ር. ሊ. ጳ. ንመንእሰያት ብትብዓትን ብሓጐስን ብዛዕባ ክርስቶስ ኪምስክሩ ኣተባቢዖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ባታ ተኣኪቦም ዝነበሩ መንእሰያትን ስድራ ቤታትን፣ ነቲ ንኣስተንትኖ ዝቐረበ ምስክርነት በብሓደ ምላሽ ኣብ ምሃብ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ጻዕርን ተግሳጽን፣ ኣብ ህይወትን ክቡር ስራሕን፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብ ስራሕ ዜጋጥመን ብድሆታት፣ ገዛእ ርእሶም ንኣምላኽ ብምውፋይ ዝርከብ ሓጐስ ከምኡውን መጻምድትን ወለድን ናይ ምዃን ባህ ዜብል ተልእኾ ኣመልኪቶም መላበውዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሙዚቃ ነቲ ልዕሊ 30,000 ሰባት ዝተረኽቡሉ ናይ ስፖርት ሜዳ ባታ ብመዝሙራትን ብሕብርታት ዝወገበ ፍሽኽታን ሓጐስን መሊእዎ ነበረ፣ እዚ ስታድዩም እዚ ድማ ብመንእሰያትን ስድራ ቤታትን ሊቃ ውንቲ ሥነ መለኮት ካህናትን ምእመናን ባታ ኣዕለቕሊቑ ነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ዝመልኦ ኣጋጣሚ ዝተሰምዖም ምስጋና እንክገልጹ፣ ነቲ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ዝገበርዎ ምብጻሕ "ክርስቶስ ብርሃን ኢኳቶሪያል ጊኒ ናብ መጻኢ ተስፋ" ብምዝኽኻር፣ "እቲ ኣብዚ ዘሎ ድሙቕ ብርሃን ኣብ ኣዒንትኹምን ኣብ ገጽኩምን ኣብ ፍሽኽታኹምን ብመዛሙራትኩም ተገሊጹ ኣሎ" ብምባል ኣረጋገጹሎም።  “ትርጕምን ምትብባዕን ጽባቐን ህይወትና ድማ ይምስክር" ክብሉ ድማ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኤኳቶሪያል ጊኒ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኤኳቶሪያል ጊኒ   (@Vatican Media)

ናይ ጻዕሪ ባህርይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ መደረ ቅድሚ ሓዋርያዊ መስተናብር ባታ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንጀል ንጉማ ዝ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ስዒቡ፣ ንምስክርነቶም ከም መሪሕ ዀይኑ ዘገልገለ ተኸታታሊ ምስክርነታት ስዒቡ እዩ። ኣሊስያ ኣብ ሓላፍነትና እሙናት ምዃንን መዓልታዊ ዕዮና ንረብሓ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ኣበርክቶ ኽንገብር ከም ዘሎና ብምግላጽ እያ ምስክረታ ዝጀመረቶ።

"መንእሰያት ሰብኡትን ኣንስትን ብቐሊሉ ኣሳልጦ ዘይደልዩሉ ባህሊ ጻዕርን ተግሳጽን ጻዕርን ዝመርጹላ ሃገር እያ እተድልየና" ኢላ ትምኒታ ኣካፈለት።  ክርስትያን ምዃን ኪበሃል ከሎ ኣብ መሥዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን ምስታፍ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብኽብሪ ምዕያይን ንዅሉ ሰብ ብኣኽብሮት ምቕባልን ማለት ምዃኑ ድማ ገለጸት።  ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ዜጋጥመን ብድሆታት እውን መስኪራ እያ።"

ሓዋርያዊ መስተናብር ከተማ ባታ ኣብ ተቕባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14
ሓዋርያዊ መስተናብር ከተማ ባታ ኣብ ተቕባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14   (@Vatican Media)

ደድሕሪ ጐይታ ብምስዓብ "ሚእቲ ካዕበት ኽትቅበል ኢኹም"

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ፍራንሲስኮ ማርቲን ዝስሙ ተማሃራይ ዘርኣ ክህነት ዝሃቦ ምላሽ ሰዓበ፣ ንሱ ብዛዕባ ጸዋዕታኡ ክዛረብ እንከሎ፣ ህይወቱ ንኣምላኽ ብሰፊሑ ብምውፋይ እተሰምዖ ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ "ሕራይ" ቅድሚ ምባሉ ዝገበሮ ቓልሲ እውን ኣመልኪቱ ሓሳባቱ ኣካፈለ።

"ንኣምላኽ እተዋህበ ህይወት ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት እዩ፣ እንተዀነ ግን በብመዓልቱ ብጸሎትን ብምስጢራትን ምስቶም ጐይታ ኣብ መገድና ዘቐመጦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብምሕላፍ ክንሕደስ ኣሎና።  ኣብ ሕብረት ልብን ነቶም እተሸገሩ ብለውሃትን ምልክታት ልግስን ብቐጻሊ ይሕደስ እዩ ።  ስለዚ ክርስቶስ ከም ካህናት ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣሕዋትን ኣሓትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን መጠን ብፍሉይ መገዲ ቕድስና ኽትስዕቦ ይጽውዓና ኸም ዘሎ እንተ ተሰሚዑና፣ ኣስኣሰሩ ንምስዓብ ኣይትፍራህ" ክብል መስከረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ኣብ ባታ ኤኳቶሪያል ጊኒ ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ኣብ ባታ ኤኳቶሪያል ጊኒ ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ስድራ ቤት፦ ንሰብኣውን ክርስትያናውን ዕቤት ዚኸውን ፈርያም መሬት ኢዩ

ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ስድራ ቤታት ኣብነት ፑሪፊካሲዮንን ሃይሜ ኣንቶንዮን ብምጥቃስ ድማ፣ ኣብ ኣምላኽ ብምውካል ስድራ ቤቶም ብሓድነት ክሃንጹ ከም ዚኸኣሉን ምስ ጐይታ ንምርኻብ ዕቝባ ክረኽቡ ከም ዚኸእሉን ከም መዘኻኸሪ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

"መጻምድትን ወለድን ምዃን ባህ ዜብል ተልእኾ እዩ፣ እዚ ኸኣ መዓልታዊ ተጸምዶ እዩ።  ኣብ ውሽጢ እዚ ኺዳን እዚ ምስ ኣምላኽ ኣብ ተኣምራትዊ ዝኾነ ህይወትን ንርእስኹምን ንደቅኹምን ሓጐስ ኣብ ምህናጽን፣ ብቐጻሊ ንሓድሕድኩም ክትራኸቡን ኢኹም።  እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ሓርነት እናዓበየ ዝኸይድ ናይ ሓቀይና ፍቕሪ ጕዕዞ ንምቕባል ድሉዋት ኩኑ። ኣምላኽ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገኩምን፣ ኻብ ፍልጠት እተወልደ ጕዕዞ ተስፋ፣ ከም ጕዕዞ ቅድስና ድማ ኵሉ ሳዕ ጽቡቕን ሓጐስን ካልኦት እትደልዩ ኢዩ" ክብሉ ድማ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ባታ ኤኳቶሪያል ጊኒ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ባታ ኤኳቶሪያል ጊኒ   (@Vatican Media)

ነቲ ዚውለድን ዚዓብን ህይወት ምኽባር

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቲ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ ወዲ ሓንቲ በዓል ቤታ ዝገደፋ ንበያና ዘዕበየቶ ኣደ ንዝመስከሮ "ቅንዕናን ትብዓትን" ኣመስጊኖም፣ ቃላቱ ድማ ነቲ እተወልደን እናዓበየን ዚኸይድ ህይወት ኣብ ምኽባር እተመርኰሰ ኮይኑ፣ ዝሓሸት ዓለም ንኽንሃንጽ ኬተባብዓና ኣለዎ ክብሉ ቅዱስነቶም ኣተባብዕዎ። መስዋእትታትን ፍርድታትን ጽልእን ዋጋኡ ኼዳኽም ዝደሊ ኣረኣእያን እናሃለወ ኽነሱ፣ ንህይወት ከነማዕብልን ክንነብርን ክንምስክርን ተጸዊዕና ኢና ክብሉ ድማ ተላበዉ።

"ቪክቶር ኣንቶንዮ ንህይወት ምቕባል ፍቕርን ቈራጽነትን ሓልዮትን ከም ዚሓትት ኣዘኻኺሩና እዩ።  እዘን መንእሰያት ዝምክርወን ቃላት ብዛዕባ ኣገዳስነት ምዕቋብን ምዕቃብን ስድራ ቤትን ኣብ ውሽጣ እተመሃርናዮ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ኣርዚንና ንኸነስተንትነሉን ኺድርኸና ኣለዎ" ድማ በሉ።

መንእሰያት ኤኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ባታ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተገብረ ርክብ
መንእሰያት ኤኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ባታ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተገብረ ርክብ   (@Vatican Media)

ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝሃበና ፍቕሪ መሰኻኽር ንኹን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም መዛዘሙ ሓሳባቶም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብሪ ከም ዝስምዖን ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ከም ዘይርሳዕን ኣገዳስነት ከም ዘለዎን ኣጕልሑ። ንዓለማዊ ተቕዋምት ኣብ ምቕያር ይሳተፋ፣ ክርስቶስ ብርሃን ኢኳቶሪያል ጊኒን ኣፍሪቃን መላእ ዓለምን ንዅላትና ናብ ናይ መጻኢ ተስፋ ምእንቲ ክመርሓና ብሓባር ነዚ ጽኑዕ ውሳነ ብሓጐስ ተጸምዶ ንግበር ክብሉ እውን ተላበዉ።

"ክቡራት መንእሰያትን ወለድን ኩልና ኣብዚ ዘሎና ብጽባቐ ፍቕሪ ንተነቓጣሕ። ብዛዕባ እታ ኢየሱስ ዝሃበናን ዝመሃረናን ፍቕሪ ድማ መሰኻኽር ንኹን ።  ምፍቃር ባህ ዜብል ምዃኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት ንምስክር፣ እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ብኸመይ ከም እንህብን ንገዛእ ርእስና ብምውፋይ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም እተሸገሩ ሰባት ክንበጽሖም ከለና፣ እንታይ ከም እንህብን ብምሃብ ከም ዚመጽእን መዓልታዊ ነርኢ ።  እቲ ኣብ ቤትና ዝዓበየን ብእምነት እንነብረሉን ብርሃን ልግሲ ንዓለም ብሓቂ ክቕይራ ይኽእል ኢዩ" ክብሉ ድማ መልእኽቶም ዛዘሙ።

መንእሰያት ኤኳቶርያል ጊኒ ኣብ ባታ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ምርኢት
መንእሰያት ኤኳቶርያል ጊኒ ኣብ ባታ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ምርኢት   (@Vatican Media)
23 Apr 2026, 16:14