ድለ

2026.04.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባታ፡ 'ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝግለል የለን' 2026.04.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባታ፡ 'ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝግለል የለን'  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባታ፡ 'ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝግለል የለን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኤኳቶርያል ጊኒ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ባታ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፣ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝግለል ሰብ ከምዘየለ ኣስሚሮም፣ ክብሪ ዝመልስን ምሕዋይ ዝድግፍን ፍትሒ ክህሉ ጸዊዖም፣ እሱራት ድማ ለውጢ ክመጽእ ከምዝኽእል ክኣምኑ ኣለዎም እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ባታ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ኣብ ዘሎ ቅርዓት ምስ እሱራትን ሰራሕተይናታትን ኣባላት ሓለዋ ጸጥታን ደሕንነትን ቤት ማሕቡስን ናይቲ ቤት ማሕቡስ ቤተ ጸሎት ኣገልግሎት ጉስነት ሓላፍን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ቤት ማሕቡስ ሰብኣውነት ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ክብሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ ሓጺር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረን ካብ ሓደ ካብቶም እሱራት ሓጺር ምስክርነትን ንእሱራትን ሰራሕተይናታት ቤት ማሕቡስን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ስለ እተገበረሎም ኣቀባብላን ንኹሎም ኣብኡ ንዝተረኽቡን ኣመስጊኖም፡ ምስክርነቶም ከም መርትዖ "ሰብኣዊ ክብርን ተስፋን ዋላ ኣብ ማእከል ጸገማት ፈጺሙ ከምዘይጠፍእ" ዘረጋግጽ እዩ - ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝግለል ሰብ ሓደ’ኳ የልቦን - ቢሎም - ምስሊ ክርስቶስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ኣብ በደልን መከራን ኣብ ዝፍጸመሉ ኩነታት እውን እንተኾነ፡ ፍቕሪ ናይ ምልዋጥ ዓቕማ ከም እትዕቅብ ኣዘኻኺሮም፡ በዚ ምኽንያት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕሉፍ ህይወቱ ብዘየገድስ "ኣብ ቅድሚ ጎይታ ክቡር" ኮይኑ ይቕጽል ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍትሕን ዳግማይ ውህደትን

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ግደ ስርዓተ ፍትሒ ኣመልኪቶም፡ ሕብረተሰብ ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ኣፍልጦ እኳ እንተሃቡ፡ ክብርን ዓቕምን ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ እውን ከስፍሕ ከምዘለዎ ኣስሚሮም፡ "ሓቀይና ፍትሒ ንምቕጻዕ ዘይኮነስ፡ ህይወት ግዳያት፡ ገበነይናታትን ብኽፍኣት ዝቖሰሉ ማሕበረሰባትን ዳግማይ ንምህናጽ ዝሕግዝ'ዩ፡ ስለዚ "ብዘይ ዕርቂ ፍትሒ የለን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ለውጢ ቦታ

ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ብቐጥታ ነቶም እሱራት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ቤት ማእሰርቲ ከም መዕጸዊ ቦታ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኣስተንትኖን ውልቃዊ ምዕባለን ክኸውን ዝኽእል ቦታ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ እዋን ማእሰርቲ ትምህርትን ትርጉም ዘለዎ ስራሕን ምርካብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዝፈጸሞ ጌጋ ጥራይ ኣይኮነትን እትግለጽ፡ ኩሉ ግዜ ከም ብሓድሽ ናይ ምጅማር ተኽእሎ ከምዘሎ" ብምዝኽኻር፡ ንተመኩሮ ተነጽሎ - ማእሰርቲ ዝምልከት፡ እሱራት በይኖም ከምዘይኮኑ ኣዘኻኺሮም፡ "ስድራኹም የፍቅሩኹምን ይጽበዩኹምን ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ካብዞም መናድቕ ወጻኢ ዝጽልዩልኩም ኣለዉ፡ ሕጂ'ውን ኣምላኽ ንማንም ከም ዘይጥንጥን ንኣምን ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሰራሕተይናታትን ንካህናትን ኣፍልጦ ምሃብ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ፣ ሓለፍቲን ካህንን ንዘካይድዎ ዕዮ ብምምስጋን ድሕንነት ምስ ምክብባርን ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ምውህሃድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ እዚ ድማ ናብ ሕብረተሰብ ዳግማይ ንምውህሃድ ዘድሊ ኩነታት ንምፍጣር ይሕግዝ” እንክብሉ መደረኦም ምስ ዛዘሙ ሓደ እሱር ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝተሰርሐ ንሓድሽ ጅማሮ "ዛንታታቶምን ቁስሎምን ተስፋኦምን" ምልክት ዝኾነ ዕጸ መስቀል ገጸ በረኸት ከም ዘቕረበሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባታ፡ 'ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝግለል የለን'
23 Apr 2026, 16:09