ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኪላምባ፦ ኢየሱስ ምስ ቤተ-ክርስትያን ኣንጎላ ይጕዓዝ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ክፍለ ከተማ ሉዋንዳ፣ ኪላምባ ኣብ እተሰምየ ከባቢ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ህያው ኮይኑ ከም ዝተንስአን ከምኡውን ኣብ ምስ ኣንጎላውያን ከም ዝጕዓዝን ኣትሪሮም መስከሩ፣ ኵሎም ምእመናን ንጐይታን ንህላወኡን ኣብ ማእከሎም እንተ ደአ ተቐቢሎምዎ፣ እቲ ብዙሕ ስቓይ ዝረኣየ ህዝቦም ሕጕስን ሰላማውን መጻኢ ክረኽብ ከም ዝኽእል እውን ኣስተንቲኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሰንበት ዕለት 19 ሚያዝያ 2026 ኣብ ኪላምባ ኣንጎላ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሕለፍዎ ናይ መጀመርታ ምሉእ መዓልትን፣ ነቲ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ናብ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደትን ብምምልካት፣  "ነቲ ቤተ-ክርስትያን እተስተምህሮ እሙናት ኩኑ፣ ብጓሶት ነፍሳትኩም እውን ተኣማመኑ፣ ኣዒንትኹም ድማ ናብቲ ኣብ ቃሉን ኣብ ቅዱስ ቍርባንን ብፍሉይ መገዲ ርእሱ ዝገለጸ ኢየሱስ ኣተኵሩ" ክብሉ ሰበኹ።

ምሉእ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ ስብከት ኣብዚ ኣንብብ

ኣብ ስብከቶም ቅዱስ ኣቦና ብምስጋና ብዝመልአ ልቢ ኣብ ማእከሎም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘእረጉ ብምግላጽ፣ ስለ እዚ ውህበት እዚ ንኣምላኽ ከም ዘመስገንዎን፣ ስለቲ እተገብረሎም ዘሐጕስ ኣቀባብላን ዘለዎም ምስጋና እውን ገለጹ።

ኣንጎላ ጽብቕቲ ግን ከኣ ዝቘሰለት ሃገር

ከም ሥርዓት ላቲን ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት በዓል ትንሳኤ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብቲ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝጸሓፎ ብምስትንታን፣ እቶም ክልተ ኣርድእቲ ኣብ መገዲ ኤማሁስ ከም ምስቲ ዝተንስኣ ክርስቶስ ከም እተራኸቡ ዘከሩ። እዞም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ልቦም ቈሲሉን ሓዚኑን እከሎ፣ ሞት እቲ ዝኣመኑሉን ዝሰዓብዎን ኢየሱስ ምስ ረኣዩ፣ ናብቲ መበቆል ዓዶም ዝኾነ ኤማሁስ ክምለሱ ኻብ የሩሳሌም ወጹ። ኣብ ፈለማ ተስፋ ቆሪጾም እኳ እንተ ነበሩ፣ ጸኒሑ ግና ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም ከም ዘሎን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጐድኖም ተረኺቡ ምስኣታቶም ከም እተጓዕዘን ምስ ፈለጡ እዚ ዅሉ ኩነቶም ተቕርየረ።

ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅድሴ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅድሴ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ነቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ምእመናን ኣብዚ መኽፈቲ ወንጌል እዚ ንታሪኽ ኣንጎላ ብምትሕሓዝ፣ "እዛ ጽብቕቲ ግን ከኣ ዝቘሰለት ሃገር፣ ንተስፋን ሰላምን ሕውነትን እትጠምን እትጸምእን ሃገር" ከም ዝረኣዩ ነገርዎም።

