ድለ

2026.04.25 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ትምህርቲ ካቶሊካዊ ሃይማኖት መንእሰያት ነቲ ዘይርጉእ ልቢ ክሰምዑ ይምህር 2026.04.25 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ትምህርቲ ካቶሊካዊ ሃይማኖት መንእሰያት ነቲ ዘይርጉእ ልቢ ክሰምዑ ይምህር  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ትምህርቲ ካቶሊካዊ ሃይማኖት መንእሰያት ነቲ ዘይርጉእ ልቢ ክሰምዑ ይምህር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መምህራን ካቶሊካዊ ሃይማኖት ኢጣልያ ብምርኻብ፡ መንእሰያት ነቲ ዘይርጉእ ልቦም ክሰምዑ ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣተባቢዖም፡ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ዓለማዊ ትምህርቲ ከይተረፈ ዓቢ ስነ ትምህርታዊ ዋጋ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ንናይ ኢጣሊያ መምሃራን ሃይማኖት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኢጣልያ መምሃራን ሃይማኖት ዕለት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሳይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እቶም ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ መምሃራን ስርሖም “ጠለብ ዝሓትት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዓው ዓው ዘይብልን ብዙሕ ግምት እውን ዘይወሃቦ እውን እንተመሰለ ብዝኾነ ንዕብየት ብዙሓት ህጻናት ኣዝዩ ኣገዳሲ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምምልካት፡ ደቂ ሰባት ኣብ ልብና ዕረፍቲ ወይ ዕጋበት ዘይብሉ፡ ምስ እግዚኣብሔርን ፍጥረትን ካልኦት ሰባትን ዝምድና ዝናፍቕ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብጽምኢ ደረት ኣልቦ ዝድረኽ ምዃኑ ገሊጾም። “ኣገልግሎትኩም፡ መግለጺ ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን ንሓደስቲ ወለዶታት፡ መንእሰያትን በጽሕታትን ናብቲ መሳጢ ኣጋጣሚ ውሽጣዊ ዘተ ንኽኣትዉ ዝመሃሩሉ መበገሲ እዩ፡ ኣብዚ ድማ መተካእታ ዘይብሉ ባእታ ናይቲ ሎሚ ኣዝዩ ዘድልዮ ትምህርታዊ ምሕዝነት ይፈጥር - ቢሎም - ናይ ካቶሊካዊ ሃይማኖት ስነ ትምህርቲ፡ እምነት ንባህልን ዘመናዊ ሕብረተሰብን ብኸመይ ከም ዝቐረጸ ታሪኻዊ ሓፈሻዊ ትንታነ ስለ ዝህብ፡ ዓሚቝ ባህላዊ ዋጋ የቕርብ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡  ኣስተምህሮታትኩም መንእሰያት ንነብሶም ብዝበለጸ ንኽፈልጡን ስለዚ ድማ ንእምነት ካልኦት እውን ከኽብሩን ኣብ ካቶሊካዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ፡ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ዓውድታት ሃይማኖታዊ መጽናዕትን ዕምቆት ዝምርምር እዩ” እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።

“ንሓድሽ ወለዶታት ንናጽነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኣኽቢርካ፣ ነቲ ብኻልእ ኣገባብ ክርድኦ ዘይክእልን ዘይንጹርን ኮይኑ ክተርፍ ዝኽእል፣ ሓቀይና ዓለማውነት ነቲ ሃይማኖታዊ ሓቂ ዘየግልሎ ምዃኑን ብሓቂ ግን ከም ትምህርታዊ ጸጋ ከመይ ጌርካ ከም እትሕዞ ናይ ምስትውዓል ብቕዓት ክህልዎ ትገብሩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ናይቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ዓውደ ጉባኤ  “ልቢ ንልቢ ይዛረብ” ዝብል መርሕ ቃል ብምስትንታን፡ ንመምህራን ሃይማኖት ካቶሊክ፡ መንእሰያት “ኣብ ክውንነት ድሮ ኣብ ውሽጦም ዝስማዕ ድምጺ” ንኸለልዩ ክሕግዝዎም ተማሕጺኖም፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ድምጺ ምስማዕ ክመሃሩን በቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ድምጽታት ከይደናገሩን መታን - ቢሎም - ትምህርቲ፡ ሰባት ንልቢ ክሰምዑን ውሽጣዊ ናጽነት ንኽረኽቡን ይሕግዝ፡ ስለዚ ድማ እምነትን ምኽንያትን ብሓባር ኮይኖም ናብ ሓቂ ከም ዝመርሕ ምስትውዓል ክህሉ ይገብር” ከም ዝበሉ የመላኽት።

“ሰባት ብዘይ ሓቅን ሓቀይና ትርጉማትን ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም፡ መንእሰያት ድማ፡ ዋላ’ውን ሓድሓደ ግዜ ዘይግደሱ ወይ ዘይስምዖም እንተመሰሉ፡ ብድሕሪ ናይ ርኡይ ዘይምግዳስ ደጋዊ ትርኢት፡ ኣብ ክውንነት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዘጋጥሞም ስም ክህብዎ ከይከኣሉ፡ ነቲ ‘ብዙሕ ዝስምዖም’ን ኣዝዩ ጽዑቕን ዝስምዖም ሰባት ዘይርጉእን ስቓይን ይሓብእዎ። ምስ ተማሃሮ ኣብቲ ናብ ሓቂ ዝወስድ መንገዲ ክጓዓዙ እንከለዉ፡ መምህራን ሃይማኖት ካቶሊክ ዘሰንዩ ብጾት ኮይኖም፡ ውልቃዊ ዕብየት ተማሃሮኦም ከኽብሩ ትዕግስትን ፍቕርን ክህልዎም ተላብዮም፡ ኣብ መደምደምታ ብፍላይ ኣብዚ “መዓታውን ባህ ዘየብልን ብድሆታት” ዝረኣየሉ ዘመንና፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትምህርታዊ ጻዕርታቶም ከም እትድግፎም ኣረጋጊጾም፡

"ሓቂ ብሰባት እያ እትሓልፍ ንተመሃሮኹም ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም ንኣምላኽን ንኣኣቶምን ስለ እተፍቅሩ ክቡራት ዋጋታት ብዘይ ትዕቢት ወይ ፍርዲ ከተመሓላልፉ ከም ብሓድሽ ልዕል ዘብል ኣዒንቲ ኸተቕርቡ ከምኡውን ነቲ ኣዝዩ ሓታቲ ዝኾነ ትሕዝቶ እውን ከይተረፈ ፍቑርን ተፈላጥነትን ዚገብሮ ትሕትናን ጥቡቕ ስኒትን መሰኻኽር ክትኰኑ እተጸዋዕኩም ኢኹም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

25 Apr 2026, 16:45