2026.04.10 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንሲኖዶስ ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ፈጹምኩም ኣብ ጎኒ እቶም ኣጽዋር ዝሓዙ ኣይትኹኑ 2026.04.10 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንሲኖዶስ ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ፈጹምኩም ኣብ ጎኒ እቶም ኣጽዋር ዝሓዙ ኣይትኹኑ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንሲኖዶስ ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ፈጹምኩም ኣብ ጎኒ እቶም ኣጽዋር ዝሓዙ ኣይትኹኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓድሽ ፓትሪያርክ ንኽመርጹ ጉባኤ ጳጳሳት ሲኖዶስ ንዘካይዱ ዘለዉ ኣባላት ከቶሊካዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ካቶሊካዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ብስስዐን ጽልእን ዝድረኽ ዘሎ ኢሰብኣዊ ዓመጽ ዝመልኦ ዘመን” ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ታሪኻውን ናይ ሰላም ተልእኾኣ ክትዕቅብ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባላት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ባቕዳድ ንምርጫ ሓድሽ ፓትርያርክ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብሉ እዋን ዕለት 10 ሚያዝያ ንግሆ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ "ክቡር ኣቕለሲያዊ መመያ" ኣብ ዘካይይደሉ እዋን ምስ ከለዳውያን ጳጳሳት ክራኸቡ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፣ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ምመናንን ከለዳዊት ካቶሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ዘለዎም መንፈሳዊ ሓድነት ኣፍልጦ ብምሃብ "ኣብዚ ህሞት እዚ ብጸሎት ይሳተፉ ከም ዘለዉ ርግጸይና እየ ቢሎም ሰላምታኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓዋርያት ሱር ዝሰደደ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካቶሊካዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ናይ ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሱር ኣፍልጦ ብምሃብ፡ እዚ ድማ “ምስ መበገሲ ቦታታት ድሕነት ብቐረባ ዝተኣሳሰር ጥንታውን ፍረ ዘለዎን ትውፊት” ዝውክል ምዃኑ ብምምልካት፡ እዚ ታሪኻዊ ትውፊት እዚ መልእኽቲ ወንጌል ኪኖ ዶባት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማን ኣብ መላእ ዓለምን ዘብጽሐ እዩ ቢሎም፡ ኣብ ምሉእ ዘመናት ዝመሓላለፍ ህያው ዝኽሪ ከም ሓለውቲ ዘለዎም ግደ ኣጒሊሖም፡ “ታሪኽኩም ክቡር እዩ” ዝሓለፎ መንገዲ ድማ ቀሊል ኣይኮነን፡ “ንማሕበረሰባትኩምን ምመናንኩምን ኣብ ብዘላ ዓለም ፋሕ ዝበሉን ውግኣትን ስደትን ጸበባን” ኣጋጢምዎ እዩ፡ እዚ ፈተናታት እዚ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ህሞታት ታሪኽ ብርሃን ናይ እምነት መሰኻኽር ኣለዓዒሉ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ዝተሓላለኸ ግዜ ዝግበር ምርጫ

