ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ናይ ክርስቶስ ሰላም ንህቦብላታት ህይወት የህድእ፡ ብዘይ ፍርሒ ንቕድሚት ክንጓዓዝ ይሕግዘና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ያውንደ ኣብ ካሜሩን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መዛዘሚ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኩሉ ሰብ ኣብቲ ህይወት ዘምጽኦ ዕግርግርን መከራን ክስዕሩ ኩሉ ግዜ ንኽሕግዞም ምስኦም ኣብ ዝኸውን ናይ ክርስቶስ ሰላም ክጸንዑ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካሜሩን ኣብ መዛዘሚ ናይ ካሜሩን ዑደቶም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ነቲ ዝተገብረሎም ኣቀባብላን ብሓባር ዘሕለፍዎ ናይ ሓጎስን እምነትን ህሞታትን ዓሚቝ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ሽሕ ምመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ መስዋእተ ቅዳሴ ዝተነበ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 6. 16 – 21 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብፍርህን ብጥርጣረን ቀላይ ጥብሪያዶስ ኺሰግሩ እንለዉ ነቲ ብርቱዕ ንፋስ ብኸመይ ከም ዘህደኦ ዝገልጽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ልክዕ ከምቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና "ብዙሕ ማዕበልን 'ብርቱዕ ንፋስን' ብኸመይ ከም ዝሓለፈት" ዘኪሮም። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ጸበባ ብኣሉታዊ ሓይልታት ከም እተሳዕረ ዀይኑ ክስምዓና ክገብር ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ሂቦም። ይኹን እምበር "ኢየሱስ ኵሉ ሳዕ ምሳና ኸም ዘሎን ካብ ሓይሊ ኽፍኣት ዘበለ ዅሉ ዚብርትዕን እዩ" ከምኡውን "ኢየሱስ ከምቲ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዘይሐደጎም ንዓና ኸም ዘይጥንጥነና" ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብትብዓትን ምትእምማንን ንቕድሚት ምኻድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢየሱስ ፈጺሙ ከምዘይሓድገና ምፍላጥና ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ክንትንስእን ህቦብላታት ህይወት ደው ከብለና ከምዘይፈቅድን የኽእለና። "ኩሉ ግዜ ብትብዓትን ምትእምማንን ንቕድሚት ኢና ንኸይድ።" "እምነት ካብ ዕግርግርን ጸበባን ዘየናግፈና" እኳ እንተኾነ፡ ኢየሱስ ምሳና ከም ዘሎ ርግጸይናታት ክንከውን ግን ንኽእል ኢና። "ንሱ ብኡንብኡ ነቲ ህቦብላ ኣየህድኦ፣ ኣብ ማእከል ሓደጋ ናባና ይመጽእ፣ ኣብ ሓጎስናን ሓዘንናን ድማ ከም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ብሓባር ክንጸንሕ ይዕድመና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኩሎም ኣብ ሓንቲ ጃልባ

ኢየሱስ ምሳና ስለ ዘሎ፡ ንሕና እውን ምስቶም ዝፈርሑን ዝሳቐዩን እውን ክንቀርብ ኣሎና፡ ንጸገማት ህይወት ኣብ ምግጣም በይኖም ክተርፉ ስለ ዘይብሎም፡ ክንቀርቦምን ክንሓቑፎምን ይግባእ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ብሓባር ብምዃን ኪደጋገፍን ዘለዎ፣ ብፍላይ ከኣ "ቅልውላው ኬጋጥም እንከሎ – ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ሕክምናዊ ወይ ቍጠባዊ ቅልውላው ከጋጥሞ እንከሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዓቕሙን ድሌቱን ሓገዝ ክህብን ክቕበልን ይኽእል ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ኣይትፍራሕ

ኢየሱስ “ኣይትፍርሑ” ዝብል ምዕዶ ንነፍሲ ወከፍና ብውልቅን ከም ማሕበረሰብን ዝተዛረቦ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብሪሆም፡ ብፍላይ ምስ ድኽነትን ፍትሕን ዝተኣሳሰሩ ጸገማትን ብድሆታትን፡ ኩሉ ብሓፈሻዊ ርድኢት ሓባራዊ ሓላፍነት ክንገጥሞ ምትብባዕ ይህበና፥

