ካመሩን፡ ራብዓይ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣፍሪቃ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ሽግር ኣብ ዝመልኦ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ካሜሩን እትርከብ ከተማ ባመንዳ ዑደት የካይዱ።
ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ካብቶም ውሑዳት ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረቡ ካሜሩናውያን ዝኾኑ ጉጅለታት ዓመጽቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን እታ ሃገር ፍልይቲ ግዝኣት ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፈተነ፡ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ሓይልታት መንግስቲ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።
ምቕታልን ዕንወትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ባመንዳ ምስ በጽሑ ምስ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ባህልታትን ናይቲ ከባቢ ምሕደራን ዝርከብዎም መራሕቲ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኣሳቲፉ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ ዝተኻየደ ንሰላም እተወፈየ ርክብ ተሳቲፎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ጐይቶት ውግእ፡ ንምዕናውን ኩሉ ንምጥፋእን ሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዝኣክል ዘይፈልይጡ ተመሲሎም ይነብሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዳግማይ ንምህናጽ ምሉእ ዕድመ እኹል ኣይኮነን - ቢሎም - ቢልዮናት ዶላራት ኣብ ቅትለትን ዕንወትን ይውዕል፡ ገና ግን ንሕውየት፡ ትምህርትን ምሕዳስን ዘድሊ ጸጋታት ግን ኣይረኽቡን፡ የዒንቶም ይዕምቱ!” ኣብ መላእ ዓለም ብዘለዋ ማዕከናት ዜና ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ “ዓለም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጃንዳታት ትዕፈን ከም ዘላ ዝሕብር እዩ እንክብሉ የጒልሑ።
ሓድሽ ተኽእሎታት
ቅልውላው ተጠቐምቲ ቋንቋ እንግሊዘይና ካሜሩን ኣብ 2016 ዝተላዕለ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ዝተገብረ ኩሉ ፈተነታት ድማ ከም ዝፈሸለን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባመንዳ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ዘስምዕዎ ስብከት፡ እቲ ኩነታት “ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕን ረዳኢ ኣልቦነትን” ከስዕብ ዝኽእል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ህዝቢ ካሜሩን ንሰላማዊ መጻኢ ዘለዋ ተስፋ፡ ብልሽውና፡ ድኽነትን ስደትን ሓዊሱ ብዘጋጠመ ጸገማት "ብቐጻሊ ተስፋ ቆሪጹ" ከምዘሎ ኣጒሊሖም፡ ይኹን እምበር “ቃል ጐይታ ሓድሽ ተኽእሎታት ይኸፍት ... ንልብና ከነቓቕሕ፣ ነቲ ንቡር መስርሕ ፍጻመታት ክብድህን ዓቕሚ ኣለዎ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ናይ ለውጢ ግዜ በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ናይ ለውጢ ግዚ “ሎሚ እምበር ንጽባሕ ኣይኮነን፡ ሕጂ እምበር ኣብ መጻኢ ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣
ንቕድሚት ምጉዓዝ
ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ኣረሜናዊ ግጭት፡ ነበርቲ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ካሜሩን፡ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓቂ ንሰላም መንገዲ ክኸፍት ከምዝኽእል ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።
ኣብ ዓቀለሲያዊ ዞባ ባመንዳ ሃገረ ስብከት ቡወኣ ጳጳስ ሚካኤል ቢቢ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ካሜሩን ተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዘይና ንኽግንጻል ዝዋጋእ ሓይሊ ንኽብሪ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተኹሲ ከምዝኣወጀ ኣመልኪቶም - እዚ ድማ ንፈለማ ግዜ ዝተገብረ ውሳኔ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ሕጂ እቲ ዘድሊ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት “ተኣኪቦም፡ ነቲ ዘሎ ብድሆ ሰጊርና ብኽመይ ንቕድሚት ክንጓዓዝ ኣሎና እክብሉ ክሓቱ ይግባእ ኢሎም።
