ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ኣልጄርያ፡ ምብጻሕ ናብ ዓቢይ መስጊድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ኣልጄርያ፡ ምብጻሕ ናብ ዓቢይ መስጊድ  (@Vatican Media)

ካርዲናል ኩቫካድ፦ ር. ሊ. ጳጳሳት ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ምብጻሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላ ከምኡውን ኢኳቶሪያል ጊኒ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ክዛዝም ከሎ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስት መንበር ህየንተ ዝኾኑ ካርዲናል ጆርጅ ኩቫካድ፡ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሃይማኖታት ኣብ መንጎ ህዝብታት ፍትሕን ማሕበራዊ ርግኣትን ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባርን ንምህናጽ ተራ ከም ዘለወን ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ዝገበርዎ ኣስተንትኖ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እቲ ምስ ካልኦት ሃይማኖታውያን ኣካላት ዝገበርዎ ርክብ ኣብ ኣልጀርያን ካሜሩንን ብፍላይ፡  ኣብ ኣንጎላን ኢኳቶሪያል ጊኒን ከኣ ኣብቲ ንሰበ-ስልጣን መንግስትን ዲፕሎማስያውያን ኣካላትን ኣብ ዘቕረብዎ ዝርርብ ፍሉይ ኣገዳስነት ነይርዎ።

ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዝርርብ ናብ ሰላምን ዕርቅን ማሕበራዊ ርግኣትን ዝመርሕ ፍሉይ መገዲ ምዃኑ ገሊጾም። ደረጃታት እቲ ጕዕዞ ብሓንሳእ ተደሚሩ፡ እቲ ምሳልያዊ ምልክታትን ቃላትን፡ ኣብ ሓደ ስነ-መለኮታውን ጕስነታውን ኣረኣእያ ዚራኸቡሉ፡ ናብ ሓድነት ዜምጽእ መገዲ ኢዩ ዜንጸባርቕ።

ኣብ ኣልጀርያ እቲ ጕዕዞ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ናብ ህንጸት ድልድላትን ዕርቅን ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "በቲ ኸነመሓላልፎ እንደሊ ሓደ ድምጽን፡ ተመሳሳሊ መልእኽትን፡ ንዅሉ ሰብ ሰላምን፡ ዕርቅን፡ ሰብኣዊ ክብሪን ሓልዮትን ከም ዘድልዮ፡ ብሓቂ ክንሰርሓሉን ከነዕብዮን ኢዩ፣ " ብምባል ንቅዱስ ኣጐስጢኖስ "ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተ ኣዝዩ ኣገዳሲ ድልድል" ክብሉ ጠቒሶምዎ።

ኣብ ኣልጀርስ ንዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ሕዝቢ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ድማ "ኣብ ሰማያት ሓደ ኣቦ ኣሎና እሞ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና" ብምባል ንኣድማሳዊ ሕውነት ከም ዓንዲ ማእከል ኣቐሚጥዎ። እዚ ከኣ እምነት ናብ ፍትሕን፡ ሓድነትን ሰላምን ክወስድ ዝኽእል መሰረታዊ መራኸቢ ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ።

እዚ ኣንፈት እዚ ኣብቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብፍላይ ከኣ ናብቲ ዓብዪ መስጊድ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ "ክብሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ" ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብኡ ከኣ "ብስኒት ክንነብርን ሰላም ዝመልኣ ዓለም ክንሃንጽን ምእንቲ፡ ንሓድሕድና ምክብባር ክንመሃር ንኽእል ኢና" ክብሉ ገሊጾም። እቲ ኣብ ናይ ክብሪ መጽሓፍ ዝሓደግዎ መልእኽቲ ከኣ "ምሕረት እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ንኽቡር ሕዝቢ ኣልጀርያን፡ ንብምሉኦም ደቂ ሰብን ብሰላምን ናጽነትን ይሐልዎም" ዝብል ኢዩ። እዚ ከኣ ነዚ ኣድማሳዊ ራእይ እዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጾ።

ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም እኖ ኣፍሪቃ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት፡ “እምነት ክፉታት ከም እንኸውን ኢዩ ዝገብር እምበር ኣይንጽለናን ኢዩ፣ የሕብረና እምበር ሕንፍሽፍሽ ኣይፈጥርን ኢዩ፣ ከይሓዋወሰ ከኣ ከም እንቐራረብ ኢዩ ዝገብር” ብምባል ንዘተ ብጭቡጥ ኣገባብ ከም ናይ መዓልታዊ ኵነት ገይሮም ክገልጽዎ ተረኺቦም።

ኣብ መወዳእታ ናብ ኣናባ ንዝገበርዎ ጕዕዞ እቲ ናይ ኣጐስጢኖሳዊ ኣረኣእያ ማለት እቲ ንእግዚአብሔር ምድላይ ሰላምን ፍቕርን ኣብ ምህናጽ ስለ ዝሕግዝ ነቲ ጕዕዞ ዓሚቝ መንፈሳዊ ስፍሓት ከም ዝህልዎ ገይርዎ፦ "ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን... ንሰባት በቲ ንዅሉ ሰብ ናብ ፍቕሪ ዚጽውዕ ፍጹም ፍትሒ ናብ ሓድነት የብጽሖም” ክብሉ ውን ገሊጾም።

