ድለ

2026.04.30 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ቤተ ክርስቲያን ብግብረ ሰናይ ንሓቂ ክትምስክር ኣለዋ 2026.04.30 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ቤተ ክርስቲያን ብግብረ ሰናይ ንሓቂ ክትምስክር ኣለዋ  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ቤተ ክርስቲያን ብግብረ ሰናይ ንሓቂ ክትምስክር ኣለዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ጀርመን ርእሰ ሰበኻታት ኮለን ዝመጹ ልኡካን ቤት ጽሕፈት “ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘተን” ዕለት 30 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ኩለን ሃገራት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንኻልኦት ሃገረ ስብከታት ሓድሕዳዊ ደገፍ ክትገብርን ነቲ ሓቂ ብግብረ ሰናይ ክትምስክርን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ጀርመን ኣብ ውሽጢ ርእሰ ሰበኻታት ከለን መበል 50 ዓመት ምስረታ ናይ ዘብዕል ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘተን ልኡካን ዕለት 30 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን፡ እዚ ኣጋጣሚ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣገዳስነት ዘተን ንምስትንታን ዕድል ዝፈጥር እዩ - ቢሎም - “ብብርሃን ትንሳኤ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ንርእሳ ናብ ኩሉ ህዝብታት ከም ዝተላእከት ትፈልጥ - ገዛእ ርእሳ ብምጽዓን ዘይኮነስ ንሓቂ ብፍቕሪ ብምምስካር። “ዘተ ብግዲኡ ሕብረት የሐይል፣ ናይ ምርድዳእ መንገዲ ይኸፍት፣ ንጉዳይ ሰላም ድማ የገልግል። ክርስቶስ ብስራሕ ዘተን ሕብረትን ኣቢሉ ንቤተ ክርስቲያን ምልክት ሓድነትን ተስፋን ንዓለም ይገብራ፣ ኩሉ ነገር ናብ ገዛእ ርእሱ እናሰሓበ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንርእሰ ሰበኻ ኮሎን “ብትንቢታዊ ክፉትነት” ንኵላዊ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ብምንኣድ እዚ ድማ “ንምርኻብን ንሓድሕዳዊ ምልውዋጥን ዘተን” ብዘለዎ ድልውነት ዝግለጽ እዩ”

ምስ ናይ ቶክዮ ርእሰ ሰበኻታት መሻርኽቲ ዝኾነ ኣብ 1954 ለዋህን ዝመጽእን ብዝብል መጸውዕ ኣብ ጀርመን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ሓዊሱ ሓያሎ ናይ ሓገዝ ተበግሶታት ከም ዘቖመ ኣዘኻኺሮም። “እዚ ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ኵላዊት ምዃና ዝገልጽ ራእይ - ካብ ወሰን ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ምትሕግጋዝ ዝተጸውዐ፡ ብናይ ዘተ ባህሊ ኣቢሉ ድማ - ኣብ ሕመረት መንነት ትካልኩም ይቕጽል ኣሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሰበኻ ከለን መስራቲ ኣባል ናይቲ ንምብራቓዊ ኣብያተ - ክርስትያን ደገፍ ዝህብን ብጥሜትን ምዕልቕላቕ ማይን ውግእን እተጠቕዑ ዞባታት ረድኤት ንምሃብ ዝሕግዝ ትካላት ረድኤት ንምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ሕብረት (ROACO) ምዃኑ እውን ኣስተብሂሎም፡ ካልኦት ከለን ንርእሰ ሰበኻ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምሃብን ንኣረጋውያን ካህናት ሓገዝን ዝህብ እተስፍሖ ተበግሶታት ንኢዶም ቅዱስነቶም ንባዕሎም ኣብ ሃገረ ፐሩ ናይ ሰበኻ ቺክላዮ ጳጳስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንሓያሎ ተበግሶታት ሃገረ ስብከት ፔሩ ከምዝደገፈን እዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ዘድሓነን ዝደገፈን ይድግፍ እውን ምህላዉ ዘኪሮም፡ “ብናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፡ ኵላዊ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን ርኡይን ጭቡጥን ይኸውን፡ ምትሕግጋዝ የዕቢ፡ ማእሰር ሓድነት የደልድል፡ ኣብዛ ብዙሕ ግዜ ብፍልልይን ብጭንቀትን እትልለ ዓለም ወንጌል ሰላም ይምስክር - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ሰበኻታት ከለን ናይ ግብረ ሰናይ ተልእኾ ክቕጽል ዓዲሞም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ክርስትያንን ካብ ዓዶም ክሃድሙ ዝተገደዱን ዝገብርዎ ደገፍ ክቕጽል ድማ ተላብዮም፡ “ሕጂ’ውን ቅርበት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ከስተማቕሩ፡ ኣብዚ ናይ ግብረ ሰናይ - ናይ ፍቕሪ ተልእኾ ክትጸንዑ እላቦ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

30 Apr 2026, 16:43