ድለ

ሊጡርጊያ ሕማማት ዘእግዚእነ፡ 'ኢየሱስ ስቅላት ናብ ድሕነት ቀየሮ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ስቕለት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊጡርጊያ ሕማማት ዘእግዚኣነ ከም ዝመርሑን ኣብቲ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ስባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ፡ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፡ ጎይታ ብመገዲ መስቀል ብምጉዓዝ፡ እቲ ዝኸበደ ተኣዛዝነት ከም እተመሃረን እዚ ማለት ድማ ንቲ ኻልእ እውን ከም ጸላኢ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ምፍቃር ከም ዘድሊ ዘረጋግጽ ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ስቕለት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማትን ሞትን ስርዓተ ሊጡርጊያ ከም ዝመርሑን ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዓመት እታ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘይዓርገላ መዓልቲ እውን ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ብሰለስተ ክፋላት ዝቖመ ስርዓተ ሊጡርጊያ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ተብዕል፡ እዚ ድማ ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ብመሰረት ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ብዛዕባ እቲ ናይ ጎይታ ሕማማት ዝነግር ቃል ብዜማ ዝቐርበሉን፤ ኣምልኾ መስቀል፤ ከምኡውን ምቕባል ቅዱስ ቁርባን ዝፍጸመሉ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምእዋጅ ስቅያት፡ ሰባኺ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ስብከት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ናብቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ክምራሕ ፈቐደ

ኣብዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣ ሊጡርጊያ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ከነስተንትን ከም ዝዕድመና ብምዝኽኻር፡ መስቀል ክርስቶስ እቲ ዝለዓለ ምዕራፍ ናይ ሓደ ጉዕዞ ምዃኑ እንተድኣ እምንቶ ዘይብልና ከም ዝተነጸለ ሓቂ፡ ከም ሃንደበታውን ዘይግለጽ ፍጻሜን ክትርድኦ ዘይከኣል ኵነት ኮይኑ ክተርፍ ከም ዝክእል የጠንቅቑ።

ብሓቂ ንሱ ድማ፡ ኢየሱስ ንድምጺ ኣቦ ክሰምዕን ሓንጎፋይ ቢሉ ክቕበሎን ዝተማህረሉ፡ ናብ ዝዓበየ ፍቕሪ ክምራሕ ዝፈቐደሉ ናይ ሕይወት ፍጻሜ ምዃኑ ዘገርም እዩ። ኣብ መዓልትታት ቅድስ ሰሙን - ሰሙነ ሕማማት ሊጡርጊያ ነቲ “መዝሙር ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር” ዝብል፡ ነቢይ ኢሳይያስ ንኣምሳል ናይ ሓደ እግዚኣብሔር ንዓለም ካብ ክፍኣትን ሓጢኣትን ድሕነት ዘምጽኣሉ ናይ ኣገልጋሊ ምስጢር ዝገልጸሉ ግጥማዊ ጽሑፋት ክንሰምዕ ዝመርሓና ምዃኑ ኣባ ፓዞሊኒ ብምምልካት፣ ኣብታ ቀዳመይቲ መዝሙር፡ ጎይታ ከም ኣገልጋሊ፡ “‘ኣዒንቲ ዕዉራት’ ክኸፍትን ‘እሱራት ካብ ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ናብ ብርሃን ክመጹ፡” ግን ከኣ ብትኽክለይና መንገዲ፡ ብዘይ ዓመጽን ዓቢ ለውሃትን ንኸረጋግጾ ከም እተጸውዐ የዘኻኽረና - ቢሎም - እቲ ኣገልጋሊ ኣብ ማእከል ጸልማት ክፍኣት፡ ደላዪ ህይወት ክኸውን ከም ዘለዎ ይኣምን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተልእኾ ክትሓቑፎ ቀሊል ከም ዘይኮነ የስተብህሉ።

