ውዕሎ ካልኣይ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርያ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ዕለት 14 ሚያዝያ ንግሆ ካብ ኣልጀርስ ናብ ኣናባ ናይ ሓደ ሰዓት ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ብምግባር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንልዕሊ 30 ዓመታት ክሳብ 430 ዝዓረፈሉ ዓመት ጳጳስ ኮይኑ ናብ ዘገልገለላ ስነ ጥንታዊት ከተማ ሂፖ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ብንኣሽቱ ኣሓት ድኻታት ዝምራሕ መዕቆቢ ኣረጋውያን ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ኣብኡ ድማ “ልቢ ኣምላኽ ብውግኣን ዓመጽን በደልን ሓሶትን ይቖስል፡ ከምኡ’ውን “ልቢ ኣቦ ምስ ሰብ እከይን ትዕቢተይናታትን ዕቡያትን ኣይኮነን ከምዝበሉን እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብሓቂ ህድኣት ዝመልኦ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝገልግሉ ደቂ ማሕበሮም ኣጎስጢኖሳውያን እሕዋቶም ናይ ብሕቲ ርክብ ኣካይዶም ኣብኡ ድማ ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶምን ምስ ኣብቆኡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ልዕሊ 1,200 ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን እቲ ቅዳሴ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰባት ዘራኸበ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣስላም ዝበዝሑላ ሃገር ንዝርከብ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ክርስትያን ናይ ቅርበትን ደገፍን ርኡይ ምልክት እውን ምንባሩ የረጋግጽ።
