ድለ

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ - ቅዳሴ ኣብ ስታድዩም ማላቦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ - ቅዳሴ ኣብ ስታድዩም ማላቦ   (@Vatican Media)

ካርዲናል ኣምቦንጎ፦ ር. ሊ. ጳጳሳት ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ምብጻሕ ሰብኣዊ ክብሪ ዝድንፍዕ ኢዩ

ኣብ መደምደምታ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፡ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ ጳጳሳት ኪንሻሳን፡ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን፡ ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ ሓበንን፡ ተስፋን፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያን ከም ዝተሰምዖም ገሊጾም፤ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከኣ ትንቢታዊ ምዃኑን፡ ንሕልና እቶም ኣብ ኣህጉር ስልጣን ዘለዎም ሰባት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ መንእሰያት ንኽሓስቡ ጻውዒት ዘቕረበ ምዃኑን ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ምርጫ እተን ዝተበጽሓ ሃገራት ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝተፈላለየ ብድሆታት ዘንጸባርቕ ኢዩ - ኣብ ኣልጀርያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፣ ኣብ ካሜሩን ሰላም ምድላይ፡ ኣብ ኣንጎላን ኢኳቶሪያል ጊኒን ከኣ ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብቲ ንኽግበር ዝቐረበ ጻውዒት ኢዩ።

ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ ሜትሮጶሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ኪንሻሳን፡ ኣቦ መንበር ሕብረት ጉባኤ ጳጳሳት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ ኣገዳስነት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ርእሲ እዚውን ካርዲናል በሱንጉ ኣገዳስነት እቲ ቅዱስ ኣቦና ንፖለቲካውያን መራሕቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት እውን መብርሂ ሂቦም፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሃገሮም ምቹእ መነባብሮ ብምፍጣር ንዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኪቈጻጸርዎ ንዝተማሕጸንዎም ዝርኢ ኣጕሊሖም።

ብፁዕነቶም፡ ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ ጕዕዞ ብኸመይ ምገምጋምኩሞ?

ብስም ኵሎም ህዝብታት ኣፍሪቃ ሕጉስ ኢየ፡ ዕጉብ ኢየ። ንዓና ምንጪ ሓበን ኢዩ፣ ግን ከኣ ዓቢ ሓላፍነት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ናይ ጽባሕ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ ክትተሓባበር ኢያ ማት ኢዩ፣ እዚ ድማ ክንቅበሎ ዘሎና ሓላፍነት ኢዩ።

ካልኣይ ምርጫ እተን ኣርባዕተ ሃገራት ምጕላሕ ኣገዳሲ ኢዩ። እታ ቐዳመይቲ እስላም ዝበዝሕዋ ካብ ሃገራት ዓረብ ኢያ፣ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናጽነት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ክርስትያን መልእኽቲ ተቐቢላ። ብድሕሪኡ ቅዱስነቶም ናብ ካሜሩን በጺሖም፣ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ሰላምን ብስኒት ብሓባር ምንባርን ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እተን ዝተረፋ ክልተ ሃብታማት ሃገራት ኢየን፣ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ኣብ ኣድላይነት ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብቲ ማለት ባህርያዊ ሃብቲ ንረብሓ ኵሎም ኢዩ ኣብ ዝብል ዘተኰረ ኢዩ።

ንዓና ንኣፍሪቃውያን ካቶሊካውያን ኣመንቲ፡ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ እምነትና ንምዕማቝን፡ ከም ካቶሊካውያን ንመንነትና ምርዳእን ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን። ምስ ካልኦት ቅድሚ ምዝርራብና መጀመርያ ንገዛእ ርእስና ክንፈልጥ ኣሎና። ንቤተ-ክርስትያን እቲ ቀንዲ መልእኽቲ እዚ ኢዩ፦ ንሱ ከኣ ንካቶሊካዊ መንነትና ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ። ኣብ እዋን ጕዕዞ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሉ መዳያት ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ በጺሖሞ ኢዮም፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ዜተባብዕ ኰይኑ ረኺበዮ።

ብማሕበራዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ሰላምን ፍትሕን ጽቡቕ ምምሕደራን ጽቂጦም መግለጺ ሂቦም። እዚ ንዅለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ዝምልከት ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነታ ቋንቋ ዓረብ እትዛረብ ዝበዝሑ እስላም ዘለውዋ ሃገረ ኣልጀርያን፤ ብኸፊል ቋንቋ ፈረንሳ፡ ብኸፊል ከኣ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ እትዛረብ ሃገረ ካሜሩንን፣ ቋንቋ ፖርቱጋል እትዛረብ ሃገረ ኣንጎላን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ኢኳቶሪያል ጊኒ ናብታ እንኮ ቋንቋ ስጳንኛ እትዛረብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢዮም በጺሖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝረኸብዎ ገጽ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ከመይ ኢዩ?

