ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሳውሪሞ፦ 'እቲ ዝተንስአ ጐይታ ንመገድና የብርህን ይቕድሰናን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ከተማ ሳውሪሞ ኣጐላ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ምእመናን ኣንጎላ ነቲ ኣብ ጕዕዞና ዚመርሓናን ዝቕድሰናን ዝተንስአ ጐይታ ኺስዕቡን፣ "ምእንቲ እቲ ንዘለኣለማዊ ህይወት ዝኸውን ምግቢ እምበር ምእንቲ ዚጠፍእ ምግቢ ከይጽዕሩ" ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ ሳውሪሞ ኣንጎላ ኣብ ሳልሳይ እግሪ ናይቲ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ብምቕጽል ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ "እቲ ዝተንስአ ጐይታ ነቲ ናብ ኣቦ ዝመርሕ መንገዲ የብርሃልና፣ ብሓይሊ መንፈሱ ከኣ ይቕድሰና፣ ምስ ፍቕሩ ተሰማሚዕና ክንርከብ ድማ ንኣነባብራና ምእንቲ ኽንልውጦ ይቕድሰና” ክብሉ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ።

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ተበጃዊናን ሓውናን ኰይና እትመላለስ ህዝቢ ብምዃና፣ እቲ ብስራት ወንጌልን መልእኽቱ ድማ ንጕዕዞና ኸም ዚድግፎ ኣዘኻኺሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ወሲኾም እዚ ጕዕዞ እዚ ኢዩ ድማ "ሎሚ ኣብ መንጐኹም ክርከብ ጌሩኑ ዘሎ" በሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዝለገስዎ ስብከት ኣብዚ ኣንብብ

"ብሓጐስን ጽባቐን እዚ ጕባኤን፣ ብስም ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ሓድነት ብምርካብ፣ ቃል ድሕነት ብዛዕባ እቲ ንጐይታ እንስዕበሉ ድራኸን ዕላማን ከነስተንትን ይሕግዘና፣ ስለዚ እምበር ብኽፉት ልቢ ንስማዕ" ክብሉ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሳውሪሞ
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሳውሪሞ   (@Vatican Media)

ወዲ ኣምላኽ ሰብ ምስ ኰነ ፍቓድ ኣቦኡ ምእንቲ ኺገልጽ ኢሉ ዜደንቕ ተኣምራት ከም ዝገበረ ድማ ዘኪሮም። "ንዕዉራት የዒንቶም ብምኽፋት ንብርሃን ኣብ ጸልማት ኣብርሀ፣ ንጭቁናትን ልሳናት ዓባስን ብምፍታሕ ድማ ድምጺ ኽኖም፣ ንድኻታትን ድኹማትን እንጌራ ብምብዛሕ ጽምኢ ፍትሒ ኣቃልሐ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንተኑ፣ ወሲኾም ድማ "ብዛዕባ እዚ ግብሪ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ንኢየሱስ ኪደሊ ተበገሰ” ክብሉ እውን መስከሩ።

ንክርስቶስ ብቕኑዕ ምኽንያታት ክንደልዮ ኣሎና

እዚ ኸምዚ ኢሉ እኸሎ ቅዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ፣ ጐይታ ንልብና ይጥምት እሞ፣ "ብምስጋና ዲና ወይስ ምእንቲ ጥቕሚ ርእስና ብሕሳብ ወይ ውን ብፍቕሪ እንደልዮ እንተ ዄንና" ይምርምረና።

ጉየታናን መድሕናኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሕዝቢ፣ "ተኣምራት ስለ ዝረኣኹም ኣይኰንኩምን እትደልዩኒ ዘለኹም፣ እንጌራ ስለ ዝጸገብኩም እዩ" (ዮሓ 6፡26) ብምባል፣ እቶም ህዝቢ ንጐይታ "ከም ዕላማ ወሃቢ ኣገልግሎት" ገይሮም ከም ዝርእይዎ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ዝብላዕ እንተ ዘይህቦም ነይሩ ተግባራቱን ትምህርትታቱን ኣይምገደሶምን ነይሩ ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ።

