LEBANON-ISRAEL-IRAN-US-WAR-DISPLACED LEBANON-ISRAEL-IRAN-US-WAR-DISPLACED  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ፦ 'እቲ ንዓታቶም ዝጐድኦም ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝጐድእ ኢዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ዓመጻ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ስቓይ ብዙሓት ግዳያት ናይዚ ግጭታት ዝኾኑ ንጹሃት ሰባት እና ረኣና፣ ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ዓመጻ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሮማ ዝናም እኳ እዘንም እንተ፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ነጋድያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ንምስታፍ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ነበሩ።

ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ዞባታት ዓለምን ብውግእን ዓመጽን ዝበታተኑ ዘለዉ ዓሚቝ ሻቕሎት ከም እተሰምኦም ገለጹ። ቅዱስነቶም ድማ "ስቓይ ብዙሓት ግዳያት ናይዚ ግጭታት ዝኾኑ ንጹሃት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" በሉ።

እዚ ቐጻሊ ዓመጻ እዚ ንዅሉ ሰብኣውነት ይጐድእ ኢዩ ዘሎ፣ "እቲ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ዝወርዶም ዘሎ መጕዳእቲ ንዅሎም ደቂ ሰባት ኢዩ ዝጐድእ ዘሎ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ብሰንኪ እቲ እዚ ውግኣት እዚ ዘስዕቦ ዘሎ ስቓይን ሞትን መከራን "ንብምሉኦም ደቂ ሰባት ዜሕፍር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐርብ ዘሎ ኣውያት እዩ" ክብሉ ኣጠንቀቑ። ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "ውግእ ደው ምእንቲ ኺብልን ኣብ ልባዊ ዘተ ክግበረን፣ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ኣብ ምኽባር እተመስረተ መገድታት ሰላም ምእንቲ ኺኽፈትን" ኵሉ ሰብ ኣብ ጸሎት ክጽመድ  ኣተባብዑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ዘቕረቡሉ ኣጋጣሚ፣ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ዓመጻ ኣብ መበል 23 መዓልቱ ክንዲ ዝነበረ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቍጽሪ ሞት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 1,000 ሰባት ከም እተቐትሉ እዩ ዝንገር ዘሎ፣ እንተ ወሓደ 160 ሰባት ድማ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ከተማታት እስራኤል ብደብዳባት ሚሳይል ሃገረ ኢራን ቈሲሎም፣ ኣብ ወሽመጥ ስዑዲ ዓረብን ባህሬንን ከኣ ብዝወረደ ናይ ኣየር ደብዳብ ሓያሎ ድሮናትን ሚሳይላትን ከም እተፈነዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ኢራን ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 1,444 እንክኸውን፣ ልዕሊ 18,000 ድማ ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ሓዋርያዊ ቡራኼኦም ቅድሚ ምክፋላኦም፣ ነቶም ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ እተኻየደ ማራቶን እተሳተፉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ተቐዳደምቲ እውን ሰላምታ ኣቕረቡ። ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ብዙሓት ስፖርተኛታት ብምርኣዮም ድማ "ምልክት ተስፋ እዩ" ብምባል፣ ስፖርት "ናይ ሰላምን ማሕበራዊ ምትሕብባርን መንፈሳውነትን መገድታት ክፈጥር" ከም ዝኽእል ኣመልከቱ።

23 Mar 2026, 15:13