ኣብዚ ቅነ ፋሲካ ኣብ ዝእከቡሉ እዋን እዚ ናይዚ እዋን ሊጡርጊያ ሓድሽን ዘይተጸበኻዮን ብድሆታት ከጋጥሙን ተስፋ ምቝራጽን ዝብል ፍርሂ ንኽነጽግዎ ዕድመ ዘቕርብ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ነቲ ሓድሽ ፓትርያርክ ዚመርጹሉ ኣኼባ ሲኖዶስ እናሓሰቡ፡ እዚ ምርጫ እዚ ኣብ "ተነቃፍን እተሓላለኸን ደረጃ" እዩ ዚካየድ ዘሎ። ስለዚ ድማ ነቶም ጳጳሳት ብመንፈስ ቅዱስ ኪምርሑን "ምስ ልቢ ክርስቶስ ዚሰማማዕ" ሰብ ኪመርጹን ተላብዮም፡ "እቲ ሓድሽ ፓትርያርክ ልዕሊ ዅሉ ብእምነት ኣቦን ምልክት ሕብረት ምስ ኩሉን ኣብ መንጎ ዅሉን ክኸውን ኣለዎ - ቢሎም - ብመሰረት ወንጌል ዝነብር ህይወት "ጸረ - ዋሕዚ ባህልን ሓድሓደ ግዜ እውን ዘይውጽኢታዊ እንተመሰለ" ከም ሓቂ ግን እዚ ኣነባብራ እዚ ጥበባዊ ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፡ እዚ ኸኣ "ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ እከይን ንሞት ሰዓሪ ስለ ዝኾነ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ዝምረጽ ፓትርያርክ ዝተፈልየ ነገራት ኣብ ክንዲ ዚገብር "ብቕንዕናን ብምሕረትን ብንጽሕና ልብን ዝሓንጽ" መዓልታዊ ቅዱስና ክነብር እዩ ዝጽዋዕ። ተልእኾኡ ናይ ምስማዕን ናይ ምስዓብን ተልእኾ እዩ ምኽንያቱ "ኣብ ቤተ - ክርስትያን ስልጣን ኵሉ ሳዕ ኣገልግሎት ደኣ እምበር ዕብለላ ኣይኰነን።" ነቶም ኣባላት ሲኖዶስ ድማ ብዓለም ከይታለሉ ሓደራ ምስ በሉ፡ እቲ ፓትርያርክ ነቶም ዘገልግሎም ሰባት ቀረባን ሓቀይናን መራሒ ክኸውን ከም ዘለዎ ሓቢሮም፡ ንብድሆታት ብተስፋን ብክውንነት ክሰግር ዝኽእልን ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

“ኣነ ምሳዅም እየ”

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ባቕዳድ እትርከብ ካቶሊካዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢምዋ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ካብ ዒራቕ ጃምላዊ ስደት ክርስትያን ካብቲ ገዛእ ርእሱ እስላምዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ሓይሊ መጥቃዕትታት ከምኡውን ነቲ ፓትርያርክ ዘለዎ ግደ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምሃብ ዝሰረዘን ነዝን ካልእን ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ "ሓላፍነት ህሉውነት" ከም ዝድግፉ ገሊጾም፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ኣብ ጎድኖም ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም፣ እዚ ፈተናታት እዚ "ነቶም ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ዝመጹ ክርስትያን እውን ከይተረፈ ብእምነት ብሩህን ብሕብረት እተደረኸን ምላሽ ኪህቡ" ዚጽውዖም ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ጎኒ እቶም ኣጽዋር ዝሓዙ ፈጺምካ ዘይምዃን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካቶሊካዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ፓትርያርካት ኣበርክቶኦም ብምግንዛብ፡ ካብ 2013 ክሳብ መጋቢት 2026 ዓ.ም. ንብረት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሕዳር ትኩርን ግሉጽን ኩን፤ ሕንጸት ካህናት ሕመረት ብምግባር ምድጋፍ፤ ነቲ ዘይንገር ውህበት ተኣዛዝነትን ንጽሕናን ምዕቃብ፤ ከምኡ’ውን ንዓለማውያን ምእመናን ኣሰንይዎም እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ንኣባላት ከለዳዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "ኣብዛ ብስስዐን ጽልእን ዝተደረኸ ኣብተን ድሕነት ዝረኣየለን ዘለዋ ሃገራት ብጭካነ ዝዝርጋሕ ዘሎ ዘይረብሕን ኢሰብኣውን ዓመጻ ዝመልኣ ዓለም ምልክት ተስፋ ኩኑ" እንክብሉ ብምዝኽካር፡ ይኹን እምበር ካብ ህይወት እቶም ጽጉማትን ቈልዑን ኣባይቲ ስድራን ንላዕሊ ዜገድስ ነገር የልቦን፣ "ደም ንጹሃን ምፍሳስ ምኽንያታዊ ኪገብሮ ዝኽእል መርትዖ የልቦን። ብስም ኢየሱስ "ደኺመ ኸይበሉኩም ንሰላም እትዓዩ" ኹን። "ኣብ ጐድኒ እቶም ትማሊ ሰይፊ እተዓጥቁን ሎሚ ቦምባታት ዝፈነዉን ፈጺምኩም ኣይትኹኑ" እንክብሉ ብዘቕረብዎ ምሕጽንታ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን
11 Apr 2026, 16:50