ኣብ ዕለተ ዝኽሪ ዕረፍቲ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኣብ ቤተ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ዝዓረገ መሥዋዕተ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብዚ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቤት ጸሎት ዘሕለፍዎ ናይ ስራሕን ኣኼባታትን ጸሎትን መዓልታዊ መደባት ህይወቶም እነተኵረሉ ግዜ ኣይኰነን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ዚፈትውዋ ርግጸኛ እየ፣ ንሕና እውን ንዓኦ ኸም እንፈትዎ ርግጸኛ እየ። ኣብዛ ቐዳመይቲ ዓመት ዕረፍቶም፣ እንገብሮ መንፈስ ጸሎት ከአ እዚ እዩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ጥቓና ኸም ዘለው ዀይኑ እዩ ዚስምዓና።"
ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣሰርቢ ነዚ ኣብቲ ኣብ ቀዳመይቲ ዝኽሪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስቲ ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዝመርሑ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊጂ ትራቫግሊኖ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘሰናደውዎ ስብከት ዝመስከርዎ ኢዩ ዝንበረ።
ብፁዕ ካርዲናል ኣሰርቢ ኣብ ዝጸሓፍዎ ስብከት ተግባራዊ ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምዃን ዓብዪ ናህሪ ኸም ዝነበሮም ኣዘኻኸሩ።
"ነቲ ኣብ ዝመነ ጵጵስናኦም ዘሕለፍዎ ዓመታት፣ ብሓዋርያዊ ትብዓት ክዝክሮ ጥራይ እየ ዝደሊ፣ ዋላ እውን ኣካላዊ ድሩት እኳ እንተ ነበረ፣ ነቲ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክፍጽሙ ምስ ደለዩ እውን ከይተረፈ ዝገብርዎ ምስክርነት ክዝክር እደሊ እየ።"
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ትራቫግሊኖ ወሲኾም፣ "ሓሳባትና ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎት ማርያም 'ተበቓ ሮማውያን' ኪቕበሩ ዝደለዩሉ ኣብ ብዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ እውን ንብጻሕ፣” ክብሉ ተላበዉ።
ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ፍራንቸስኮ ሎሚ ምሉእ መዓልቲ ተዘኪሩ ውዒሉ።
ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ልክዕ ሰዓት 5 ድሕሪ ቐትሪ ብጸሎተ መቝጸርያ ጀሚሩ፣ ድሕሪኡ ድማ ብብሓለቓ ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሬ ብዝተመርሐ መሥዋእተ ቅድሴ ተዛዚሙ።
