ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ንኣሽቱ ናይ ለውሃት ምልክታት "ስዉር" መዓልታዊ ግጥምታት ህይወት እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ማላቦ ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ዣን ፒየር ኦሊ ምብጻሕ ዘካየዱ ቅዱስነቶም ዝፈጠረሎም “ዝተሓዋወሰ ስምዒታቶም” እንከካፍሉ፡ ብሓደ ወገን ስለ እቶም ሕሙማትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዝስምዖም ሓዘን ገሊጾም። ሓድሓደ ግዜ ሰባት “መብዛሕትኡ ግዜ ከቢድ ጾር ከም ዝስከሙ፡ ሓንሳብ ድማ ክርአ ዝኽእል ቁስሊ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ሓደ’ኳ ዘይርእዮ፡ ግን ከኣ ባዕሎም ኣብ ልቦምን ኣብ ህይወቶምን ዝስከምዎ ቁስሊ” ከምዘሎ ኣስተብሂሎም፡ ኰይኑ ግና፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ በቲ “ንህይወት ሰብ ንምግልጋል” ዚግበር ኵሉ ዕዮ የድንቖን የጸናንዓናን . . . ኣብዚ ምህላወይ እውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ግና “ሓጐስ ከም ዝስዕር” ብምስተውዓል እዩ፡ እዚ ብስም ጐይታ ተኣኪብካ ነቶም ጥዕንኦም ዝደኸመ ካብ ምሕብሓብ ዝምንጩ ሓጐስ እዩ፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሎሚ ምልክት ፍቕሪ
ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ዝቐረቡ ቃል ምስክርነት ክሳብ ክንደይ ከምዝተንከፎምን ካብ ናይቲ ቤት ሕክምና ስነ ኣእምሮ ላዕልዋይ ሓላፊ ፕሮፌሰር በቺር ቤን ሃጅ ዓሊ ሓዊሱን ዝተሰምዑ መደረታት፡ እቲ ፕሮፈሰር ከም ዝበሎ “ናይ ብሓቂ ዓቢ ሕብረተሰብ ድኽመታቱ ዝሓብእ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ዝኸበቦ ሕብረተሰብ እዩ” እንክብሉ ብምቅላሕ ሓቂ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ምኽንያቱ ኣብ ክርስትና ናይ ዝተሰረተ ስልጣነ መትከል እዩ።
ኢየሱስ ናብ ዓለም ዝመጸ “ነቶም ብቅንዋት ስንክልና ዝሳቐዩ ክብጀዎምን ምሉእ ክብሪ ክመልሶምን እዩ።” እንተኾነ ነዚ ንምግባር ብውልቃውን ማሕበራውን ደረጃ ምትሕብባርና የድልዮ። ስለዚ ኢዩ ኢየሱስ ንኩሉ ሰብ ብቓልን ብግብርን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከፍቅር ዝጽውዕ። ከም ኣባይቲ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ዣን ፒየር ኦሊ ዝኣመሰለ ትካል “ብሓገዝ ኣምላኽን ብተወፋይነት ኩሉ ሰብን” ምልክት ናይዚ ስልጣነ ፍቕሪ ክኸውን ይኽእል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ከም ዘለናዮ ኣፍቅሩና
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ቃላት ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝነበሩ ህሙማን ፔድሮ ሴሌስቲኖ ዘቕረቦ ቃል ብምቕናዕ፡ “ከምዚ ዘለናዮ ስለ ዘፍቀሩና” ነመስግን ዝበሎ ጥቒሶም፡ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍና ብኸምዚ እዩ ዘፍቅረና፡ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ "እንተዀነ ግን ኣብቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ክንነበር ኣይደልን እዩ። ኣምላኽ ንሓዋሩ ኽንሓምም ኣይደልን እዩ። ኬሕውየና እዩ ዝደሊ፡" ወንጌል ነዚ ብተደጋጋሚ ይገልጾ እዩ። “ኣባይቲ ሕክምና ብፍላይ ድማ ክርስትያናዊ ተልእኾ ዘለዎ፡ ሰብ ከም ዘለዎ ተቐባልነት ዝረኽበሉን ኣብ ድኻሙ ዝኽበረሉ ቦታ እዩ፣ ምእንቲ ብኹለንተናዊ ራእይ ክሓውይ ዝሕገዘሉ ቦታ እዩ።” እዚ መንፈሳዊ ስምዒት እዚ ነዚ ዕዮ እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምሉእ ብምሉእ ከንብብ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ
ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብታርሲስዮ ዝተጻሕፈን ዝተነበን ግጥሚ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ “ብቃላት ዘይኮነስ ብንኣሽቱ ተግባራትን፡ ብሓሳብን ሕያውነትን ኣብ ነንሕድሕድኩም ዘለኩም ርክብ” ክንደይ “ሕቡእ” ግጥምታት መዓልታዊ ከም ዝጸሓፍ ኣጉሊሖም። እዚ ግጥሚ እዚ ኣምላኽ ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ከንብቦ ዝኽእልን “ንመሓሪ ልቢ ክርስቶስ ዘጸናንዕን” ግጥሚ እዩ - ቢሎም - ኣብቲ ቤት ሕክምና ንዝርከቡ ኩሎም ሕሙማት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ከቢድ ሕማም ንዝርከቡ ብዙሕ ግዜ በይኖም ዝኾኑን ቅርበቶም ብምርግጋጽ ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ንዝተረኽቡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