"እምነት ነቲ መንፈሳዊ ካብ ማሕበራዊ ኣይፈልዮን እዩ። ብሓቂ ንክርስትያን ምስ ዓለም ንኽራኸቡ ሓይሊ ይህቦም፣ ንጠለባት ካልኦት ብፍላይ ድማ ነቶም ድኹማት ምላሽ ይህብ። እቲ ዝተነጸለ ጻዕሪ ውልቀሰባት ንድሕነት ሓደ ሕብረተሰብ እኹል ኣይኮነን: የግዳስ እቲ ዘድሊ ሓባራዊ ተወፋይነት እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ሸነኻት ወንጌል ኣብ ልቢ ከባብያዊ ትካላትን መሓውራትን ክወሃሃድ ዝገብሮም እዩ። መግበርያ ናይ ሓባር ረብሓ እምበር፡ ናይ ግጭት፡ ንውልቃዊ - ረብሓ ወይ መኻን ቃልስታት ዝካየደሉ ቦታታት ኣይኰነን”

ንመንፈስ ቅዱስ ምስማዕ፡ ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ በቲ ዝቕልቀል ዝነበረ ዘይተኣደነ ብድሆታት ተዋሒጦም እምነት ምክፋልን ኣብ ማሕበረሰብ ምንባርን ብድሆታት ከመይ ከም ዘጋጠሞም ኣዘኻኺሮም፡ እንተዀነ ግን ተኣኪቦም ብዛዕባ እቲ ጕዳያት ተመያየጡ ድሕሪኡ ነቲ ወንጌል ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኸም ዜካፍሉን ነቶም ኣብ ማእከሎም ዘለዉ መከራ ከቕልቡሎምን ንመበለታትን ዘኽታማትን ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ንምፍላጥ ብሓባር ጸለዩ፡

“ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ሰሚዖም ንኣውያት መከራ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ምፍልላይ ርሒቖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዕብየቱ ዝምጥን ሓደስቲ መሳርሒታት ኣዕጢቖም፡ ንሓንቲ ህሞት ቅልውላው ናብ ኣጋጣሚ መሀብተምን ምዕባለን ኩሉ ሰብ ቀይሮምዎ።”

ጽቡቕ ህሞታት ምዝካር

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኩሉ ሰብ ከመይ ናብ መዓልታዊ ህይወቱ ከም ዝምለስን "ቤተክርስትያን ሳላ ጸጋ ኣምላኽን ተወፋይነት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ገጻ ትቕጽል ኣላ፡ ዅሉ ሰብ "ነቲ ኣብ ልብና ህያው ዝኾነ ዘሕለፍናዮ ባህ ዜብል ህሞት" ኣኽቢሩ ክርእዮን ክዝክሮን ከምኡውን ነቲ ኣብ ህይወትና ጸገማትን ጸገማት ኬጋጥመና እንክሎ እውን ኵሉ ሳዕ "ንኢየሱስ ብህላወኡ መዓልቲ መዓልቲ ከብርሃናን ከሐድሰናን እነፍቅደሉ ኣጋጣሚ ክኸውን" ኣተባብዖም፥

“ቤተክርስቲያን ካሜሩን ህያው፡ መንእሰይ፡ ብውህበትን ኒሕን ዝተባረኸት፡ ብብዙሕነታ ብርትዕትን ብስኒታ ግርማዊትን እያ፡ ብሓገዝ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓጐስ ህላዌኹም ይዕምብብ። እቶም ኣብ ህይወት ፈጺሞም ዘይተርፉ ብርቱዓት ንፋሳትን ህቦብላታትን ድማ፡ ብምክፋል፡ ብምስማዕ፡ ብጸሎትን ብሓባር ናይ ምዕባይ ባህግን ኣብ ሓጐስ ምግልጋል ኣምላኽን ኣሕዋትን ኣሓትን ዕቤት ኣጋጣሚ ይኹን።"

እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Apr 2026, 17:19