ወሲኾም ድማ ድማ፣ "እቲ ኣብ መገዲ ኣብ መንጎ እቶም ንጐይታኦም ዘጋጠሞ ነገር ብተስፋ ቝርጸት ዝዝክሩ ዝንበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ዝገብርዎ ዝነብሩ ዝርርብ፣ ነቲ ንሃገርኩም ዜንጸባርቕ ስቓይ እዩ ዜዘኻኽረና፦ እዚ ድማ ድሕሪ ጽልእን ምክፍፋልን ዝባኽን ሃብትን ዘጋጠመ ድኽነትን ዘለዎ ነዊሕ ውግእ ሓድሕድን ኢዩ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፣ እዚ ዅሉ ምስ ኣጋጠሞ ሓደ ሰብ፣ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ብስቓይ ዝመልአ ታሪኽ ምስ ጠሓለ፣ ከም ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ክኸውን ብተስፋ ቝርጸት ከም ዝለምስ ኣፍልጦ ሃብሉ። ሓደ ሰብ ብኸመይ ከም ብሓድሽ ከም ዝጅምር ወይ ካባኡ ምውጻእ ዝከኣል እንተ ዀይኑ ስለ ዘይፈልጥ ደኺሙ እዩ ዝተርፍ።

ይኹን እምበር ቅዱስነቶም ነቶም ምእመናን፣ ጐይታ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዚቐርቦም ኣዘኻኸርዎም፣ ኣብቲ ጕዕዞ መገላግልቶም ብምዃን ድማ "ነቲ ዛንታ እንደገና ክርእይዎን፣ ካብ ስቓዮም ሓሊፎም ኪጥምቱን፣ ኣብ መገዲ በይኖም ከም ዘይኰኑን ገና ብኣምላኽ ፍቕሪ ዚነብሩሉ መጻኢ ኸም ዚጽበዮምን ንኺፈልጡ ይሕግዞም" ክብሉ መዓድዎም።

ኣብ ጐንና ይጕዓዝ፣ ከም ብሓድሽ ክንብገስ ድማ ጸጋ ይህበና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ስብከቶም ብምቕጻል፣ "ፍቑራት የዕሩኽተይ፣ እዚ ሎሚ ንዓና እውን ብስራት ጐይታ እዩ" በሉ። ንሱ ህያው እዩ፣ ተንሲኡ ብመገዲ መከራን ምረትን ክንጐዓዝ ከሎና ድማ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ምሳና ይጕዓዝ ኣሎ። ንዕዮኡ ኣፍልጦ ንኽንህበሉ ኣዒንትና ይኸፍተልና፣ ከም ብሓድሽ ክንጅምርን ንመጻኢ እንደገና ንኽንብገስን ድማ ጸጋ ይህበና እዩ" በሉ። እምበኣር እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ እንሆ—ንስኻትኩም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣንጎላ—ከም ብሓድሽ ክንጅምር ኢና፦ በቲ ሓደ ሸነኽ ጐይታ ምሳና ኸም ዝኸይድን ከም ዚድንግጸልናን ርግጸኛታት ምዃን፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ንሱ ዚደልየና ተጸምዶ እዩ።

ቅዱስ ኣቦ ወሲኾም፣ እምበኣር ልዕሊ ዅሉ ኣብቲ ምስ ጐይታ ዘሎና ርክብ፣ ንሱ መጓዕዝትና ምኹኑ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና ክብሉ ገለጹ።

ከምቲ ነቶም ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ዝገበሮ ልብና ኣብ ውሽጥና ኸም ዝነደና ዝገብር ቃሉ ብምስማዕ ንኣምላኽ ከም እንረኽቦ እውን መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ኣንጐላ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅድሴ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ኣንጐላ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅድሴ   (AFP or licensors)

"በዚ ምኽንያት እዚ፣ ነቲ ሓደ ኽፋል መበቈል ባህልኹም እኳ እንተ ዀነ ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞና ዘይሕግዘና ስሒራውን ማሪታዊ ረቛሒታትን ኬደናግረናን ከነተሓዋውሶን ዝከኣል ባህላዊ ሃይማኖታዊነት ኵሉ ሳዕ ከነቕልበሉ ኣሎና" ክብሉ እንው ኣጠንቀቑ።

