ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ክብሪ ሰብ ከቢድ ገበናት ምስተፈጸመ እውን ዝጠፍእ ኣይኮነን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክውገድ ንዝጣበቑ ደገፎም ኣቕሪቦም፡ ሰብኣዊ ክብረት ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣትሪሮም ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 24 ሚያዝያ መበል 15 ዝኽሪ ምስራዝ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኢሊኖይስ ምኽያት ኣብቲ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ደፖል ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ "እቲ ዝኸፍአ ገበን ድሕሪ ምፍጻሙ እውን ከይተረፈ ክብረት ሰብ ፈጺሙ ከም ዘይጠፍእ” ኣረጋጊጾም፡ ኣብ 2011 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኢሊኖይስ ናይ ሞት ፍርዲ ዘወገደ ታሪኻዊ ውሳነ ኣብ ዘብዕል ዓውደ ጉባኤ ምስ ዝተኣከቡ ሕብረቶም ኣረጋጊጾም፡ "ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምውጋድ ዝቃለሱ ደገፎም" ብምርግጋጽ፡ "ጻዕርታትኩም ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝያዳ ኣፍልጦ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

 ፍትሒ ብዘይ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ

"ንዜጋታት ዘዕቍብ ውጽኢታዊ ናይ ቤት ማሕቡስ ስርዓት ክምዕብል ይኽእል ኢዩ፡ እዚ ድማ ነቶም ገበነይናታት ናይ ምድሓን ተኽእሎ ብዘይምጥፋእ" እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣጒሊሖም፡ "በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሓባራዊ ረብሓ ክዕቀብን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብዘይምጥቃም ፍትሒ ዘድሊ ብቕዓታት ከማልእን ከም ዝኽእል ብተደጋጋሚ ኣትሪሮም ዝገለጹ - ስለዚ ፍትሒ ብዘይ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምርግጋጽ ተኻኣሊ እዩ - ቢሎም - ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ብምጥቃስ፡ "ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘይግሃስን ክብርን ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወርድ መጥቃዕቲ ስለ ዝዀነ ተቐባልነት የብሉን” ብምባል ዝምህር እንክብሉ ቅዱስነቶም ብምምልካት፡ ነዚ ንህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምዕቋብ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "መሰል ህይወት መሰረት ናይ ነፍሲ ወከፍ ካልእ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሓደ ሕብረተሰብ ንቅድስና ህይወት ደቂ ሰብ ምስ ዝሕልው ጥራይ እዩ ኪዕምብብን ክምዕብልን ዚኽእል" እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Apr 2026, 11:22