እዚ ኸኣ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ "ሓቀይና እምነት ብማሪታዊ ልምድታት ምስ ዝትካእ እዩ ዚኸውን፣ ኣምላኽ ዝጠቕመና እንተ ዀይኑ ጥራይ ማለት ክሳዕ ዚዀነና ጥራይ ዝድለ ጣኦት ኪኸውን እንከሎ እዩ" በሉ። ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ንክርስቶስ ንምድላይ ግጉይ ድራኸታት ከም ዝነበረን፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ከም ዘሎን ተዘክሮኦም ገለጹ፣ "ብፍላይ  ከም ኣምላኽ ከም ጉሩ  ወይ ከም ጽቡቕ  ዕድል  ጌርካ ምስ ዚርአ ኢዩ" ክብሉ እውን ወሲኾም ኣተሓሳሰቡ።

ነቲ ቕንዕና ዘይብሉ ምንዳይ ኣይነጽጎን እዩ የግዳስ ለውጢ የተባብዕ

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዘይቅኑዕ መንገዲ ምንዳይ እዚ ኣይነጽጎን እዩ፣ የግዳስ ለውጢ ክንገብር ኢዩ ዘተባብዓና።

"ነቶም ህዝቢ ኣይነጸጐምን፣ የግዳስ ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ልብና ዝልዓዓ ኩነት ክንምርምሮ እዩ ዝዕድመና" ብምባል ኣጕልሑ። ኣገልገልትን ዓማዊልን ኣይደልን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ምሉእ ብምሉእ ርእሱ ከወፊ ዝኽእል ሕውነት እዩ ዚደሊ።  ነዚ ፍቕሪ እዚ ብእምነት ምላሽ ንምሃብ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪዛረብ ከሎ ምስማዕ ጥራይ እኹል ኣይኰነን፣ ሓደ ሰብ ንትርጕም ቃላቱ እውን ኪቕበል ኣለዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሳውሪሞ ኣንጐላ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሳውሪሞ ኣንጐላ   (@Vatican Media)

ጉየታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ከም ዝገብር ምርኣይ እውን እኹል ኣይኰነን፣ ሓደ ሰብ ኪስዕቦን ክመስሎን ኢዩ ዘለዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ምልክት ናይቲ እንካፈሎ ናይ ሓባር እንጌራ ፍቓድ እቲ ምእንታና ርእሱ ዝሃበ መድሓና ምስ እንርኢ ጥራይ ኢና ናብ ሓቀይና ርክብ ምስ ኢየሱስ ክንቀርብ እንኽእል። ኣብቲ ግዜ እቲ እቲ ጐይታ ነቶም ህዝቢ ዝሃቦም ቃለ ምዕዳን "ምእንቲ እቲ ዘላኣለማዊ ሕይወት ዝሕብ እንጌራ እምበር ምእንቲ እቲ ተፋኢ ዝኾነ ብልዒ ኣይትጽዓሩ" ዝብል ጻውዒት ኢዩ ዝንበረ።

ኢየሱስ ንዘለኣለም ክነብር ዝገረና መገዲ ኣርኢዩና

ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ንዘልኣለም ሕይወት ዝኸውን እንጌራ ክንደሊ ኸም እንኽእል ይምህረና እዩ።  ስለዚ እቶም ህዝቢ ኻብቲ "ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝህብ እንጌራ ደአ እምበር ግዚያዊ ብልዒ ከም ዘይህቦም" ካብ ክርስቶስ ዝበለጸ ምላሽ ኪረኽቡ ኸለዉ ተገረሙ።

ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ እቲ ኢየሱስ ዝሃበና ውህበት ብዛዕባ ህሉው ኵነታትና ኸም ዜብርህ እውን ኣስተንተኑ።  "ሎሚ ተስፋ ናይ ብዙሓት ሰባት ብዓመጽ ከም ዝጭቆንን፣ ሓያላት ከም ዚምዝምዝምዝዎን፣ ብሃብታማት ከም ዝታለልን ክንርኢ ንኽእል ኢና"።  ልቢ ብዘይፍትሓዊ ተግባር ምስ ተበላሸወ እንጌራ ብዙሓት ሰባት ናይ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ከም ዚኸውን እውን ብሓዘን ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "እዚ እከይ እዚ እናኣጋጠመና ኽነሱ ክርስቶስ ኣውያት ህዝቢ ይሰምዕ፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ብምትንሳእ ከአ፣ ኣብ ኵሉ መከራ ብምጽንናዕ ከምኡውን ኣብ ተልእኾና ብምትብባዕ ንታሪኽና የሐድሶ" ብምባል ኣረጋገጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ቀጺሎም፣ "ከምቲ ንቅዱስ ቍርባን ካብ ምሃብ ዘየቋርጽ ህያው እንጌራ እዩ ታሪኹ እውን መወዳእታ የብሉን" ክብሉ መስከሩ።

