ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ መዕበዪ ዘኽታማት ካሜሩን፣ “ዋላ ሓደ ሰብኳ ዝርሳዕ የልቦን!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ያውንደ ዝርከብ መዕበዪ ዘኽታማት ንጉል ዛምባ ዝተሰምየ ምብጻሕ ኣካዶም፣ ነቶም ጸገም ዘጋጠሞም ቈልዑን ንገዛእ ርእሶም ከም ክፍሊ ፈቃር ስድራቤት ገይሮም ክርእዩ ድማ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ መጀመርታ መዓልቲ ንቘልዑን ሰራሕተኛታትን መዕበዪ ዘኽታማት ንጉል ዛምባ በጺሖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፈለማ ነቶም ቈልዑ ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ምሳታቶም ብምርኻቦም ዝተሰምዖም ሓጐስ ገለጹሎም፣ ነቲ መዕበዪ ዘኽታማት ድማ ሓቀይና መንበሪኦም ዝዀነ ቦታ ምዃኑ ገለጹ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣምላኽ ከም ደቁ ገይሩ ኸም ዝቕበሎምን ብፍቕሪ ኸም ዝቐርቦምን ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን  እቶም ቈልዑ ተመሳሳሊ ናይ ህይወት ተመክሮታት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፣ ኣብ መዕበዪ ዘኽታማት ክስምዖም ዝኽእል ናይ ስድራቤት ሓዋህው እውን ኣጕልሑ።

"ኣብዚ ሓቀይና ስድራ ቤት ኢኹም እትምስርቱ" ድማ በልዎም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ኣብ ዙርያ ክርስቶስ እተኣከቡ ብምዃኖም፣ ሓድነቶም ብርታዐ ኸም ዚህቦምን ንጸገማት ህይወት ብሓባር ንኺዋጽኡ ከም ዘኽእሎም ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ንብዙሓት ቈልዑ ዘጋጥሞም ብድሆታት እንተላይ ምጥፋእን ተነጽሎን ምጥርጣርን ዝኣመስሉ ጸገማቶም ኣፍልጦ ሃቡሉ። በዚ ተመኩሮታት እዚ ንመጻኢኦም ከይገልጹ ድማ ኣተባብዕዎም።

"ካብ ቍስልኹም ንዝዓቢ መጻኢ ተጸዊዕኩም ኢኹም" ድማ በልዎም፣ ኣምላኽ ነቶም ዚሳቐዩ ኸም ዝቐርቦምን ንነፍሲ ወከፎም ብብሕቲ ኸም ዝፈልጦምን ድማ ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቘልዑ ፍሉይ ሓልዮት ከም ዘርኣየን፣ ኣብ ማእከል ኣቓልቦኡ ኸም ዘቐመጦምን ድማ ዘከሩ። ሎሚ እውን ክርስቶስ ብተመሳሳሊ ሓልዮትን ፍቕርን ከም ዝርእዮም ነቶም ቈልዑ ኣመልከቱሎም።

ዋላ ሓደ ሰብኳ ኣይርሳዕን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ዝሰፍሐ ሓላፍነት እውን መኪቶምሎም እዮም። ኣብዛ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዘጋጥሞም ዘይምግዳስ ዝመልኦ ዓለም፣ ከም መዕበዪ ዘኽታማት ዝኣመሰሉ ቦታታት ድማ ሰባት ንሓድሕዶም ኪተሓላለዩ ኸም እተጸውዑ ዜዘኻኽር ምዃኑ ገለጹ። "ኣብ ዓብዪ ስድራ ቤት ኣምላኽ ዋላ ሓደ ሰብኳ ጓና ወይ እተረስዐ የልቦን" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ነቶም ኣባኡ ዝረክቡ ቈልዑ ንዝከናኸኑ ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ደናግልን ኣመስገንዎም፣ ንተወፋይነቶምን ተጸምዶኦምን ድማ ነኣድዎ።

ዕዮኦም ጭቡጥ መግለጺ ፍቕሪ ምዃኑን፣ ምሕረት ኣምላኽ ከም ዜንጸባርቕን ድማ ገለጹሎም። ስጋዊ ደገፍ ጥራይ ዘይኰነስ ህላወን መምርሕን ብምሃብ ንቘልዑ ርግኣትን ተስፋን ዘፍርየሎም ምዃኑ እውን ኣገጋገጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ቃል ምዕዳኖም፣ ነቶም ተነቀፍቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ምክንኻን ንክርስቶስ ባዕሉ ምግልጋል ምዃኑ ብምግላጽ፣ ወንጌል ማቴዎስ ጠቒሶም ኣስተንተኑ። ነቶም ኣብ መዕበዪ ዘኽታማት ዚሰርሑ ሰባት ጻዕርታቶም ብጽንዓት ኪቕጽሉ ድማ ኣተባብዕዎም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቶም ቈልዑን ሰራሕተኛታትን ብፍላይ ኣብ ጽንኩር እዋንናት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከተዕቍቦምን ክትድግፎምን ብምጽላይ ናብኣ ብሕድሪ ኣወፈይዎም።

ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ መእለይ ዘኽታማት ናዉንደ
16 Apr 2026, 15:30