ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን 14 ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምድንፋዕ ብዝገበርዎ ናይ ሓርነት ሜዳልያ ክቕበሉ ኢዮም

እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፡ መበል 38 ዓመታዊ ናይ ሓርነት ሜዳልያ ብዕለት 3 ሓምለ 2026 ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሓርነት ኣደራሽ ኣብ ዝግበር ስነ ስርዓት ሽልማት ከም ዝህቦም ኣፍሊጡ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 3 ሓምለ 2026 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡  ኣብ ድሮ መበል 250 ዓመት ምምስራት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ መበል 38 ዓመታዊ ናይ ሓርነት ሜዳልያ ካብ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ኪቕበሉ ኢዮም።

"እቲ ሽልማት ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታዊ ናጽነትን፡ ናጽነትን ሕልናን ሓሳብን ንምድንፋዕ ኣብ ምሉእ ሕይወቶም ዝሰርሕዎ ዕዮ ኣፍልጦ ዝህብ ኢዩ። እቲ ማእከል ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ተግባር እዚ፡ ብመስረትቲ ሃገረ ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ መአረምታ ሃገራዊ ቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተመስረተ ሓሳባት ኢዩ" ይብል።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ቅርዓት እቲ ኣብ ፊላደልፍያ ዝርከብ ማእከል ናይ ሓርነት ኣደራሽ ክካየድ ኢዩ፣  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ካብ ቫቲካን ብቐጥታ ብዝመሓላለፍ መደብ ብቐጥታ ናይ ምቕባል ቃል ከቕርቡ መዲቦም ኣለዉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ማኅተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንሕዝቢ ኣመሪካ ኣገዳሲ ዝኽሪ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ፡ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ነዚ ክቡር ሽልማት ስለ ዘበርከተሎም ብልቢ ከም ዘመስገኑ አፍሊጡ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ምምሕዳራት ሕዝብን፡ መራሕቲ ሃይማትን፡ ሕዝብን ብሓባር ብምዃን፡ እቲ ቅድሚ 250 ዓመታት ንምስረታ ኣመሪካ እተነድፈ ኣተሓሳስባ፡ ሎሚ ኣብ ዓለምለኻዊ ኵነታት ብኸመይ ከም ዚስማዕ ኪሓስቡ ትጽቢት ይግበረሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንዘተ ዝገበርዎ ተወፋይነት

እቲ ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ ግንቦት 2025 ካብ ዚምረጹ ኣትሒዞም፡ "ካብ ኣይሁድን፡ እስላምን፡ ክርስትያንን፡ ካልኦት ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባትን ንዝመጹ መራሕቲ፡ ንሓድሕዳዊ ምክብባርን፡ ሰላማዊ ሓባራዊ ሕይወት ንምድንፋዕ ንክተሓባበሩ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላየያ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተን፡ ንኢኩመኒካዊ ዘተ ቀዳምነት ከም ዝሃብዎ፡ ይገልጽ።"

ቀጺሉ "እቲ ዝተገብረ ርክባት ንሃይማኖታዊ ሓርነት ከም ረቂቕ መሰል ዘይኰነስ፡ ከም ሕያው መግለጺ ሰብኣዊ ክብረት ገይሩ ዝገልጾ ዝሰፍሐ ስነ-ምግባራዊ ኣረኣእያ ዘንጸባርቕ ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም እተገለሉ ማሕበረሰባትን፡ ነቶም ውሑድ ሕዝቢ ዘለዎም ሃይማኖታትን፡ በቲ ግጭት እተጸልዉ ሰባትን ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ" ይብል።

ግዝያዊ ኣቦ መንበርን ዋና ኣካያድን ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ቪንስ ስታንጎ "ሃገራዊ ማእከል ቅዋም፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንሃይማኖታዊ ናጽነትን፡ ናጽነት ሕልናን፡ ሰብኣዊ ክብረትን ብቐጻሊ ተጣባቒ ብምዃኖም ናይ ሓርነት ሜዳልያ ንክህቦም ክብሪ ይስምዖ" ይብል።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "ኣብ ወግዓዊ መግለጺታትን፡ ሕዝባዊ ዝርርባት ቫቲካንን፡ ቅዱስነቶም፡ ብዘይ ናይ ሃይማኖትን፡ ኣተሓሳስባን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት፡ ሰላም ክህሉ ከም ዘይክእል ኣረጋጊጾም ኢዮም።  እዚ ድማ ምስቲ ቀዳማይ መኣረምታ ዝተገብረሉ ቅዋም ዝህቦ መሰረታዊ ሓሳባት ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ መምርሒታት ኢዩ" ይብል።

ናይ ሓርነት ሜዳልያን ሃገራዊ ሕገ መንግስታዊ ማእከልን

እቲ ብ1988 እተመስረተ፡ ካብ 2006 ኣትሒዙ ድማ ብሃገራዊ ማእከል ቅዋም ዝሰናዶ፡ ናይ ሓርነት ሜዳልያ፡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ዝርኢ ኰይኑ፡  ነቶም ምእንቲ ሓርነት ዝጽዕሩ ውልቀ-ሰባትን ውድባትን ኣፍልጦ ይህብ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ስነ ስርዓት ሽልማት፡ ንመበል 250 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ሃገረ ኣመሪካ ንምኽባር ምስ ምምሕዳር ከተማ ፊላደልፍያ ብምትሕብባር ይግበር ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተማህሩሉ ዩኒቨርሲቲ ቪላኖቫ እውን ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ሓርነት ሜዳልያ መደብ ኣብ ምስንዳው ዓቢይ ግደ ነይርዎ።

እቲ  ኣብ ፊላደልፍያ ዝርከብ  ሃገራዊ ማእከል ቅዋም ካብ  ኣመሪካን፡ መላእ ዓለምን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ራእይ ሓርነት ደቂ ሰብ ዝዀነ ቅዋም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምምሃርን፡ ንምዝታይን፡ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመን፡ ኣረኣእያን ንዘለዎም ሰባት ብሓባር ናይ ምምጻእ መደባት ከም ዝገብር ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ይገልጽ።

18 Mar 2026, 11:36