት ንምድንፋዕ ክትሕግዝ ትኽእል

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብታ ካብ ኣንጎላ ናብ ኤኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ኣንጎላን ኣብ ዓውድታት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝግበር ሓባራዊ ጻዕሪ ኣብቲ ምስ ርእሰ ብሔር ኣንጎላ ከም እተመያየጡ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሉዋንዳ ኣንጎላ ናብ ማላቦ ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ኣብታ ነፋርቲ ንዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ሰላምታ ኣቕሪቦም እቶም ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ሕቶ ኣማእኪሎም መግለጺ ከም ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምትሕብባር ቤተክርስትያንን መንግስትን ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዓውዲ ንጥዕናን ትምህርትን

ካብ ህዝባዊ ተለቪዥን ኣንጎላ ዝመጸ ወኪል፡ ቤተክርስትያን ንመንግስቲ ኣንጎላ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ብኸመይ ንኽመሓየሽ ክትሕግዝ ትኽእል እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ድሮ “ብዝተፈላለየ ኣረእኣያ ዝድረኽ እውን እንተኾነ ንሰናይ ኩሉ ህዝቢ ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ . . . ብኸመይ ብሓባር ክንሰርሕ ንኽእልን ኣበይ ከነመሓይሾ ከም እንኽእልን እቲ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ኣንጎላ ንህዝቢ ዝህቦ ኣገልግሎት ብፍላይ ኣብ ምህናጽ ሓደስቲ ኣባይቲ ሕክምና ሓደስቲ መሳለጥያታትን፡ ከምኡ’ውን ንረብሓ ህዝቢ ጽኑዕ ተወፋይነት ኣብ ምግባር ምስ ርእሰ ብሔር ኣንጎላ ከም እተዛራረቡሉ እውን ይሕብሩ።

መጻኢ ጉባኤ ካርዲናላት

ሓደ ወኪል ማዕከን ዜና ኣንጎላ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ጉባኤ ካርዲናላትን ኣንጎላዊ ካርዲናል ክትሰምዩ ዲኹም እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣቐዲሞም “ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት፣ ብምስክርነትን፣ ብቓልን፣ ከምኡ’ውን ብትብዓት ስብከትን ብስራት ቃል ኣምላኽን፣ መሰል ኩሉ ኣፍልጦ ክትህብን ኣድማሳዊ መሰላት ንምስፋሕ ከም እትሕግዝ” ተስፋኦም ገሊጾም፡ “እዚ ሕቶ ብዙሓት ሰባት ክሓቱዎ ዝደልዩ ሕቶ እዩ - ቢሎም - ሓደስቲ ካርዲናላት መዓስ ከም ዝስመዩ ገና ኣይተወሰነን። ነዚ ጉዳይ ብደረጃ ዓለም ክንርእዮ ኣለና . . . ፡ ንኣፍሪቃ ምናልባት’ውን ንኣንጎላ ዘጠቓልል ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ኣብ ዘይርሑቕ መጻኢ፡ ንሕጹያት ሓደስቲ ካርዲናላት፡ ኣንጎላ እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ንኽእል ኢና” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ጸዋዕታ ስብከተ ወንጌል፡ ንምስዳዕ ዘይኮነስ ንምዕዳም

ናይ መወዳእታ ሕቶ ካብ ራድዮ - ዓቕለሲያ ናይ ኣንጎላ ካቶሊካዊ ፈነወ ዝመጸ ወኪል ዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ “ኣብ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ትዓብየሉ ዘላ ቦታታት” ብምርኣዮም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊጾም፡

"ኣብ ዓለም ካልእ ከምዚ ዘይኮነሉ ቦታታት ምህላዉ ኣመልኪቶም፡ ስለዚ ኣብዚ ጻውዒት ስብከተ ወንጌል ኣሎ፡ ቀጻሊ ስብከተ ወንጌል፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዝበልዎ ሃይማኖት ብምስዳዕ ዘይኮነስ ንኻልኦት ንምዕዳም ምፍታን - ብጽባቐን ብማራኽነት እምነትን ብሓጐስ ኣመንትን፣ እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ኣገባብ ኣዋጅ እምነትን ወንጌልን እዩ” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንራብሓ ህዝቢ ዝያዳ ሓዋርያዊ ጉስነት

ኣብ ኣንጎላ “ቤተ ክርስቲያን ትዓቢ ኣላ” እዚ እውን ምስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣንጎላ ብምትሕብባር ዘሳልጥዎ ዕዮ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ “ንረብሓ ህዝቢ ሓደስቲ ኣቡናት ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ብንጹር ክንርኢ ንኽእል ኢና፣ ከም ጓሶት መጠን ንህዝቢ ክቐርቡ ዝኽእሉ ብዙሓት ጳጳሳት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ክህልወና ይኽእል ኢዩ" ቢሎም “ሰናይ ጉዕዞ ይግበረልና” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

22 Apr 2026, 16:18