ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባመንዳ፡ 'ሃይማኖት ንወተሃደራዊ ይኹን ንፖለቲካዊ ረብሓ ዝምዝምዝ ወይልኡ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ባመንዳ ካሜሩን ንሰላም ኣብ ዝተወፈየ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "ንምጥፋእን ኩሉ ንምዕናውን ሓንቲ ህሞት ጥራይ እዩ ዝወስድ፡ ዳግማይ ንምህናጽ ግን መብዛሕቲኡ ግዜ ምሉእ ዕድመ እውን ኣይኣክእልን" ንዝብል ሓቂ ኣፍልጦ ዘይህቡ ተመሲሎም ኣብ ኣጽዋር ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንዘብ ዘውጽኡ፡ ሰባት ንኽሕውዩ ግን ዋላ ሓንቲ ዘይውፍዩ "ጎይቶት ውግእ" የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ንሰላም እተወፈየ ጉባኤ ድሕሪ ዝቐረበ ምስክርነት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ድምጾም ኣብቲ ዝቐረበ ምስክርነት ኣሕቢሮም፡ እቲ ማሕበረሰብ ዘሕለፎ "ተመክሮ ህያው ስቓይ" ብቐጻሊ ኣብ ህላወ ኣምላኽ ንዘለዎም እምነት ብኸመይ ከም ዘደልደሎ ኣጕሊሖም፡ ነቲ ሊቀ ጳጳሳት ፉዋንያ ካብ ነብዪ ኢሳይያስ ምዕ. 52.7 “እቲ ብስራት ዘበስር፡ ሰላም ዝነግር፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዝነግር፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እያተን” ዝብላ ጠቒሶም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ብምስትውዓል፡ ኣእግር እቲ ማሕበረሰብ ክንደይ ጽብቛት እያተን - ቢሎም - እቲ ዘጋጥሞም ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ ኣእጋሮም ናብ ርሑቕ ክጓዓዛን ከምኡ እውን ኣብ መገዲ ሰናይ ህልዋን” ምዃኖም ብምዝኽካር" እታ ከተማን ህዝባን ንዝገበረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም - ኣነ "ሰላም ክእውጅ እየ መጺአ - ህዝቢ ባሜንዳ መልእኽቲ ሰላም ይእውጅ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣኽራን ኣትርከብ ከተማ

ቅዱስነቶም እቲ ንካሜሩን ዝጸሉ ቅልውላው (ኣብ መንጎ ግንባር ንሓርነትን መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ዕጥቃዊ ግጭት) ንማሕበረሰባት ክርስትያንን ኣስላምን ንሓድ ሕዶም ንኽቀራረቡ ከም ዝድርኾምን ገሊጾም፡ "ብሓቂ መራሕቲ ሃይማኖትኩም ተኣኪቦም ምንቅስቓስ ሰላም ኣቝይሞም በዚ ኣቢሎም ድማ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ወገናት ክሽምግሉ ይደልዩ - እዚ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ክግበር ከም ዝኽእል ድማ ዘለዎም ተስፋን ድሌትን ገሊጾም። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ "ንሃይማኖትን ንስም ኣምላኽን ንወተሃደራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ረብሓኦም ኢሎም ነቲ ቕዱስ ናብ ጸልማትን እከይን ንዝስሕቡ" ሰባት ኣጠንቂቖም፡ ህዝቢ ባመንዳ እዚ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት እናሃለወ ኽነሱ ዘለዎም ናይ ፍትሒ ጥሜትን ጽምእን ብርሃን ዓለም ይገብሮም። "ባሜንዳ ሎሚ ኣብ የዒንቲ ዅላቶም እተንጸባርቕ ከተማ እያ" -  ተስፋ ኣይትቝረጹ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንምጥፋእ ሓደ ደቒቕ ጥራይ እዩ ዝኣክል

ነተን ብፍላይ ድማ ብዓመጽ ንዝተጎድኡ ውልቀሰባት ዝከናኸና ምእመናንን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን እናሓሰቡ፡ ስለ’ቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቓልቦ ዘይግበረሉን ሓደገይናን ዕዮኦም ኣመስጊኖም፡ እቶም "ጐይቶት ውግእ" "ንምጥፋእ ሓንቲ ደቒቕ ጥራይ ዚወስድ እኳ እንተ ዀነ ዳግማይ ንምህንጻ መብዛሕቲኡ ግዜ ግና ምሉእ ዕድመ ሕይወት እኹል ከም ዘይከውን” ዘይፈልጡ ተመሲሎም ዝነብሩ ስለምንታይ?  እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ነቲ ኣብ ቅትለትን ዕንወትን ዝወጽእ ብቢልዮናት ዝቝጸር ሃብቲ ገንዘብ ዕሽሽ ይብልዎ - ንውግእ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ይርከብ ንምሕዋይን ትምህርትን ንሕዳሴን ዘድሊ ሃብቲ ገንዘብ ግን ኣይርከብን” እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ እቶም ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸጋታት ዘውጽኡ ሰባት ብግዲኦም ነቲ ዝረኽብዎ ገንዘብ ነጽዋር የውዕልዎ፡ እዚ ድማ "መወዳእታ ዘይብሉ ዘይምርግጋእን ሞትን ክቕጽል ይገብር - እዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ኣብ ተገላቢጦሽ ኸም ዘላ ኣመልኪቶም፡ ኵሉ ሰብ ከኣ ነዚ ምዝመዛ ፍጥረት ኣምላኽ ኪዅንኖን ኪነጽጎን ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና "ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ናብ ሰብኣዊ ሕውነት ሃብታም ዘላቕነት መገዲ ዚመርሓና ወሳኒ ለውጢ ናይ ሓቂ ምልዋጥ" ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዛ ዓለም እዚኣ "ብውሑዳት ዓብለልት ትጠፍእ ኣላ ግናኸ ብብዙሓት ዚድግፉ ኣሕዋትን ኣሓትን ትእለይ ኣላ።"

ሰላም ኪመሃዝ ዘለዎ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ንብጻይና ኸም ሓውና ወይ ሓብትና ጌርና ኽንሓቝፎ ኸእንኮለና እንረኽቦ ህያብ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ስድራ ቤት እንመርጾ ነገር ዘይኰነስ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ቤት ብሓባር ክንነብር እንኮለና ክንቅበሎ ዘሎና ህያብ እዩ” ምስ በሉ፡ ኣብ መደምደምታ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወንጌልዊ ሓሴት - Evangelii Gaudium ብዝብል ኣርኣስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ፍቕዲ 273፡ "ኣብ ልቢ ህዝቢ ናይ ምዃን ተልእኾይ ክፍሊ ህይወተይ ጥራይ ኣይኰነን . . . ስለዚ እየ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎኹ" ዝበልዎ ጠቒሶም፡ ናብ ባሜንዳ ብተመሳሳሊ ልብን ተልእኾን ከም ዝመጹ ኣብሪሆም፡ ስለዚ ንነፍሲ ወከፍና ክፍሊ ናይቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጸዋዕታ ብሓባር ብምጉዓዝ ኣብቲ ዓው ዓው ዘይብል ሰውራ ክንሳተፍ ንሓድ ሕድና ኣብ ናይ ምፍቃር ተልእኾ ብጭቡጥ ክንስጉም ጻውዒት ኣቕሪቦም። "ከምቲ ኢማም ማእከላይ መስጊድ ባሜንዳ ዝበልዎ እዚ ቅልውላው እዚ ናብ ሃይማኖታዊ ኲናት ከይቕየር ንሓድሕድና ኽንፋቐር እንጽዕር ብምዃና ብሓቂ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Apr 2026, 16:11