ህይወት ዘድሕን እምነት

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ፣ "በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ዝተንስአ ጐይታ፣ ብሓይሊ መንፈሱ ህይወት ይህበና፣ ንመወዳእታ ታሪኽና ማለት ንሞት ድማ የወግዶ። ክርስቶስ ህያው እዩ!  ንሱ መድሓኒና እዩ። እዚ ወንጌል እዚ እዩ ሎሚ ንዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚገብሮም ዘሎ።  እዚ ኸኣ ንሓጢኣት ናብ ይቕሬታ ኸም ዚቕይሮ ዝገብር ብስራት እዩ።  እታ ህይወት እተድሕን እምነት ድማ እዚኣ እያ!” ክብሉ ኣትሪሮም መስከሩ።

ስለዚ ምስክርነት ፋሲካ ብርግጽ ብዛዕባ እቲ ዝተንስአ እተሰቕለ ክርስቶስ ዝምልከት ኢዩ፣ እንተዀነ ግን - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከም ዘመልከትዎ - ብስራት ትንሳኤ፣ ኣባኡ ድምጹ ስለ ዝረክብና ንዓና እውን ዝምልከት ኢዩ።

ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሳውሪሞ
ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሳውሪሞ   (@Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፣ ናብ ዓለም ክንመውት ከም ዘይመጻእና መስከቱ።  "ባሮት ብልሽውና ስጋን ነፍስን ክንከውን ኣይኰንናን እተወለድና" ድሕሪ ቢሎም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ "ኵሉ ዓይነት ጭቈናን ዓመጽን ምዝመዛን ምትላልን ነቲ ልዑል ውህበት ናጽነትና ዝዀነ ትንሳኤ ክርስቶስ ዝነጽግ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾ፣ እዚ ካብ ሞት ሓራ ምውጻእ እዚ ኣብ መወዳእታ መዓልትታት ሕይወትና ጥራይ እንረኽቦ ዘይኰነስ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልታዊ ህይወትና ከም ዝፍጸም ገሊጾም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ውህበት ንምቕባል እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና? ክብሉ ብምሕታት፣ ቅዱስ መጽሓፍ  "በቲ ንሱ ዝለኣኾ ምእንቲ ኽትኣምኑ እዚ ግብሪ ኣምላኽ እዩ" (ዮሓ 6፡29)ይብለና።  “እወ ንእመን!" ድማ በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ "ብሕጊ ጐይታ ዝመላለሱ ሕጉሳት እዮም" ዚብል መዝሙር ዳዊት እውን ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ጳጳሳት ኣንጐላ ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምስ ጳጳሳት ኣንጐላ ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ   (@Vatican Media)

እቲ ኣምላኽ ዝኸፈተልና መገዲ ከቶ ኣይዕጾን እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ፣ ጐይታ ኣብ ጕዕዞና ኸም ዚመርሖናን፣ ነቲ ጥበባዊ መምርሒኡ ኽንስዕብ ከም ዘሎናን ኣጕሊሖም።

"ወንጌል ኣብ ልብኹም ሒዝኩም ኣብ ጸገማትን ተስፋ ቝርጸትን ብትብዓት ክትትበሩ ኢኹም፣ እታ ኣምላኽ ዝኸፈተልና መገዲ ድማ ከቶ ኣይትዕገትን እያ" ክብሉ ድማ ኣተባብዕዎም።

ጐይታ ብመገዱ ምእንቲ ኽንቅጽል ኵሉ ሳዕ ምሳና ኸም ዝመላለስ ኣትሮም ድማ መስከሩ። "ክርስቶስ ባዕሉ ንጕዕዞና ይመርሖን የደልድሎን እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ምእመናን "ተበግሶታት መለኮታዊ ጸጋ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዚፈሪ" ብምዝኽኻር ምስክርነት ሰማእታትን ቅዱሳንን ብምኽታትል፣ መገዲ ተስፋን ዕርቅን ሰላምን ኪስዕቡ ደጊሞም ብምትብባዕ ስብከቶም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሳውሪሞ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሳውሪሞ   (@Vatican Media)
21 Apr 2026, 16:16