"ነቲ ቤተ-ክርስትያን እትምህሮ ኣስተምህሮት እሙናት ኩኑ፣ ነቶም ጓሶት ነፍሳትኩም እውን እሙናት ኩኑ፣ ናብቲ ኣብ ቃልን ኣብ ቅዱስ ቍርባንን ብፍሉይ መገዲ ዚግለጽ ኢየሱስ ድማ ኣተኵሩ። ኣብ ክልቲኡ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ኣብ ጥቓና ከም ዝኸይድ ኢና እንርኢ፣ ምስኡ ድማ ሓቢርና ነቲ ኸቢቡና ዘሎ ሞት ሰጊርና ከም ዝተንስአ ድማ ንኣምንን ንነብርን ኢና።"

ቍስሊ ምፍዋስን፣ ተስፋ ኸም ዜለዓዕል ምግባርን

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ፣ በይንና ኸም ዘይኰንና ምፍላትና፣ ንቍስልና ክፍውሶን ተስፋ ንኸነሕድር ክድርኸናን ኸም ዘለዎ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ታሪኽ ሃገርኩም፣ እቲ ገና እትጾርዎ ዘለኹም ጽንኩር ሳዕቤናቱን፣ ማሕበራውን ቍጠባውን ብድሆታትን፣ እተፈላለየ ዓይነት ድኽነትን ኣብ ጐድኒ ህዝባ እትኸይድን ኣውያት ደቃ እትሰምዕን ቤተ-ክርስትያን ክትህሉ ይሓትት። ብብርሃን ቃልን ብመኣዲ ቅዱስ ቍርባንን ነቲ ዝጠፍአ ተስፋ ከተተንስእ እትኽእል ቤተ-ክርስትያን ድማ ኣላትና።"

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቶም ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ እንጌራ ኸም ዝቘረሰ፣ ንቤተ-ክርስትያን ከአ ከማኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ከም ዜድልይዋ መስከሩ።

ሃገረ ኣንጐላ ኣብ ልቦም ህይወቶም ኣሕሊፎም ክህቡ ባህጊ ዘለዎም ጳጳሳትን ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን፣ ምእመናን ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዜድልይዋ እውን ገለጹ።

ተስፋ ዝመልኦ መጻኢ ምህናጽ ይከኣል እዩ

ብጸጋ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣  "ንሕና እውን እዚ ነቲ ሓቂ ዝቕይር እተቘርሰ ህብስቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ከምቲ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ሓደ ጐይታ ሓድነት ዝህበና፣ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን ምዃንና ዘዘኻኽረና፣ ንሕና እውን ነቲ ኣረጊት ምክፍፋል፣ ብንጹር ዝሰገረ ጽልእን ዓመጽን ዘጥፍአ ቍስሊ ብልሽውና ብሓድሽ ባህሊ ፍትሕን ምክፋልን ዘሕዊ ሃገር ክንሃንጽ ንኽእል ኢና።"

"በዚ መገዲ እዚ ጥራይ እዩ፣ ተስፋ ክህሉ ዝኽእል፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝጠፍኡ ብዙሓት መንእሰያት ተስፋ ክህብ ዝኽእል" ብምባል እውን ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንምእመናን እታ ሃገር ንመጻኢ ብተስፋ ኪጥምቱን፣ ተስፋ መጻኢ ኺሃንጹን ብምትብባዕ ስብከቶም ዛዘሙ። "ከምኡ ንምግባር ኣይትፍርሁ! እቲ ምሳኻትኩም ኣብ መገዲ ዚኸይድን ከም እንጌራ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ዚቘርስን ዝተንስአ ኢየሱስ ናይ ትንሳኤኡ መሰኻኽር ክትኰኑን ተዋሳእቲ ሓድሽ ሰብኣውነትን ሓድሽ ሕብረተሰብን ክትኰኑ የተባብዓኩም ኣለኹ" በሉ።

ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ካቶሊካውያን እዛ ሃገር ኣብ ቅርበትን ጸሎትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክተኣማመኑ ከም ዝኽእሉ ኣረጋገጹሎም፣ ከምቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕሪ እተወፈዩ ምዃኖም፣ ቅዱስነቶም እውን ኣብኡ ክውከሉ ከም ዝኽእሉ ተላበውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ኣንጐላ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ኣንጐላ   (ANSA)
20 Apr 2026, 17:17