ኣብ ካሜሩን ናብ ሃይማኖታዊ ግጭት ዘይተቐየረ ኣብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ዝዛረቡ ክፋል ዘሎ ናይ ቅልውላው ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃይማኖታት በቲ "መርዚ ጥሩፍነት" ኣብ ዘይጠዋወዩሉ እዋን፡ ኣወንታዊ ግደ ከም ዘለወን ብንጹር ኣጕልሖም።

ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ድማ ኵሉ ሰብ "ነቲ ዕጥቂ ዘፍቲሕ ዕጥቂ ዘይብሉ ሰላም" ንምሕቛፍ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ዓመጽን ኵናትን ስነ-ሓሳብ ክነጽግ ብምጽዋዕ፡ ግጭታት ኣብ ምክልኻል ሃገራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ህሞት ድማ ኣብ ባመንዳ ዝተገብረ ኣኼባ ኢዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ድማ ክርስትያንን፡ እስላምን ባህላውያን መራሕትን፡ ብዛዕባ ሓቢርካ ምንባር ጭቡጥ ምስክርነት ኣቕሪቦም።

ከምቲ ኢማም ዝበሎ "እዚ ቅልውላው እዚ ናብ ሃይማኖታዊ ውግእ ስለ ዘይተቐየረ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና..." ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እቲ ምእንቲ ሰላም ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ "ንመላእ ዓለም ኣርኣያ" ከም ዝኾነ ብምጥቓስ፡ ነቶም ንሃይማኖት ምእንቲ ግላዊ ረብሓኦም ዝጠዋውይዎ ኣጠንቒቆም። እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ካብ ሓባራዊ ናይ ታሪኽ ስቓይ ብኸመይ ከም ዚለዓልን፡ ናብ መገዲ ዕርቂ ኪቕየርን ከም ዚኽእል ዜርኢ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተወከልቲ እስላምን፡ ጳጳሳትን ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባታት፡ ሰላም ንምህናጽ ሓባራዊ ሓላፍነትን፡ ውሽጣዊ ፍልልይ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባት ኣፍልጦ ንምሃብ ዘኽእል ክውንነታዊ ዝርርብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛሪቦም።

ኣብ ኣንጎላ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዲፕሎማስያውያን ኣካላት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ነቲ ዘሎ ግጭታትን ምክፍፋልን ኣብ ግምት ብምግባር፡ ንመልእኽቶም ናብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኢዮም ኣመሓላሊፎም።

"ኣፍሪቃ ብህጹጽ ነቲ ብቀጻሊ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ግጭትን፡ ጽልእን ኩነታት ክትሰግሮ ኣለዋ፣ እዚ ከኣ ሕይወት ኣብ ዘተ ጥራይ ኢያ እትዕምብብ። ዘተ እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ኢዩ" ክብሉ ገሊጾም።

ኣብዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ ዘተን ሰላምን ዝርኢ ትምህርቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብምዝካር ቀጻልነቱ ኣጕሊሖም።

ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ኣተኵሮ ብምግባር፡ ብዛዕባ ምኵስኳስ ሕልናን፡ ማእከልነት ናይ ሓባራዊ ረብሓን መግለጺ ሂቦም።

"ኣብዛ ብትዕቢት ዝቘሰለት ዓለም፡ ሰባት ንፍትሒ ይጠምዩን ይጸምኡን ኣለዉ" ብምባል ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ኣቕረቡ፣ "ሎሚ እውን እንተኾነ ንናይ ተነጽሎን ዘይምዕሩይን ቝጠባ 'ኣይከውንን' ክንብል ኣሎና። ምኽንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ቝጠባ ቀታሊ ኢዩ" ክብሉ ኣስሚሮምሉ።

ኣብቲ ሓፈሻዊ ገምጋም ክርአ እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቲ “ኣድማሳዊ ሕውነትን” ክብሪ ናይ ኵሎም ደቂ ሰባትን ብዝርኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንዝገደፍዎ ውርሻ ብግልጺ ዘኪሮሞ ኢዮም።  

ስለዚ ብምሉኡ እቲ ጕዕዞ ብዝተፈላለየ መገዲ ተመሳሳሊ ኣርእስትታት ከም ዘለዎ የርኢ።

እዚ ከኣ ሕውነት መሰረት ሓባራዊ ምንባር ከም ዝኾነን፡ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ንዝገብር ምዅናንን፡  መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ ዘለዎም ወሳኒ ግደን የጠቓልል።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝንበር ተመክሮታት እተገለለ ፍጻመታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘመናዊት ዓለም ኣብ መንጎ ህዝብታት ክህሉ ዘለዎ፡ ሰላምን፡ ፍትሕን፡ ርጉእ ሓባራዊ ምንባርን፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ንምድንፋዕ ከም ስሙርን ጭቡጥን ሓሳብ ኰይኑ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ።

 

ብካርዲናል ጆርጅ ጀይ. ኩቫካድ

 

24 Apr 2026, 11:43