እቲ ኩሉ ጻዕሪ ከንቱ ምዃኑ ክስምዓካ ዝገብር ስምዒት

ኣብታ ካልአይቲ መዝሙር፡ ኣገልጋሊ ተልእኾኡ ንምፍጻም ድሕሪ ምጽዓሩ፡ እቲ ዝተዘርአ ሰናይ ፍረ ዝፈሪ ከምዘይመስል ብምሕሳብ፡ ኩሉ ሰናይ ንምግባር ዝገበሮ ጻዕሪ ንኸንቱ ከምዝኾነ ክስምዓካ ዝገብር መሪር ስምዒት የስተማቕር፣ "ውዒሉ ሓዲሩ ንዝዀነ ይኹን ንጐይታ ክስዕቦ ዝመረጸ ሰብ ዝምኮረ ቅልውላው ኢዩ - ኣብ ብዓንኬል ምኻድ: ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘይበጽሕ ዝመስል ብዓይኒ ዝርአ ፍረ ዘየምጽእ ነገር፡ እሙን ናይ ምዃን ስምዒት - ቢሎም - እዚ ኣብ ክውንነት ግን ጦብላሕታ ጥራይ እዩ።

ኣብታ ሳልሰይቲ መዝሙር፡ እቲ ኣገልጋሊ እቶም ኪሕግዙ ዝደልዩ ሰባት ብጽልእን ብቝጥዓን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብዓመጽን ምላሽ ክህቡ ከም ዝደልዩ ይግንዘብ። ይኹን እምበር እቲ ኣገልጋሊ ካብቲ ጐይታ ዝገለጾ መገዲ ከይሃደመ ኣብኡ ይጓዓዝ እክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ራብዓይ መዝሙር ሓደ ዜሰምብድ ነገር ከም ዘጋጠመ ነስተውዕል። "እቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልጋሊ ዚወርድ ዓመጻ ኣዝዩ ኸቢድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ገጹ ስለ ዜበላሽዎ ከተለልዮ ዘይከኣል ይኸውን - ይኹን እምበር በዚ መገዲ እዚ ነቲ እተቐበሎ እከይ ብኽፋእ ከምይምልሰሉ ይመሃር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ መስቀል ብምቕባል ዝሰበሮ መቑሕ

ኢየሱስ ነዘን መዝሙራት እዚኣተን ዝሰመዐን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሕይወቱ ዝነበሮን ብሕይወቱ ዝተርጎሞን ምዃኑ ኣባ ፓዞሊን ብምምልካት፡ ጎይታ ብፍቓድ ኣቦ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን፡ ስቕለቱ ናብ ፍጻሜ ድሕነት ይቕይሮ። ዓለም ምስ እከይ ክትገጥም እንኮላ ክልተ መገድታት ጥራይ ከም እትፈልጥ ብምግላጽ፡ "ነዚ ብቐጻሊ ኣብ ውግእን ምግምምማዕን ኣብቲ ንርክባትና ዜመልክት ቍስሊ ንርእዮ ኢና። ኢየሱስ ነዚ ሰንሰለት ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጋጠሞ መዓተይና ፍጻመታት ሕማማት ብምቕባል ይሰብሮ፣ ስለዚ ብመገዲ መስቀል ብምምልላስ እቲ ዝኸበደ ተኣዛዝነት ተማህረ፣ እዚ ድማ ነቲ ካልእ ጸላኢ እውን እንተኾነ ምፍቃር" ዝብል ተኣዝዞ እዩ።”

