2026.03.18 Udienza Generale 2026.03.18 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንተለቪዥን ኢጣልያ፦ ናጻን ናይ ኣኽብሮትን ሓበሬታ ናይ ሰላም መሳርሒ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታ ናይቲ Tgcom24 ዝተሰምየ፣ ናይ ኢጣልያ መደበር ተለቪዥን፣ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ኣገዳሲ ተልእኾ" መራኸቢ ብዙሓን ኣብ እዋን ቅልውላው ኣጕሊሖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት መደብረ ተሌቪዥን  Tgcom24 ንዳይረክተርን ኣሰናዳኢ ናይዚ ሓጺር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዘተን ኣኽብሮትን

ኣብ መልእኽቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "ኣብ ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ዚጭድር ዓብዪ ለውጥታትን ቃላትን" ዜመልክት፣ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት ኣመልኪቶም ኣስተንተኑ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት "ኣገዳሲ ተልእኾ" መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳሲ ኢዩ፣ እዚ ድማ ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዘስፋሕፍሕን "ድልድል ዘተታት ምህናጽን" ኢዩ ክብሉ እውን ኣመልከቱ።

እዚ ድማ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዝገለጽዎ፣ "ኣብ ገጻት ዜና ጥራይ ደው ዝብል ዘይኰነስ፣ ኣብ ደረት ስቓይ ብኸመይ ብኣኽብሮትን ብሓድነትን ብድንጋጽን ከም እትጥምት ዝገብረካ ዛንታታት" ዘጠቓልል ኢዩ።

ማእከል መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ "ምዝርጋሕ ናይ ሓሶት ዜና" ንምቅላስን "ንእተፈላለዩ ኽፋላት ሕብረተሰብ ሓድነት" ከወፊ ዝኽእል "ናይ ምርኻብ ባህልን" ንምድንፋዕን ሓቀያና ጻውዒት ከምኡውን "ዓሚቝ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት" ኢዩ ይብል።

ኣብ መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና፣ "ናብ ኣጽዋር ዘይብሉን ጽኑዕን ሰላም" ንምብጻሕ፣ "ሓያል መሳርሒ" ስለ ዝዀነ "ንሰብኣዊ ክብሪ ዚድግፍ ናጻን ናይ ኣኽብሮትን ሓበሬታ" ዘለዎ ክኸውን ሓያል ጻውዒት ኣቕሪቦም።

23 Mar 2026, 14:58