ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሄርዞግን ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ናይ ሃገረ እስራኤል ርእሰ ብሔር ኢሳቕ ሄርዞግን ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ዓርቢ ንግሆ ዕለት 3 ሚያዝያ ብስልኪ ከም እተራኸቡን እቲ ዝተኻየደ ርክብ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ከቢድ ግጭት መወዳእታ ክግበረሉ ኣብ ዝምልከት ቅውም ሓሳብ ዘተኮረ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓርቢ ንግሆ ዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ናይ ሃገረ እስራኤል ርእሰ ብሔር ኢሳቕ ሄርዞግን ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ናይ ስልኪ ርክብ ከም ዘካየዱን እቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ዘረጋገጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፡ "ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኪብድ ግጭት መወዳእታ ንምግባር፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምርግጋጽ፡ መስመራት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ዳግማይ ምኽፋት ከምዘድሊ” ከም እተሰመረሉ ኣፍሊጡ፡ ከምኡ እውን "ኣብ ኣገዳስነት ምሕላው ሰላማዊ ህዝብን ምኽባር ኣህጉራውን ሰብኣውን ሕግታት ምድንፋዕን” ኣብ ዝብል ሓሳብ እውን ዘተኮረ ምንባሩ የረጋግጽ።
04 Apr 2026, 15:48
