ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣልጀርያ፡ ካሜሩን፡ ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መደባት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣልጀርያ፡ ካሜሩን፡ ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መደባት  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣልጀርያ፡ ካሜሩን፡ ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መደባት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 13 – 23 ሚያዝያ 2026 ዓ.ም. ናብ ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ናይ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝርዝር መደባት ዕለት 16 መጋቢት ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 13 - 23 ሚያዝያ 2026 ናብ ኣልጀርያ ካሜሩን ኣንጎላ ከምኡውን ኢኳቶሪያል ጊኒ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱን ቅድሚ እዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ኣውሮጳ ናብ ሞናኮ ምብጻሕ ካካይዱ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝርዝር መደባት ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ን11 መዓልታት ዝጸንሕ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ 11 ከተማታትን 6 ቃል ሰላምታ 10 መደረታት ከምኡውን 8 ስብከታት ዘጠቃልል ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ፣

ኣብ ኣልጀርያ፡ ካብ ዕለት 13 – 15 ሚያዝያ፡ ኣብ ካመሩን ካብ ዕለት 15 – 18 ሚያዝያ፡ ኣብ ኣንጎላ ካብ ዕለት 18 – 21 ሚያዝያ ከምኡ እውን ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ካብ ዕለት 21 – 23 ሚያዝያ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም የመላኽት።

17 Mar 2026, 16:16