ክልተ ነገራት ኢዩ። ቀዳማይ ኣብ መጻኢኣ እትተኣማመን፡ ንኡስ ወለዶ ዘለዋ፡ ንጥፍቲ ቤተ-ክርስትያን ኢያ። እዚ ኣብ ኵሉ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ተሳትፎታት ተራእዩ ኢዩ፣ ብመንእሰያት ዝመልአት ቤተ-ክርስትያን ኢያ፣ ንሳቶም ከኣ መጻኢ ናይ ኣፍሪቃ ዚውክሉ ኢዮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብዙሕ ብድሆታት ዜጋጥማ ቤተ-ክርስትያን ኢያ፦ ድኽነት፡ ኣብ ገሊአን ሃገራት ፍትሒ ዘይምህላው፡ ከምኡውን ስልጣን ብገለ ተባሒቱ ኣብ ዘሎ  ኵነታት ብሰላም ምንባር ኣጸጋሚ ኢዩ። እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክበጽሕዋ ኢሎም ዝመጹ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ኢያ፣ እቲ ናቶም ምብጻሕ ከኣ ንመጻኢ ብቀጻሊ ዝያዳ ንምጽዓር ዘተባቢዕ ኢዩ። ንዓናን ንካቶሊካውያን ኣመንትን ዜደንቕ ምንጪ ምትብባዕ ኢዩ፣ ኣብ እምነትና እንጸንዓሉ እዋን ከኣ ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ናጽነትን ማዕርነትን ኣበርቲዖም ተዛሪቦም፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሒደት ሃብታማትን፡ ብዙሓት ድኻታትን ዘሎ ጋግ ብምዅናን ሰብኣዊ ክብረት ክኽበር ጻውዒት ኣቕሪቦም። እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብዘን ኣርባዕተ ሃገራት ክሳዕ ክንደይ ዝስማዕ ይመስለካ?

ኣነ ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ትንቢታዊ ገይረ ኢየ ዝርእዮ። ከምዚ ክብል ከለኹ ነብዪ ኪዛረብ ከሎ፡ ገሊኦም ይሰምዑ፡ ገሊኦም ከኣ ኣይሰምዑን ኢዮም። ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምኡ ኢዩ ነይሩ፣ ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ከምኡ ኪኸውን ኢዩ።

ንህዝቢ ብዝምልከት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተዛረቦብዎ ቓላት ትብዓት ንምሃብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ነይርዎ? ሓጐስ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰያት ይርአ ነይሩ። መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቕድሚት ንኽስጕሙ ርእሰ ምትእምማንን ብርታዔን ይህቦም ድዩ?

ኣገዳስነት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሕልና መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንመጻኢ መንእሰያት ኣጋጣሚታት ንምፍጣር ዝጽውዕ ኢዩ። ብዙሓት ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎም መንእሰያት ርኢና ኢና፣ እንተዀነ ግን ብዛዕባ እቶም ኣብ ካልእ ቦታ ዝሓሸ ሕይወት ንምርካብ ካብ ኣህጉር ዝወጹ መብዛሕትኦም ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ወይ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ እውን ክንሓስብ ኣሎና። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ገለ ጌጋ ከም ዘሎ የርኢ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ መራሕቲ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ቅኑዕ ኢዩ፦ መንእሰያት ሓጐስ ንምርካብ ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ክንዲ ዝግደዱ፡ ንሕይወት ኣብዚ ከስተማቕርዎ ዜኽእሎም ኵነታት ምፍጣር ኢዩ።

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለኩምዶሎ?

ኣዝዩ ብዙሕ። ብዛዕባ መጻኢ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ እታ ሎሚ ትሳቐ ዘላ ሃገረይ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እኣምን ኢየ። ኣብ መጻኢ ግን እኣምን ኢየ።

ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ እንታይ ዓይነት ስምዒት ኣትሪፉልኩም?

እቲ ቐዳማይ ዝተሰመዓኒ ዝስምዒት ሓበን  ኢዩ። ኵርዓትን ሓጐስን ይስምዓኒ፣ ኵሎም ኣፍሪቃውያን ድማ ተኻፈልቲ ናይዚ ስምዒት እዚ ምዃኖ ኢየ ዝሓስብ። ኣብ መጻኢ እውን ክቕጽል ተስፋ እገብር። ኣብ ኣፍሪቃ ንዘላ ቤተ-ክርስትያን እውን ፍረ ክህልዋ ኢዩ፣ ግደኣ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣለዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዘመነ ሥልጣኖም ዝገበርዎ ዕዮ ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ መጻኢ ርግጸኛታት ኢና።

 

 

ብፍራንቸስካ ሳባቲነሊ - ማላቦ

 

25 Apr 2026, 12:25