ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣልጀርያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣርባዕተ ሃገራታ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዕደት ኣልጀርያ ብምእታው ከም ዝጀመሩን ድሕሪ ዝተግብረሎም ወግዓዊ ምዉቕ ኣቀባብላ፡ ምስ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣንን ኣብ መስጊድ ኣልጀርስን ምስ ማሕበረሰብ ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ምስ ማሕበረሰብ ኣልጀሪያን ዘካየድዎ ርክብ ናይ ዕለት 13 ሚያዝያ ቀዳማይ ውዕሎ ሕመረት ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዛዚሞም፣

ዕለት 13 ሚያዝያ ንግሆ ናብ ኣልጀርያ ዝኣተዉ፡ ንመሬት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዳግማይ ብምብጻሕ ሓጎሶም ዝገለጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሮማ ኣብ ዝገበርዎ በረራ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ “ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድልድል የቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሓወልቲ ሰማእታት 'መቃም ኤቻሂድ '

ኣብ ኣልጀርስ ምስ በጽሑ፡ ካብ 1954 ክሳብ 1962 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ንናጽነት ኣልጀርያ ህይወቶም ዝኸፈሉ ሓወልቲ ሰማእታት “ማቃም ኤቻሂድ” ኣብ ዝቖመሉ መካነ ሰማእታት ኣልጀሪያ በጺሖም። ኣብኡ ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ መደረ፡ “መጻኢ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰላም እዩ” እንክብሉ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፡ “ሓቀይና ናጽነት ዝውረስ ጥራይ ዘይኮነስ ዕለታዊ ምርጫ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ምርኻብ

ብድሕሪኡ ንኽብሪ ህዝብን ሃገርን መንግስትን ናብ ቤተ መንግስቲ ርእሰ ብሔር ህዝባዊ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኣልጀርያ ምብጻሕ ኣካይዶም ድሕሪ ዝተካየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ድጃማ ኤል ጃዛየር ናይ ጉባኤ ማእከል ምስ ሰበ ስልጣን ሃገርን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ኣልጀርያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ተራኺቦም ድሕሪ ርእሰ ብሔር ኣልጀርያ ዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ተዋሳእቲ መንግስቲ፡ ኣብ ክንዲ ዘይምርድዳእን ግርጭታትን ምብዛሕ፡ ክብሪ ኩሉ ሰብ ከኽብሩን ብቃንዛ ካልኦት ክትንከፉን ዝፈቕዱ ክኾኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዑደት ዓቢ መስጊድ ኣልጀርስ

ዕለት 13 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዓቢ መስጊድ ኣልጀርስ ሓጺር ዑደት ብምክያድ ብናይ እቲ መስጊድ ዓቢይ ሓለቓ መሓመድ ማሙን ኣል ቃሲሚ ተዓጂቦም ንሓጺር እዋን ናይ ጽሞና ህሞት ብምፍጻም ኣስዒቦም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምኽባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም ብፍላይ ኣልጀርያ ብብዝሒ ኣስላም ዝነብሩላ ሃገር ኮይና፡ ማሕበረሰብ ክርስትያን ንእሽቶ ግን ከኣ ንጡፋት ዝኾኑላ ሃገር ብምዃና፡ እቲ ናብቲ መስጊድ ዝተገብረ ምብጻሕ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምስ ኣውጉስቲናውያን ሚስዮናውያን ኣሓት

ብድሕሪ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብኣጎስጢኖሳውያን ማሕበር ደናግል ዝመሓደር ናይ መአንገድን ህንጸትን ምሕዝነትን ማእከል ዑደት ኣካይዶም። ኣብኡ ድማ ንዝኽሪ እተን ኣብ መንጎ 1994ን 1996ን፡ ኣብ እዋን ኣብቲ ብጹሉም ዓሰርተ ዓመት ዝፍለጥ፡ ኲናት ሓድሕድ ኣልጀርያ፡ ጸላም ዝተቐትላ ገዳማውያን ኣሓት ዘለዎም ኣኽብሮት አቕሪቦም፡ ህይወት እተን ኣሓት ኣብ መንፈሳውነት ኣጎስጢኖሳውያን ብዕምቆት ዝተቐርጸ ሸነኽ ከም ዝገልጽ ኣስተብሂሎም። ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ንጡፍ ህላወኤን ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎተንን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ይዝክር።

ኣብ ባዚሊካ ኣዴና ኣዴና ኣፍሪቃ ጸሎት

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ባዚሊካ እግዚኣትነ  ቅድስተ ማርያም ዘኣፍሪቃ ብምኻድ ምስ ማሕበረሰብ ኣልጀርያ ከም እተራኸቡን፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዝመጹ ሰባት ዘስምዕዎ ምስክርነት ምስ ተሰምዐ እቲ ሓንቲ ኣስላመይቲ ሰበይቲን ሓንቲ ተማሃሪት ጴንጠቆስጠን፣ ከም ክርስትያንን ኣስላምን ብሕውነታዊ መንገዲ ጎኒ ንጎኒ ናይ ምንባር ተመኩሮኦም ከም ዘካፈላን ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ኣብ ማሕበረሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ከይተረፈ ምፍልላይን ውግኣትን ቃንዛን ሞትን ዝዝረኣላ ዘላ ዓለም” “ተመኩሮ ሓድነትን ሰላምን ኣገዳሲ ምልክት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ናብ ዝዓፉሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ብምኻድ ምስ ጳጳስት ኣልጀሪያ ናይ ግሊ ርክብ ብምካያድ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ ሓዋርያዊ ዑደቶም ከም ዝዛዝሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

15 Apr 2026, 16:30