ድለ

ቀዳማይ ውዕሎ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ንተመሳሳሊ ዑደት ናብ ካሜሩን ከም ዝኸዱን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ቀዳማይ እግሪ ናይ ኣርባዕተ ሃገራት ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ብናይ ስንብታ ስነስርዓት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣልጀርስ ዛዚሞም ዕለት 15 ሚያዝያ ንግሆ ካሜሩን ከም ዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ካሜሩን ክሳብ ዕለት 18 ሚይዝያ ክጸንሑ ምዃኖም የመላኽት።

ምዉቕ ኣቀባብላ

ድሕሪ ሓሙሽተ ሰዓታት ኣቢሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካሜሩን ርእሰ ከተማ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ድህሪ ዝተገብረሎም ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ካሜሩን ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ከም እተራኸቡን ኣብኡ ርእሰ ብሔር ፖል ቢያ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ቅዱሰንቶም መደረ ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ መደረ እዚ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ምኽባርን “ኣብ ፍርሒ፣ ኣብ ምፍርራሕ ወይ ኣብ ኣጽዋር ዘይተመስረተን ዘይተዓጥቀን” ሰላም ክግበርን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ዑደት ኣብ መዕቆቢ ዘኽታማት

ቅዱስ ኣቦና ምስ ሰበ ስልጣን ድሕሪ ምርኻቦም፡ ኣብቲ ብማሕበር ደናግል ደቂ ማርያም ዝመሓደር መዕቆቢ ዘኽታማት ንጋል ዛምባ በጺሖም። እቶም ቆልዑን እተን ደናግልን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሳታቶም ብምህላዎም ዝተሰምዖም ሓጎስ ከም ዝገለጹን፣ ድሕሪ መዝሙርን ቃል ምስክርነትን ቅዱስነቶም ሓጺር መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ርክብ ምስ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ካሜሩን

ቅዱስ ኣቦና ካብ መእለዪ ዘኽታማት ተሰናቢቶም ምስ ናይ ካሜሩን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ሕንጻ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ናይ ካሜሩን ቀዳማይ ውዕሎ ሓዋርያዊ ዑደቶም ከም ዝዛዘሙን ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ  ካሜሩን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ክስዕ ዕለት 18 ሚያዝያ ዝቕጽል ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

16 Apr 2026, 16:10