ር. ሊ. ጳ. ልዮም ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ሓድነት ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራግ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ 15 ሽሕ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ከምኡ ውን ነቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ካብ ቤቶም ኰይኖም ዝከታረሉ ዝነበሩ ሰባት፣ ትማሊ ሰንበት ዕለት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ምዃኑ እውን ኣዘኻኸሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ "ተጸምዶና ነሓድስ... ንማዕርነት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ድማ ኣፍልጦ ንሃብ" ዝብል ኣገሲ መልእኽቲ ኣብ ወንጌል እተመስረተ ኣመሓላሊፎም። ካብ ግዜ ህጻንነተን ጀሚሩ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ይግበረለን ምህላው ድማ ነቐፍዎ፣ "ብፍሉይ መገዲ ሓድነተይን ጸሎተይን ናባታተን የብሎ ኣሎኹ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ፍረ ነገር እዚ ኣብቲ ትማሊ እተሓትመ ናይ ወርሒ መጋቢት መጽሔት ፒያሳ ሳን ፒትሮ እውን ተዛሪቦምሉ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንኣንበብቲ ዘቕረብዎ፣ ኣብ መንጎ መንእሰያት "ባህሊ ኣኽብሮት" ንምድንፋዕ ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርትን ቤተ-ክርስትያንን ተጸምዶ ክግበር ጻውዒት ዘቕርብ ኢዩ ዝንበረ።
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ዓመታዊ ዕለት 8 መጋቢት ኢዩ ተዘኪሩ ዝውዕል፣ ንማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ዓወታት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ፣ ንማዕርነት ጾታ ስጕምቲ ኺወስድ ጻውዒት ዘቕርብ ዕለት ኢዩ። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ኰይኑ፣ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ንምጥባቕን ንምጽምባልን፣ ከምኡ ውን ሓገዛር ንምእካብን ከቢሩ ዝዕል ዕለት ድማ ኢዩ።