ኣንጻር ዋሕዚ ምኻድን ኣብነት ጎይታ ስምዓብን ዝብል ምርጫ

ንደቂ ሰባት ናብ ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ዓለም ክመርሕ ዝኽእል ሓደ ዘራኽብ ቃል ወይ መዝሙር ከም ዝጎደለ ኣጒሊሖም፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ዅነታት እዚ ሓደ ዜገርም ነገር ኪርአ ይከኣል እዩ፣ ገሊኦም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሮም ብንጹር ዚፈልጥዎ ዝተፈልየ ድምጺ ኺሰምዑ ዚመርጹ ስቕ ዝበሉ ብዙሓት ሰባት ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም" ልክዕ ከም ኣገልጋሊ ጐይታ ዚመላለሱ። ዝበለጸ ተግባራት ኣይገብሩን እዮም፣ የግዳስ መዓልቲ መዓልቲ ተንሲኦም ኣብ ህይወቶም ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት ዘገልግል ነገር ክገብሩ ዝፍትኑ እያቶም። እከይ ናይ መወዳእታ ቓል ስለ ዘይብሉን ታሪኽ ብዓመጽ ከም ዘይውዳእን ንኽነስተውዕል ዝግበሩ እያቶም። እዚ ጭፍራ እዚ መዝሙራት እቲ ኣምላኽ ባህ ዘብሎ ኣገልጋሊ መስቀል ኣብ ዝስከመሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዝስማዕ ናብ ጭቡጥ 'ምዕራፍ’ ህይወት ኪትርጕሞ ፍቓደይና ዝዀነ ሰብ ጥራይ ከም ዚጽበ ይምስክር።”

ዓለም ምድሓን የድልያ

ትማሊ ከም ሎሚ ዓለም ካብ ዓመጽ ክፍኣት፡ ካብ ዝቐትል በደል፡ ካብ ዘዋርድ ምግምማዕ ምድሓን ከምዘድልያ ኣባ ፓዞሊኒ ኣስሚሮም፡ “እዚ ድሕነት እዚ ግን ካብ ላዕሊ ኣይወርድን እዩ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ወይ ወተሃደራዊ ውሳኔታት’ውን ክረጋገጽ ኣይክእልን’ዩ፡” እንታይ ደኣ ዓለም ብቐጻሊ በቶም መዝሙር ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ከም ኣገባብ ህይወቶም ክሓቑፍዎ ፍቓደይናታት ብዝኾኑ እያ ትድሕን። እዚ ድማ ጐይታ ኢየሱስ ፍቓድ ኣቦ ብዕቱብ ወሲዱ፡ ክሳብ መወዳእታ ክፍጸሞ ተቐበሎ፡ “ብዝግዕር ኣውያትን ንብዓትን፡ ሎሚ ምሸት ድማ ወሲኹ፡ “ናይ መስቀል ህይወት ንዓና እውን ብሓላፍነት ይወሃበና። "ክንዋጽኣሉ ዘይንኽእል ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ኣጻብዕና ከነመልክተሉ ዝግብኣና ገበነይና ወይ ካብ ምፍቃርን ካብ ምግልጋልን ዚዓግተና ጸላኢ ኸም ዘየለ እንተ ተቐቢልና ብናጻ ኽንቅበሎ ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጎይታ መጋበርያታቱ ክንክውን ይደልየና

ኣብ ክንዳኡስ "እከይ ከይንመልስ ብምምራጽ ኣብ ፈተናታት ብትዕግስቲ ጸልማት ንዅሉ ነገር ዚውሕጦ እኳ እንተ መሰለ ኣብ ሰናይ ብምእማን ንዓለም ድሕነት ከምጽእ ንዝደሊ ጐይታ ኣገልገልቲ ኽንከውን እንኽእል” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልእን ዓመጽን ኣብ ዝመልአ እዋን ስም ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ ንውግእን ውሳነታት ሞትን መመኽነይታ ንምሃብ ኣብ ዚጽውዓሉ እዋን ንሕና ክርስትያን ናብ መስቀል ጐይታ ኽንቀርብ ዝተጸዋዕና ኢና። "'ዝፋን' ህይወትና ንኣገልግሎት ካልኦት እንውፍየሉ ቦታ'ዩ፡ ብዘይ ፍርሕን ብሙሉእ እምነትን ድማ ክንገብሮ ይግባእ። በዚ ኸኣ ንእምነትና ኣጽኒዕና እንተ ሒዝና፡ ግዜና ነቲ ምስጢራዊ ምዕራፍ መስቀል፡ ናይቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ዝልለየሉ ናይ ሓጎስን መከራን መዝሙር ድምጺ ክህብ እዩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊጡርጊያ ሕማማት ዘእግዚእነ፡ 'ኢየሱስ ስቅላት ናብ ድሕነት ቀየሮ
04 Apr 2026, 15:54