ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፦ 'ሰረቕቲ' ንሓጐስኩምን ሰላምኩምን ኪሰርቁ ኣይተፍቅዱሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን፣ ኣብ ጐይታ እምነቶም ከሕድሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ በቶም ናብ ስሑት መንገዲ ብምምራሕ ሓጐስና ከጥፍኡ ዝደልዩ 'ሰረቕቲ' ከይንታለሉ ድማ ኣጠንቀቑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጐይታ ካባና ገለ ነገር ኪወስድ ኣይኮነን ዝመጽእ። ኣብ ክንዳኡስ ህይወት ክህበርናን፣ እኳ ደኣ ህይወት ምስ ተረፉ ዝህበና ሕያዋይ ጓሳ ብምዃን ኢዩ ዝመጽእ፣ ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘዕረግዎ ናይ ፍርቲ መዓልቲ ጸሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ ኣተሓሳሲቦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ዝመነ ፋሲካ ንርከብ ስለዘሎና ነቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ቅድሚ ምድጋሞም፣ ንምእመናን ኣዒንቶምን ልቦምን ኣብቲ እምነትን ሓጐስን ዜሕድኣትን ዝህብ ሕያዋይ ጓሳ ኬተኵሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ጓሶትን ሰረቕትን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ነቲ ጐይታናን መድሕናኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ጓሳን ኣፍ ደገ ደምበ ኣባጊዕን ዘመሳሰለሉ ክፍሊ ወንጌል ብምዝካር፣ ነቲ ኣብ መንጎ ጓሳን ሰራቒን ዘሎ ፍልልይ ብምጕላሕ፣ ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተንበብ ናይ ዕለቱ ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ ኢዮም ኣስተንትኖኦም ዘካፈሉ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣካላት ብንጹር ፍልልይ ከም ዘሎ ድማ ይገልጹ - እቲ ጓሳ ምስ ኣባጊዕ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ብኣፍ ደገ ኣቢሉ ይኣቱ፣ እቲ ብኻልእ መገዲ ዚድይብ ከኣ ጕድኣት ከውርድ ዝደሊ ሰራቒ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ክብሉ እውን ኣስተንተኑ።

ብኣንጻሩ ግን ክርስቶስ ኵሉ ሰብ ብምልኣት ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እዩ ዝመጸ እውን በሉ።

ኢየሱስ ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዑ ዝደልየን፣ ይፈልጠናን ይደልየናን እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳና ብዕርክነት ከም ዝዛመድ እውን ኣጕሊሖም። ንሱ ይፈልጠና ኢዩ፣ በብስም ድማ ይጽውዓናን ይመርሓናን፣ ክንጠፍእ ከሎና ድማ ይደልየናን ብለውሃት ይሓልየልና ኢዩ በሉ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንህይወትና ወይ ንናጽነትና ክወስድ ዘይኰነስ፣ ናብ ቅኑዕ መገዲ ክመርሓና ኸም ዝመጽእ እውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ክርስቶስ ንሕልናና ኣብ ክንዲ ዜታልል፣ ይግዳስ ከም ዜብርሆ እውን ኣጕልሑ። ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ንሓጐስና ኣብ ክንዲ ዝጥፍእ ድማ ዓሚቝን ነባርን ሓጐስ ከም ዚህና እውን ገለጹ።

ስለዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ምእመናን ንገዛእ ርእሶም ንዓዑ ኣብ ምውፋይ ክፈርሑ ከም ዘይብሎም ኣረጋገጸሎም፣ ከመይሲ ንሱ ምሉእ ህይወት ኪህበና እምበር ህይወትና ክምንዝዕ ኣይመጽእን እዩ ድማ በሉ።

ንቑሓት ምዃን

ብተመሳሳሊ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ ኣብ ልቦምን ህይወቶምን ብዛዕባ ዝኣቱ ነገራት ክጥንቀቑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

"ትርኢቶም ብዘየገድስ፣ ንናጽነትና ዝዕምጹ ወይ ንክብሪ ደቂ ሰባት ዘየኽብሩ ሰባት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ንኻልኦትን ንህይወትን ብህድኣት ንኸይንርእዮም ዚዓግቱና እምነታትን ኣድልዎታትን፣ ከምኡ ውን ኣሉታዊ ምርጫታት ንኽንገብር ኪመርሓና ዚኽእሉ ግጉይ ሓሳባታት እውን ክኾኑ ይኽእሉ፣ ወይ ከኣ ብውሽጥና ባዶ ኸም እንኸውን ዝገብሩናን፣ ካብ ገዛእ ርእስና ወጻኢ ንኽንነብር ዚድርኸናን ዝገብሩናን ክኹኑ ይኸሉ ኢዮም" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተጺሎም፣ ነቶም "ሃብቲ ምድሪ ብምዝራፍ ደም ንዘኸትል ውግኣት ብምጅማር ወይ ብዝዀነ ይኹን መገዲ እከይ ብምልዕዓል ንነፍሲ ወከፍና ሰላምን ህድኣትን ዝመልኦ መጻኢ ናይ ምርካብ ዕድል ካብ ምስራቕ ሓሊፎም፣ ካልእ ክገብሩ ዘይክእሉ "ሰረቕቲ" ክንርስዖም የብልናን።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ ኣቦና፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ህይወቱ ብመን ክምራሕ ከም ዘለዎ ዝፈቐደሉ ኬስተንትን፣ ካብቲ ኼስሕቶም ዚኽእል ጽልዋታቱ ድማ ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ኣተባብዑ።

ኣብ ጐይታ ተወከሉ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ወንጌል ኣብ ጐይታ ኽንውከል ይጽውዓና ኸም ዘሎ ደጊሞም ኣዘኻኸሩ።

ቅዱስ ኣቦና ደጊሞም፣ "ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይወስድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ብዙሕ ህይወት ዝህብ ሕያዋይ ጓሳ እዩ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዅሎም ምእመናን ኣብ ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ብምፋይ፣ ቅድስቲ ኣዴና ኣብ ጕዕዞና ምሳና ክትጕዓዝ ጸልዮም።

27 Apr 2026, 17:10